Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት  ንሓደ ‘ኣውፋሪ’ ብነጻ ጉልበት ኣይነገልግልን ብምባል ኣዲሞም።

By   /  September 12, 2017  /  Comments Off on ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት  ንሓደ ‘ኣውፋሪ’ ብነጻ ጉልበት ኣይነገልግልን ብምባል ኣዲሞም።

    Print       Email
ይኹን ግን እቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ሓደ ሃብታም ኣውፋሪ ብነጻ ጉልበት እንተዘይሰሪሖም ኣብ ልዕሊኦም ከቢድ ስጉምቲ ክውሰድ ሙኻኑ ተሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ኣውፋሪ ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ሃብታም ኤርትራዊ  ኮይኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ 2000 ገዛውቲ ክሰርሕ ናይ ወፍሪ ዕድል ዝሃቦ ኢዩ።
እቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንረብሓ ናይ ሓደ ሃብታም ኣብ ዝውዕል ዕዮ ክንሰርሕ ፍቓደኛታት ኣይኮናን ብምባል ካብቲ ስራሕ ኣዲሞም ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ብሓባር ኣብቲ ስራሕ ከምዘይሰርሑ ብምእዳም ናብሪ ናይ ሽቕለት ቦታ ምምጻእ ድሕሪ ምእባዮም ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብኣስገዳድ ኣጸዊዑ ከቢድ መጠንቀቕታ ከምዝሃቦም ተፈሊጡ።
ብመሰረት እቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጸ ሓበሬታ ፡ ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ኤርትራ ነቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምእካብ፡ ኣብዚ ምስራሕ ገዛውቲ ምስታፍ ዝኣበየ ዝኾነ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ተለቒሙ ናብ ቃሩራ ወይ ዓሰብ ክለኣኽ ሙኻኑ ሓቢሩ። እቲ ሓለቓ ስታፍ ብምቕጻል ኣብ ዓሰብን ቃሩራን ዝጽበዮም ዘሎ ናይ ሰማይ ጸሓይን፡ ናይ መሬት መቕጻዕትን ድሕሪ ምዝኽኻር ፡ ኣብ ኣስመራ ምምዳቦም ኣብ ክንዲ ዘመስግኑ ከምዚ ዓይነት ተቓውሞ ምርኣዮም ‘ጽጋብ’ ሙኻኑ ነቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሕና ጉልበትና ንሃገርን ህዝብን እምበር ንውልቀ ሃብታማት ንምግልጋል ኣይኮናን ማሕላ ፈጺምና፡ ቅድሚ ሕጂ ንወዲ ለገሰ፡ ንሕርሻ ዓዲ ዑመር፡ንፕሪሞ ዳህላክ ሆቴል እንዳተባህለ ዝተመዝመዘ ጉልበት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሕጋዊ ኣይኮነን ክብሉ ገሊጾም።
እቲ ኣብ ኣስመራ 2000 ገኣውቲ ንምስራሕ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሚልዮናት ዶላር ተቐቢሉ ዘሎ ሃብታም ኤርትራዊ፡ ነጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምርካብ እቲ ንሰራሕተኛታት ከውጸኦ ዝግባእ ሚልዮናት ዶላር ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ መራሒ መንግስቲ ኤርትራን ገለ ሰበስልጣን መንግስቲን ክምቀል ሙኻኑ ይግመት።
እቲ ኣውፋሪ ዜጋ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ ከበድቲ ማሺነሪ፡ ናይ ስፐይስ ኣባይቲ ምስራሕ ከምኡ እውን ናይ ዕድጊ ዕድላት ክወሃቦ ዝጸንሐ በዓል ሃብቲ ኢዩ። እቲ ኣውፋሪ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብሽርክነት ወፍርታት ዝገብር ኮይኑ፡ እቲ ሽርክነትን ብጽሒትን ብወግዒ ስለዘይግለጽ ክንደይ ሚእታዊት ሙኻኑን  በየናይ ውዕል ከምዝሰርሕን ንጹር ኣይኮነን።
    Print       Email

You might also like...

ኣብ ዞባታት ዓንሰባ ደቡብን ማእከልን ገዛውቲ ምፍራስ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

Read More →