Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ቤት ማእሰርቲ  ሰምበል ዝነበሩ 3 መኮንናት ደርግ ነበር ከምዝዓረፉ ተሓቢሩ። 

By   /  August 4, 2017  /  Comments Off on ኣብ ቤት ማእሰርቲ  ሰምበል ዝነበሩ 3 መኮንናት ደርግ ነበር ከምዝዓረፉ ተሓቢሩ። 

    Print       Email
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ካብ ዝርከቡ ምስ ስርዓት ደርግ ዝሰርሑ ዝነበሩ መኮንናት 3 ሰባት ከምዝዓረፉ ተሐቢሩ። እቶም እሱራት ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 10 ዝነበሩ ኢዮም።
እዞም ዝዓረፉ ሰለስተ ሰባት ጠንቂ ሞቶም ንውሓት ማእሰርትን ንሱ ዘስዓቦ ዋሕዲ ጥዕናን ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ገሊጾም። እቶም እሱራት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ናይ 2017 ከምዝዓረፉ፤ ገለ ካብኦም ድማ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሓምለ ከምዝሞቱ  እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ህይወቶም ዝሰኣኑ እሱራት ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ከምዝሞቱ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቶም እሱራት ምስዓረፉ ክሳብ እዚ ዜና ዝዳለወሉ ዘሎ ዕለት፤ ድሕሪ ዕረፍቶም ስድራቤቶም ንኣመዋውተኦም ይኹን ዝተቐብሩሉ ሰፈር ሓበሬታ ከምዘይተዋህቦም ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ስድራቤት ናይቶም ንልዕሊ 26 ዓመታት ዝተኣሰሩ ግዳያት ሬሳ እውን ክርእዩ ፍቓድ ከምዝተኸልኡ ተሓቢሩ።
ብመሰረት ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ክሳብ 60 ዝኾኑ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ዘገልገሉ ጀነራላትን መኮንናትን ሲቪል ሰራሕተኛታትን መንግስቲ ኣብ ሰምበል ተኣሲሮም ምህላዎም ይፍለጥ። እዞም ንልዕሊ 26 ዓመት ብዘይሕጋዊ መስርሕን መሰል ምክልኻል ነብስን፤መሰል ምህላዉ ጠበቓታትን ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት፤ ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ዕብየትን ጉድለት ጥእናን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።
እቶም እሱራት ነቲ ዝበደልናዮ ህዝቢ ይቕረ ሓቲትና ናብ ሕብረተሰብ ክንምለስ፤ ወይ ውን ናብ ሕጊ ኣቕርቡና እሞ ሓቅነትና ከዋጸኣና ኢሎም ኣብ ዝሓቱሉ እዋን ብሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ‘ብሰናይ ፍቓድናን ድልየትናን ኢኹም ትነብሩ ዘለኹም፤ ኣብ ሕጊ እንተትቐርቡ ፍርድኹም ሞት ምኾነ ፤ካብዚ ትነብርዎ ዘለኹም ንላዕሊ ፍታሕ የልቦን ‘ ዝብል መልሲ ከምዝሃብዎም እቶም ምንጭታት ገሊጾም።
ብኻልእ ወገን ብዙሓት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት፤ ንስድራቤት ናይቶም እሱራት እንዳረኸቡ ካብ ማእሰርቲ ከነውጸኣልኩም ገንዘብ ኣምጽኡ፤ ብምባል ቤት ማእሰርቲ ዜጋታት ናብ ንግዳዊ መስርሕ ቀይሮሞ ምህላዎም እቶም ምንጭታት ገሊጾም።
ኣብ 1991 ክሳብ 500 ዝበጽሑ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ዘገልገሉ ጀነራላትን መኮንናትን ሲቪል ሰራሕተኛታትን ኣብ ዓዲኻላ ከምዝተኣስሩ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት፤ ኣብ 1995 ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲዃላ ናብ ደሴት ናኹራ ከምዝሰገሩ ጸኒሑ ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 60 ከምዝወረደ ሓቢሮም። ብዛዕባ ሃለዋት ናይቶም 440 ዝተፈለጠ ነገር ከምዘየልቦ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ብዙሓት ምንጭታት ኣብ 1995 ተረሺኖም ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎም ገሊጾም።
ኩለን መንግስታት ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ዜጋታት ይኣስራ ሙኻነን ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፤ ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ እትኣስር ጥራይ ዘይኮነስ፤ ምሕረት ይኹን ኣሞኩሮ ዘይትህብ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ሙኻና ይፍለጥ። 26 ኣመታት ዝገበሩ እሱራት ኣብትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት መግለጺ ክርከቦ ዘይክእል ጭካነ ሙኻኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፤ ንሕልፈት ዝተኣስረ ሰብ ብመሰረት ዓለማዊ ሕግታት ኣብ  26 ዓመት ሕድገት ኪግበረሉ፤ ኣብ እዋን መዓልቲ ናጽነት ወይ ካልእ ኣጋጣሚታት ምሕረት ምሃብ ኣድማሳዊ ሕጊ ሙኻኑ ይገልጹ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕነ ዝነብር ህልኸና ኣመልን፤ ብስቓይ ሰባት ዝድሰት ሳዲስት ባህርያትን  ፕረዚደንት ኢሳያስ ፤ ብዙሓት ዜጋታትን ስድራቤቶምን  ግዳይ  ስቅያት ነዊሕ ማእሰርቲን ብሰንኩ ዝስዕብ ስነኣእሙሮኣዊን ኣካላዊን ሕሰም ኮይኖም ምህላዎም ዝፍለጥ ኢዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ እዚ ሜላ እዚ ነቶም ዝኣስሮም ጥራይ ዘይኮነ፤ ንቤተሰብ ናይቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ግዳያት እውን  ንምስቓይ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ኣፍሊጦም።
    Print       Email

You might also like...

ኣብ ዞባታት ዓንሰባ ደቡብን ማእከልን ገዛውቲ ምፍራስ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

Read More →