Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ንዝተፈላለዩ ሰባት ካብ ፍርቂ ሚልዮን ክሳብ ሓደ ሚልዮን ድላር ብምሃብ ብስሞም ንግዲ ከካይዱሉ የዋፍር ኣሎ።

By   /  September 18, 2017  /  Comments Off on ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ንዝተፈላለዩ ሰባት ካብ ፍርቂ ሚልዮን ክሳብ ሓደ ሚልዮን ድላር ብምሃብ ብስሞም ንግዲ ከካይዱሉ የዋፍር ኣሎ።

    Print       Email

ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ዓለማት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንዝነብሩ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኮይኖም ኣብ ክንድኡ ክነግዱን ካብ ኣታዊታቱ ኮሚሽን ክህቦምን ውዕላት ይገብር ኣሎ።

እቶም ዜጋታት ብጥንቃቐ ብቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝተመረጹ ኮይኖም፡ መብዛሐተኦም ናይ ቀረባ ኣዝማድ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ወይ መቕርብ ናይ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ወይዘሮ ሳባ ሙኻኖም ተሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ ብርክት ዝበሉ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ኣብ ደቡብ ሱዳን ክሳብ ርብዒ ሚልዮን ዶላር ተዋሂቦም ንግዲ ጀሚሮም ምንባሮም ዝሓበሩ እቶም ምንጭታትት ብትሕተ ሃገራዊ መለክዒታት ዝተመረጹ ዝኾነ ናይ ንግዲ ተመኩሮ ዘይነበሮም ብምንባሮም ግን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ክሳራ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ። ይኹን ግን እቲ ዝጠፍእ ዘሎ ገንዘብ ካብ ጸጋታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተመዝሓቐ እምበር ናይቶም ሰባት ርእሰማል ስለዘይኮነ እቶም ሰባት ዝኸሰርዎ ነገር ኣይነበረን።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን ዳርጋ  ኣብ  ኩለን ዓለማውያን ባንክታት ገንዘብ ከየቐምጥ ወይ ውን ናይ ገንዘብ ትውጊታት ከይገብር ጥቡቕ ምቁጽጻር ይግበረሉ ስለዘሎ ብዝምድናን ረብሓን ዝተመረጹ ውልቀሰባት ጌሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንግዳዊ ንጥፈታት የካይድ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ምስቲ ኣብ የመን ጀሚርዎ ዘሎ ንጡፍ ዝምድናታት ተኣሳሲሩ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጫት ኪገብሮ ዝጸንሐ ወፍሪ ኣዛይዱዎ ምህላዉ ተፈሊጡ። እቲ ናይ ጫት ሕርሻ ኣብ ሰመናዊ ባሕሪ ዝተዶኾነ ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ብሓይሊ ባሕሪ ዝእለዩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብነጻ ጉልበት ኣብዚ ንረብሓ ውሑዳት ሰባት ዝውዕል ዘይሕጋዊ ሕርሻ ተዋፊሮም ምህላዎም ተሓቢሩ።

    Print       Email

You might also like...

ኣብ ዞባታት ዓንሰባ ደቡብን ማእከልን ገዛውቲ ምፍራስ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

Read More →