Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ብዉሑዳት ሰበስልጣንን ስድራቤቶምን ካብ ህዝብን ሃገርን ተሰሪቑ ኣብ ባንክታት ወጻኢ ተቐሚጡ ዘሎ ገንዘብ ክሳብ 1.8 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ።

By   /  September 21, 2017  /  Comments Off on ብዉሑዳት ሰበስልጣንን ስድራቤቶምን ካብ ህዝብን ሃገርን ተሰሪቑ ኣብ ባንክታት ወጻኢ ተቐሚጡ ዘሎ ገንዘብ ክሳብ 1.8 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ።

    Print       Email

ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ብሰበስልጣን ካብ ህዝቢ ዝተሰረቐ ገንዘብ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ቻይና፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቆጵሮስ፡ ዱባይ፡ ህንዲ፡ ተቐሚጡ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ  ገሊጾም።

እቲ ርእሰማል ብዶላርን ብወርቂን ተቐሚጡ ዘሎ ኮይኑ ብዓይነትን ብገንዘብን ኣብ ክልተ ዝተኸፈል ኢዩ። ኢዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንኩባንያ ነቪሱን ብዓይነት ከምዘለዎ ከቐምጥዎ ዝኣዘዞም 500 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ ጥረ ወርቂ፡ ቅድሚ 2 ዓመት ብ5 ኣባላት ሓለዋ ፕረዚደንት ተሰኒዩ ብፍልይቲ ነፋሪት ናብ ቀጠር ከምዝተላእከ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ እቲ ወርቂ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ቀጠር ድሕሪ ምጽንሑ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ናብ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ክግዕዝ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

እቲ ከም ኣምሳያ ኣገልግሎት ዓሰብን ምውፋር ሰራዊት ኤርትራ ናብ የመንን ካብ ሕቡራታ ኢማራት ዓረብ ዝተረኸበ 500 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ Emirates NBD ተቐሚጡ ዘሎ ኮይኑ፡ ብወዱ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣቶ ኣብረሃም ኢሳያስ ከምዝምሕደር እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ካብ ቢሻ ዓመታዊ ብጽሒት ኤርትራ ኮይኑ ዝኣቱ 600 ሚልዮን ዶላር ከምኡ እውን ምስ ምክራይ ወደብ ዓሰብን ኣገልግሎት ሓይሊ ባሕርን ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተረኸበ 500 ሚልዮን ዶላር ዝበዝሐ ምንጪ ናይቲ ኣብ ሕሳባት ሰበስልጣን ኣትዩ ዘሎ ገንዘብ ሙኻኑ ይሕበር። ብዘይካ እዚ ምስ ቻይና ዝግበር ዕድጊ ማሺነሪታትን  ካብቲ ዕድጊ ዝርከብ እሞ ናብ ሕሳብ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ዝኣቱ ኮሚሺንን ካልእ ምንጪ ኣታዊታት ሙኻኑ ይፍለጥ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ግንባርን፡ ማእከሎት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሓዊስካ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ንድራር እለቱ ብምልኣት ይረኽበሉ ኣብዘየሎ እዋን ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ እሞ ድማ ብኣዚዮም ውሑዳት ሰባትን ስድራቤቶምን ክክስረቕ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

ኤርትራ ብጸጋታት ዝተዓደለት ሃገር ብሙኻና ካብ ማዕድናት ወርቂን ዚንክን ነሓስን፡ ከምኡ እውን ካብ ወደባትን ባሕርን ዝርከብ ኣታዊታት ብሚልዮናት ዝቁጸር ኮይኑ ኣሎ። ኮይኑ ግን እቲ ጸጋታት ናብ ረብሓ ህዝቢ ስለዘይወዓለ ህዝቢ ኤርትራ እቲ መሰረታዊ ጠለባት ናይ ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ቀረብ ኤሌክትሪክን ጋዝን፡ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ ክረክብ ኣይከኣለን ዘሎ።

    Print       Email

You might also like...

ኣብ ዞባታት ዓንሰባ ደቡብን ማእከልን ገዛውቲ ምፍራስ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

Read More →