Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

 ሌ/ኮነረል ጸገዛኣብ ባርያጋብር ኣምለሶም “ኩሑል” ከምኡ ውን ተለንተ ሰመረ ጉዑሽ ኣፈወርቂ  ዝተባህሉ ኣባላት ስለያ ብዕለት 03/09/2017 ሰዓት 9.45 ናይ ምሸትኣብ ከባቢ ኣዲባራ ሞይቶም ከም ተረኸቡ ተፈሊጡ። 

By   /  September 13, 2017  /  Comments Off on  ሌ/ኮነረል ጸገዛኣብ ባርያጋብር ኣምለሶም “ኩሑል” ከምኡ ውን ተለንተ ሰመረ ጉዑሽ ኣፈወርቂ  ዝተባህሉ ኣባላት ስለያ ብዕለት 03/09/2017 ሰዓት 9.45 ናይ ምሸትኣብ ከባቢ ኣዲባራ ሞይቶም ከም ተረኸቡ ተፈሊጡ። 

    Print       Email
እዞም ኣብ ስለያ ምክልካል ዝሰርሑ ዝነበሩን ኣብ ከረን ቤት ጽሕፈት ዝነበሮም  ዛጊት ብወግዒ ቀታሊኦም እኳ እንተዘይተገለጸ: ገለ ምንጭታት እቶም ክልተ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብስለያ እዚ ምዕራብ ተቐንጺሎም ዝብል ሓበሬታ ከምዝበጽሖም ይሕብሩ።
እቶም ክልተ ግዳያት ብናይ ብሬን ጠያይቲ ኣካላቶም ተበሳሲዑ ከም ዝጸንሐ ዝሓበሩ እቶም ምጭታት፡ ቅድሚ ሰሙን ምስኦም ዝነበረ ዶክዩመንት ሒዞም ካብ ቤትጽሕፈቶም ተሰዊሮም ስለዘለዉ ተኸታተሉ ዝብል ሴርኩላር ካብ ምክልኻል ናብ ኩለን ኣሃዱታት ስለያ ተመሓላሊፉ ምንባሩ ገሊጾም።
ሌ/ኮነረል ጸገዛኣብ  ኣብ ዓሰብን ናቅፋን ንነዊሕ ዓመት ከም ዝሰርሐ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት  ብሰንኪ ሕማም ን 3 ዓመታት ዝኣክል ካብ ስራሕ ተኣሊዩ ምጽንሑን ይሕበር።  ኣብ ጥሪ 2017  ብትእዛዝ ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ናብ ስራሕ ከምዝተመለሰ ካብ መሳርሕቱ ዝተረኸበ ሓበሬታ ጠቒሶም ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡  እዚ ኣብ ልዕሊ  ሌ/ኮነረል ጸገዛኣብ ባርያጋብር ኣምለሶም “ኩሑል” ከምኡ ውን ተለንተ ሰመረ ጉዑሽ ኣፈወርቂ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብናይ መን ትእዛዝ ዝተፈጸመ ሙኻኑ ንምርግጋጽ ከምዘይከኣሉ ገሊጾም።
ምስዚ ፍጻመ ብዝተኣሳሰረ ዜና ብዕለት 7 መስከረም 2017 ስድራቢት ሌ/ኮነረል ጸገዛኣብ ባርያጋብር ኣምለሶም “ኩሑል” ከምኡ ውን ተለንተ ሰመረ ጉዑሽ ኣፈወርቂ ካብ ማይድማን ዓዲ ያቆብን ተኣሲሮም ኣብ ተሰነይ ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ተሓይሮም ምህላዎም ተሓቢሩ።
እቶም ስድራቤታትን ካልኦት ነቶም ሰባት ይቐርቡ ዝበሃሉ ብርክት ዝበሉ ቀረብቶምን እቲ ዝጠፍአ ናይ ስለያ ሰነዳት ኣበይ ኣሎ ኣምጽእዎ፡ ዕላማ ሌ/ኮነረል ጸገዛኣብ ባርያጋብር ኣምለሶም “ኩሑል” ከምኡ ውን ተለንተ ሰመረ ጉዑሽ ኣፈወርቂን እንታይ ኢዩ ነይሩ ኣጋልጹ ብምባል ኣብ ትሕቲ መርመራ ይቕጥቐጡ ምህላዎም ኣፍሊጦም።
    Print       Email

You might also like...

ኣብ ዞባታት ዓንሰባ ደቡብን ማእከልን ገዛውቲ ምፍራስ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

Read More →