Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣብ ቁጠባዊ ሓርነት ዘይተሃንጸ ፖለቲካዊ ሓርነት ከቶ ክህሉ ኣይክእልን

By   /  September 15, 2017  /  Comments Off on ኣብ ቁጠባዊ ሓርነት ዘይተሃንጸ ፖለቲካዊ ሓርነት ከቶ ክህሉ ኣይክእልን

    Print       Email

ብርክት ዝበሉ ነጋዶ፡ ኣውፈርቲ፡ሰብ ዋኒን ትካላት ዝርከብዎም ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ፡ ኣብ ዱበይ ተራኺቦም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘትዮም ኣለዉ። እቲ ተበግሶ ካብ ውሽጦም ዝነቐለ ብሙኻኑ ደራኺ ሓይሊ ናይቲ ዝመጽእ መደባቶም ከምዝኸውን ኣየማትእን።

ከምቲ እቶም ሰብ ጸጋ ኣብ ኣኼባታቶም ዝገምገምዎ ጥርናፈ፡ ብሓባር ምስራሕ ብዓቢኡ ድማ ዕዮታቶም ብመንጽር መጻኢ ኩነታት ሃገሮም ናበይ ገጹ ኢዩ ክእንፍት ምምርማር ኣገዳሲ ኢዩ።

ብዙሕ እዋን ቁጠባ፡ ንግድን ወፍሪን ካብ ፖለቲካ ነጺልካ ምርኣይ፡ ካብዚ ግጉይ ኣመለኻኽታ ብምብጋስ ድማ ‘ኣነ ፖለቲካ ኣይምልከተንን ኢዩ’ ዝብል ዘረባ ይስማዕ ኢዩ። የግዳስ ታሪኽ ከምዘረጋግጾ ኣብ ቁጠባዊ ሓርነት ዘይተሃንጸ ፖለቲካዊ ሓርነት ከቶ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ።

ርጉእ ስርዓት ዘይብሉ ሃገር፡ ቁጠባዊ ምዕባለ ኪጎናጸፍ ዘይሕሰብ ኢዩ። ንቁጠባዊ ዕብየት ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ካብ ፖለቲካዊ ስርዓት ንላዕሊ:  ርጉእ፡ ቁጠባዊ ስርርዕ ናይ ምፍጣር ተርኡ ይዓዝዝ። ብፖለቲካዊ ገበን፡ ብውግእን ወረ ውግእን፡ ብዘይምርግጋእ ዝተሓመሳ ሃገራት፡ ብቁጠባዊ ውድቀት ኪሳቐያ ግድን ኢዩ። ባህጊ ሓርነት ሰባት ኣብ ኣእምሮን ከብዲን ኢዩ መሰረቱ።

ሃገራት ስካንደናቭያ ብሓርነትን ሓጎስን ህዝበን ኣብ ዓለም ቀዳሞት ዝኾና፡ ፍሉይ ቅዋም ወይ ፖለቲካዊ ስርዓት ስለዘለውን ኣይኮናን። ሓርነት ህዝበን ዝደልደለ ብቑጠባዊ ሓርነትን ብልጽግናን ናይተን ሃገራት ጥራይ ኢዩ። ቅዋም ይኹን ፖለቲካዊ ብዙሕነት፡ ነቲ ሓርነት ዘውሕስ ትካላዊ ቅርጺ ጥራይ ኢዩ።

ፖለቲካዊ ቁጠባ፡ ንፖለቲካዊ ስርዓት ቀዲሙ ዝመጽእ ኢዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ቀዳማይ ናይ ህዝቢ መሰልን ብጽሒትን ምዕሩይ ኣሎዶ የለን ምስኣረጋግጸ ኢዩ እቲ ዳሕራይ ነቲ ዝተረጋገጸ ሓባራዊ ረብሓ ዘውሕስ፡ ወይ ነቲ ዘይተረጋገጸ ሓባራዊ ረብሓ ብዓመጽ ዘርግእ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝሃንጽ።

ቁጠባዊ ሓርነት ብመንግስቲ ተዓሚጹ እንተሎ ወላ ብማሕለፍያ ቃላት ዝተወረቐ ቅዋም እውን እንተሃለወ ትርጉም ኣይህልዎን። ካብ ዓለም ዝበለጸ ቅዋም ዝበሃል ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢዩ። እቲ ንሕና እዞም ነቶም ብዘይፍትሓውነት ብሃባር ዝተሳቐናን፡ ነቶም ምእንቲ ፍትሕን ሓርነትን ምእንታና ዝሓለፉ ብሓባር እንዝክርን ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኹሎም እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ብብዙሕነት እተጠመሩ ህዝቢ ብማዕረ ትብጻሕ ኢሉ ኢዩ ዝጅምር። ሎሚ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ግዜ ኣፓርታይድ ብዘይሓይሽ ምቁምጣዕ ብልሽውና፡ ድኽነትን ሕሰምን ህዝቢ እትልለ ሃገር ኮይና ኣላ።

እቲ ንዛየር ንልዕሊ 30 ዓመት  ዘሳቐያ ዲክታተር ሞቡቱ እውን ከመይ ዝኣመሰለ  ቅዋም ነይርዎ ኢዩ። ሞቡቱ ኣብ ናይ 1996 ናይ ሓድሽ ዓመት መደርኡ ‘ሓራን ርትዓውን ምርጫታት ኣኽሊል ዲሞክራሲ ኢዮም’ ኢሉ ውን ነይሩ ኢዩ። የግዳስ ከምኡ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን ኮንጎ ብኣዚዩ ምእኩል ስርዓት ትመሓደር ስለዝነበረት፡ ህዝባ ዝስተ ማይ ዝሰኣነ፡ ብጥምየትን ስደትን ዝተበታተነ ኮይኑ ከሪሙ። ሞቡቱ ካብ ጸጋታት ናይታ ሃገር ክሳብ 16 ቢልዮን ዶላር ብምስራቕ ኣብ ስዊዝ ኣብ ናይ ውልቁን ናይ ቤተሰቡን ሕሳባት ባንክ ከምዝኣቱ ስለዝገበረ እታ ሃገር ናብ ምብትታን ኣትያ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ተመሳሳሊ ኢዩ። መንግስቲ ጨቢጡ ዘሎ ጉጅለ ንቑጠባዊ ስርዓት ኤርትራ ማዕረ ፖሊሳዊ ስርዓትን ጸጥታን ተገዲሱ ዝቆጻጸሮሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ቁጠባዊ ሓይሊ ንፖለቲካዊ ስርዓት ክስዕር ከምዝኽእል ስለዝኣምን ኢዩ።

ንመንግስቲ ኤርትራ ቁጠባ፡ ወፍሪን ንግድን ንህላዊኡ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ጌሩ ኢዩ ዝቖጽሮ። ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ኣብቲ ዘካይዶ ቁጠባዊ ንጥፈት፡ ብዘይካ እቶም ካብ እዋን ናጽነት ኣትሒዞም ብምጥፍፋእን ስርቅን ስሞም ዝገነነ ዕሉላት ቀጠፍቲ ሰባትን ስድራቤቱን ካልእ ኣካል ዘይሕውስ ዘሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ መወዳእታ 90ታት ኣትሒዙ ንዘዝቦቐለ ርኹብ ድኳኑ ዝመንጠሎ፡ ንግዱ ዝመንዘዖ እውን ብዘይምኽንያት ኣይኮነን። ጀነራላትን ኮለነላትን እንዳለኣኸ ንኸም እንዳ ዓንሰባ፡ ቤተሰብ ለኣከ፡ መሓመድ ሓጎስ ኦሞ፡ ሓሰን ኬክያ፡ ኣቶ ሓጎስ ወናኒ እንዳ ድስቲ፡ ዶክተር ወዲ ቫካሮ፡ ኣሕዋት እንዳ መሓመድ፡ ወነንቲ ፋብሪካታት ድባርዋ፡ ላጺ፡ ሃይለ ጨው፡ዘርአጋብር፡ ፍቕረ፡ ስድስቱ፡ ዶክተር መድሃነ፡ ወዘተ ብኣግኡ ንገሊኦም ዘሕቀቖሉ ንገሊኦም ዘሳደደሉ ምኽንያት ቁጠባዊ ሓርነትን ገስጋስን በዳሂ ፖለቲካዊ ዓመጽ ሙኻኑ ኣረጋጊጹ ስለዝፈልጥ ኢዩ።

እዞም ኣብ ዱባይ ተኣኪቦም ዝቐነዩ ሃገራውያን ጉዳይ ጥርናፈኦም፡ ሞያዊ ምትሕግጋዞም ዓዚዝዎም ምርኻቦም ግርም ኢዩ። ዝበዝሑ ካብኦም ኣብ እዋን ገድሊን ድሕሪኡን ኣበርክቶ ምግባሮም እውን ንሃገራዊ ተገዳስነቶም ዘርኢ ኢዩ።

እቲ ኣኼባ ግን ብዛዕባ ገንዘብና መወዳእትኡ ናበይ ከብል ኢዩ ኪኸውን ኣይግባእን። ወይ ውን ኣብ ኤርትራ ሓርነትን ዝበዝሐ ህዝብና ይረጋገጽ ኣይረገጋጽ ብዘየገድስ፡ ብከመይ እዚ ኣኪብናዮ ዘሎና ገንዘብ ናብ ሃገርና ከነእትዎ ንኽእል ዝብል ኪኸውን ኣይግባእን።ላም ብፍርቂ ጎና ክትሰብሕ ኣይትኽእልን ኢያ።

እቲ ሕመረት ናይቲ ሕቶ፡ ሃገርና ብቐንዱ ድማ ሉዓላውነትን ቁጠባዊ ሓርነትን መላእ ህዝቢ ብኸመይ ይረጋገጽ ኢዩ ኪኸውን ዝግባእ። ኣብ ውሽጢ እቲ ሕቶ ድማ ‘ንሕና እዞም ገንዘብ ክንገብር በቒዕና ዘሎና ሰብ ጸጋ ኣብቲ ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ እንታይ ከነበርክት ይግባእ፡ ንሕና ካብዚ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ዘሎ፡ ገሊኡ ንሕና ሳንቲም ኣብ ዘይነበረና ግዜ ሃብትን ንግድን ዝነበሮ እሞ ብሰንኪ ኩነታት ሃገርና ዝተበታተነ ህዝቢ እንታይ ጌርና ንሕግዞ፡ ኣበርክቶና ኣብ ሕውየትን፡ ሰላምን ሓርነትን ኤርትራ እንታይ ኪኸውን ይግባእ’ ዝብል ልቦና ዘለዎ ንቕሎ ኪኸውን ይግባእ።

ገንዘብ ሓይሊ ኢዩ፡ ግን ከኣ ገንዘብ መልሲ ናይ ሉዓላውነት ኣይኮነን። ብገንዘብ ዝግዛእ ሓርነት የልቦን። ብገንዘብ ዝድገፍ መንገዲ ሓርነት ግን ብዙሕ ኢዩ።

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →