Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ክልተ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብመጥቓዕቲ ሑቲ ህይወቶም ስኢኖም።

By   /  August 1, 2017  /  Comments Off on ክልተ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብመጥቓዕቲ ሑቲ ህይወቶም ስኢኖም።

    Print       Email

ተቓወምቲ ሓይልታት የመን ዝኾኑ ሑቲ፤ ኣብ ልዕሊ መርከብ ኩናት ሕቡራት ኢማራት መጥቓዕቲ ኣብ ዝፈጸሙሉ እዋን ክልተ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ምንጭታት መድረኽ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሓቢሮም። እቶም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ከም ኣካል ናይቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ኢማራት ዝገበሮ ውዕል ኣብ ሓለዋ ናይታ መርከብ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኢዮም።

ብዘይካ እዞም ክልተ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ፤ ካልኦት 5 ኣባላት እውን በቲ መጥቓዕቲ ከምዝቖሰሉን ብሄሊኮፕተር ኢማራት ናብ ሆስፒታል ዓሰብ ከምእተወስዱን እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

እቶም 2 ህይወቶም ዝሰኣኑ ይኹን፤ እቶም ዝቖሰሉ 5 ኣባላት ቀዳማይቲ ቦጦሎኒ ፍሉይ ሓይልታት ሓይሊ ባሕሪ ምንባሮም ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ኣብታ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መርከብ፤ ብድምር  21 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ንሓለዋ ተዋፊሮም ከምዝነበሩ ገሊጾም።

እቶም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ብመልክዕ ደሞዝ ብኢማራት 1400 ዶላር ዝኽፈሉ ኮይኖም፤ እቲ ገንዘብ ተቐቢሎም ንወኪል ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ከምዘረክብዎ ይፍለጥ። መንግስቲ ሕቡራት እቲ ገንዘብ እቶም ሰባት ዝወስድዎ ከምዝመስሎ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ እቶም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ክፍሊቶም ብቁጠባዊ ጉዳያት ከምዝውሰድ  ንመኮንናት ሕቡራት ኢማራት እንተሓቢሮም ፤ ከቢድ  መቕጻዕቲ ክወርዶም ሙኻኑ ብምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ መጠንቀቕታ ከምዝተወሃቡ እቶም  ምንጭታት ገሊጾም።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ብዕለት 23 ሓምለ ክልተ ጃላቡ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ምስ ሰራዊት ሑቲ ወተሃደራዊ ግጥም ከምዘካየዳ ተሓቢሩ። ኣብዚ ምስ ሑቲ ዝተገበረ ወተሃደራዊ ግጭት 3 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ። ብመሰረት እቲ ካብ ምንጭታትና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፤ ድሕሪ እቲ ግጭት እተን ናይ ኤርትራ ነኣሽቱ ጀላቡ ብሰንኪ እቲ ዝወረደን መጥቓዕቲ ኣብ ናይ ምጥሓል ደረጃ ከምዝበጽሓን ይኹን ግን ብደገፍ መራኽብ ኩናት ኢማራት ከምዝደሓናን ተፈሊጡ።

እቲ ብዕለት 23 ሓምለ ዝተኸሰተ ግጭት፤ ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ንመራኽብ ኩናት ኢማራት ንምሕላው ሩቲን ስለያዊ ዳህሳስ የካይዳሉ ኣብ ዝነበራ እዋን ዘጋጠመ ኢዩ። ተቓወምቲ ሑቲ፤ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢማራትን ስዑዲያን  ወጊኑ ወራሪ ሰራዊት ኣብ ሃገሩ ምልኣኹን፤ ወደባት ኤርትራ መዋፈሪ ናይተን ሰላማዊ ህዝቢ ዝቐትላ ነፈርቲ ውግእ ምግባሩን ኣዚዩ ኣቖጢዕዎም ምህላዉ ይፍለጥ።

ንዕምሪ ናይ ሓደ ውልቀ መላኺን ንሃብቲ ናይ ሓንቲ ስድራን ተባሂሉ ህይወት ንጹሃት መንእሰያት ኤርትራ ገንሸል ኪኸውን ምርኣይ ኣዚዩ ዘሕዝን ሙኻኑ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ህዝቢ ኤርትራን ደቁ ኣብ ዘይጉዳዮም ምእንቲ ዶላር ስድራቤት ፕረዚደንት ገንሸል ኪኾኑ ከፍቅድ ከምዘይግባእ ኣዘኻኺሮም።

ህዝቢ ኤርትራ ስንብራቱ ዘይሃሰሰ ናቱ ዝኣኽሎ ኩናትን መስዋእትን ዘሕለፈ ብሙኻኑ፤ ሕጂ ሓንቲ ትንፋስ እውን ትኹን እሞ ድማ ንዘይምኽኑይ ጉዳይ ክትሓልፍ ከፍቅድ ኣይግባእን ዝብል እምነት ናይ ብዙሓት ሰብኣዊነትን ሃገራውነትን ዘለዎም ሰባት ስምዒት ሙኻኑ ገሊጾም።

ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ከምዝተገለጸ ዛጊድ ካብቲ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዝተረኸበ ገንዘብ ስድራ ቤት ፕረዚደንት ኢሳያስ ክሳብ 320 ሚልዮን ዝኸውን ገንዘብ ኣብ ቆጵሮስ ላርናካ ኣቐሚጦም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

    Print       Email

You might also like...

    ምእንቲ ስልጡንን ሉዓላዊን ተቓውሞ

Read More →