Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

6 መማህራን ዝርከብዎም ኣባላት መደበር ታዕሊም ሳዋ ብ23 ሓምለ ተኣሲሮም። 

By   /  August 10, 2017  /  Comments Off on 6 መማህራን ዝርከብዎም ኣባላት መደበር ታዕሊም ሳዋ ብ23 ሓምለ ተኣሲሮም። 

    Print       Email

እቶም እባላት መደበር ታዕሊም ሳዋ ዝተእስሩሉ ምኽንያት ንኣባላት 31 ዙርያ ቴሌፎን ጌርኩም ምስ ስድራቤቶም ኣራኺብኩሞም ዝብል ኢዩ። እቶም 6 መማህራንን ብርክት ዝበሉ ዓለምቲን መበል 31 ዙርያ እትው ከይበሉ ኣበላሺኩሞም ናይ መደበር ሳዋ ሕግታት ጥሒስኩም ተባሂሎም ተኸሲሶም ኣለዉ። እቶም ኣባላት መደበር ታዕሊም ሳዋ እቲ ዝተኸሰሱሉ ምክንያት ኣብዝተነገሩሉ እዋን ጉዳዮም ኣዚዩ ከቢድ ሙኻኑን ናብ ከረን ኣብ ዝርከብ ተሃድሶ ክለኣኹ ሙኻኖምን ተሓቢሮም።

ኣባላት 31 ዙርያ ዝኾነ ናይ ቴሌፎን ርክባት ዝገበረ ከቢድ መቕጻዕቲ ክውሰዶም ሙኻኑ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ታዕሊም ተሓቢሮም። ብዘይካ እዚ ዝኾነ ናብ ስግረዶብ ዝፈተነ ታዓላማይ መበል 31 ዙርያ ናይ ሞት ስጉምቲ ክውሰዶ ሙኻኑ ዘፈራርህ ከቢድ መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦም እውን ተገሊጹ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ናይ ታዕሊም ክምፕላስዮኒ ተሳኢኑ ብምህላዉ ብዙሓት ካብ ኣባላት መበል 31ዙርያ ናይ ኮምፕሊያሶነ ዕርቃን ኣጋጢምዎም ምህላዉ ተገሊጹ። ብተመሳሳሊ ብርክት ዝበሉ ኣብላታ 31 ዙርያ ናይ ሽዳ ሕፍረት ስለዘጋጠሞም ይሻገሩ ምህላዎም እውን ተገሊጹ።

መደበር ታዕሊም ሳዋ ነቶም ኣባላት 31 ዙርያ ናይ ክዳውንቲ ዕርቃን ንምፉኻስ ተዓላሞ ናይ ቀደም ዙርያታት ክዳውንቲ ኪኽደኑ ይገብሩ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ካብ ዕለት 24ን 25ን ሰነ 2017 ጀሚሩ ምክትታል ዶባት ኣብ ዶባት ዝሞቱ ሰባት ናይ ዝበሎም መንእሰያት መርድእ ንስድራቤታት የርድእ ምህላዉ ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ተሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር ። እዚ መርድእ እንተላይ እቶም ኣብ ወርሓት ግንቦትን ሰነን ሞይቶም ዝተባህሉ ግዳያት ዘጠቓለለ ምንባሩን ኣብ ዕለት 24ን 25ን ጥራይ ምክትታል ዶባት ዝርዝር ኣሳእል ብምስናይ ናይ 27 ዜጋታት መርድእ ንስድራቤቶም ከምዝገለጸ ይፍለጥ።

7 ስድራቤታት ደቅና ኣማውተኦም ንገሩና፤ ኣበይን ብኸመይን ሞይቶም ኢሎም ኣብ ዝሓተቱሉ እዋን፤ ንባዕሎም ኣብ ኣደርሰር ከምዝተኣስሩ ዝዝከረሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ዛጊት እቶም ስድራቤታት መርድእን ስእልን እምበር ሬሳታት ናይ ደቆም ክወስዱ ከምዘይተፍቀደሎም ኣረጋጊጾም። ይኹን ግን ገለ ስድራቤታት ክሳብ 10 ሽሕ ናቕፋ ብምኽፋል ሬሳታት ደቆም ክወስዱ ከምዝኸኣሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብሕልፊ ካብ መበል 30 ዙርያ፤ ካብ ሳዋ ሃዲሞም ንስግረ ዶብ ክኣትዉ ዝፈተኑ ብርክት ዝበለ ሬሳታት ብዕለት 25 ሰነ  ኣብ ከባቢ ኣደርሰት ከም ዝተቐበሩን 12 ዝኾኑ ብሂወቶም ዝደሓኑ ድማ ኣብ 6ይ ብርጌድ ናይ ማዓስከር ሳዋ ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ተረጋጊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ስድራቤታት ክስከሓ መታን ሞት ናይቶ ስግረዶብ እንዳኸዱ ዝሞቱ ሰባት ክንገርን ስእልታት ሬሳታት ብቪድዮ ክለዓልን መምርሒ ድሕሪ ምሕላፉ፤ ካብ ሚያዝያ 2017 ጀሚሩ መርድእ ንስድራቤታት ክነግር ዝጀመረሉ ምኽንያት መንእሰያት ብፍላይ ድማ ኣባላት 31 ዙርያ ንኽስኽሑ ተባሂሉ ሙኻኑ ተፈሊጡ።

እቲ መርድእ ክብረት ናይ ሰብ ዘይሕሉ፤ ካብ ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ዝረሓቐ ኮይኑ፤ ደቅኹም ዝብኢ በሊዕዎም ይኸውን፤ኣሰጋገርቲ ቀቲሎሞም፤ ብማይ ጽምኢ ነቒጾም ሞይቶም፤ ዝብል ዘረባታት እንዳኣሰነየ ንስድራቤት ይንገር ምህላዉ ተፈሊጥ። ገለ ሓለፍቲ ምክክትታል ዶባት ብወገኖም ደቅኹም ንኣሰጋገርቲ ባዕልኹም ኣረኪብኩም ንዓና ኣይትሃዉኹና ብምባል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓዘን ዘለዉ ስድራቤታት ብደዐኦም የዝንቡ ምህላዎም ተፈሊጡ።

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →