Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰራዊትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ዘይዕግበት ስግኣት ስግኣት ኣንጠጥዩ ኣሎ ዝብል ገምጋም ስለዝገበረ ሰፊሕ ማእሰርቲ ይገብር ኣሎ።

By   /  September 3, 2017  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰራዊትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ዘይዕግበት ስግኣት ስግኣት ኣንጠጥዩ ኣሎ ዝብል ገምጋም ስለዝገበረ ሰፊሕ ማእሰርቲ ይገብር ኣሎ።

    Print       Email

ካብ ወጋሕታ ዕለት 01 መስከረም 2017 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ገለ ክፋል ሕብረተሰብ  ሰፊሕ ጸጥታዊ ስጉምቲ ይውሰድ ምህላዉ ተፈሊጡ። ኣብ ኩለን ኣሃዱታት ኤርትራ እውን ውሽጣዊ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ጠንቂ ናይዚ ህጹጽ እዋንን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ግፋን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ሰራዊት ዘይዕግበት ስግኣት ኣንጠጥዩ ኣሎ ዝብል ገምጋም  ስለዘለዎ ሙኻኑ በቲ ሓደ ወገን፡ ኣብ ሰራዊት ልዑል ምፍጣጥ ስለዘሎ ድማ በቲ ካልእ ወገን ሙኻኑ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ይሕብሩ።

እቲ መምርሒ ካብ ቤጽሕፈት ፕረዚደንት ናብ ሃገራዊ ድሕነትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ዝተላእከ ኮይኑ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ወላ ዝተጣየሱ ኣገልግሎትን ተጋደልትን ከይተረፉ ብኣልማማ ይግፈፉ ምህላዎም ተሓቢሩ።

እቲ መምርሒ ናብ ኩሎም ኣመሓደርቲ ዞባታት ሰጊሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዝኾነ ይኹን ‘ሓላፊ ኢየ ዝብል ሰብ’ ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ከየእቱ ዝብል ትእዛዝ እውን ስዒቡ ምህላዉ ተፈሊጡ። እቲ ተግባራት ብዝያዳ ብለይቲ ይካየድ ምህላዉ እውን ተፈሊጡ።

ምክትታል ፍሉይ ጉዳያት ኣገልግሎት ተለኮሚኒከሽን ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይ ሳተላይት ርክባት ከምዝተጠለፉ ንሃገራዊ ድሕነት ድሕሪ ምሕባሮም፡ ኣባላት ጸጥታ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ቦታ ኣሃዱታት ብምልኣኽ  ተፍቲሽ ምክያዶም ይሕበር።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተፈላለዩ ኣካላት ሃገራዊ ድሕነት ‘ኩነታት ሃገር ኣዚዩ ኣሰካፊ ኮይኑ ኣሎ፤ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከቢድ ዘይዕግበት ይንጸባረቕ ብምህላዉ ዘይንቡር ምንቅስቓስ’ ንዕዘብ ኣሎና ዝብል ጸብጻባት ከሕልፉ ከምዝቐነዩ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ ኣብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣቐድም ኣቢሉ ዘይንጹር ምልውዋጥ ከምእተገበረ ተሓቢሩ።

ኩለን ኣሃዱታት ተንቀሳቒሶም ዘለዉ ኣባላተን ኪቆጻጸራን ህጹጽ እዋን ክእውጃን ተሓቢረን።

በዚ ዝተኻየደ ከቢድ ስጉምታት ኣብ መአከቢ ባረንቱ፤ ፕሪማ ካንትሪ፤ ተሰነይ ብሎኮ፡ ኣብ ዓንሰባ ሓጋዝን ዒላበርዕድን፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ዓዲ ኣበይቶን፡ ማይ ስርዋን  ፊንላንድ ሚስዮንን፡ኣብ ዞባ ደቡብ ዕዲኻላን ማይ ሰራውን፡ ገርገራን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ጋሕተላይን ገደምን ይእከቡ ምህላዉ ተረጋጊጹ።

 

    Print       Email

You might also like...

ኣብ ዞባታት ዓንሰባ ደቡብን ማእከልን ገዛውቲ ምፍራስ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

Read More →