Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዝግበር ስለያዊ ምክትታል ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  August 23, 2017  /  Comments Off on ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዝግበር ስለያዊ ምክትታል ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email
ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዝግበር ስለያዊ ምክትታል ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝግበር ኩሉመዳያዊ ስለያ ምክትታል ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ በጺሑ ምህላዉ ተሓቢሩ። እቲ ኣዚዩ ጥቡቕ ኮይኑ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ዝካየድ  ምክትታል ብሓደ ኮለነል ዝምራሕን ብርክት ዝበሉ ኮረኔላትን ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ዝሓቖፈ ኮይኑ ንኩሉ ምንቅስቓሳት ርክባትን  ዝርርባትን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ምክትታል ምግባርን ምስናድን ከምዘጠቓልል ተሓቢሩ።
ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ኣብ ምምራቕ መበል 30 ዙርያ ሳዋ ንከይሳተፍ መታን ናይ መኪና መንቀሳቐሲ ነዳዲ ከይወሃቦ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንመንግስታዊ ጋራጃት መምርሒ ከምዝሃበ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ፤ብኣንጻሩ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢን ተጋዳላይን ብጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝምራሕ ለውጢ ዘይተርፍ ኢዩ ዝብል ገምጋም ጌሩ ምህላዉ ተፈሊጡ።
ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ኣብ ህዝብን ተጋደልትን ዘለዎ ተቐባልነት እንዳለዓለ ይኸይድ ምህላዉ ዝገለጹ ምጭታት ሬድዮ መድረኽ ንሉዓላውነት ውሕስነት ዝህብ፤ ንኤርትራ ካብ ካብ ምብትታን ዘድሕን ለውጢ ንምምጻእ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም መራሕቲ ሓደ ኮይኑ ይረአ ምህላዉ ተገሊጹ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኩሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ሃገር ክትምለሰሉ ናብ ዘይትኽእል ዕንወት ኣምሪሓ ምህላዋ ብምእማን ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣካይዳ ንምብትታን ሃገር ዘይተርፍ ይገብሮ ምህላዉ ስለዚ ድማ ለውጢ ኪመጽእ ከምዝግባእ ብጋህዲ ይዛረቡ ምህላዎም ተረጋጊጹ።
***
ኣብ ዝሓለፉ ዜናታትና ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ካሳ ካብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ናብ ምዕራባዊ እዚ ተቐይሩ ዝብል ዜና ጽሒፍና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፤ እቲ ሓበሬታ ጌጋ ሙኻኑ ምስናይ ይቕሬታ ንሕብር። እቲ ኣብቲ ዜና ዝተጠቐሰ ካልእ ክፋል ናይቲ ሓበሬታ ከምዘለዎ ቅኑዕ ኮይኑ፤ ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ካሳ ሓላፊ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ምህላዉ እንዳሓበርና ነቲ ዘይተረጋገጸ ዜና ምቕራብና ብስም ኤሪ መድረኽ ንኣንበብቲ ይቕረታ ንሓትት።
    Print       Email

You might also like...

ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥቓ ቤተ ክርስትያን እንዳስላሰ ዝጸንሐ ዕዳጋ ኣሕምልቲን ሽጉርቲ ኮሚደረን ብኣባላት ጸጥታን ወተሃደራት ከተማን ከምዝድምሰስ ጌሩ

Read More →