Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ነፈርቲ ኩናት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ይድብድባ ምህላወን ተፈሊጡ።

By   /  August 25, 2017  /  Comments Off on ነፈርቲ ኩናት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ይድብድባ ምህላወን ተፈሊጡ።

    Print       Email

ፓይሎታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሓደ ሓደ እዋን ብናይ ኤርትራ ነፈርቲ፡ ዝበዝሐ እዋን ድማ ከም ኣካል ታዕሊም ምስ ፓይሎታት ሕቡራት ኢማራት እንዳወፈሩ ኣብ የመን ደብዳብ የካይዱ ምህላዎም ተፈልሊጡ።

ከም ጎድናዊ ክሳራታት (collateral damages) ናይቲ ኣብ የመን ዘሎ ውግእ፤ ብሰንኪ’ቲ  ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ብዙሓት ህጻናትን ደቀንስትዮን ዝርከቦም ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ይሞቱ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ደብዳብ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከቢድ ተቓውሞን ቅሬታን ከስዕብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዳርጋ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ብወዱ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ኣቶ ኣብረሃም ኢሳያስ ይካየድ ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ሽሕ’ኳ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይሊ ኣየር ኮዮኖም እተመዘዙ ብቁዓትን ገዳይምን ኣዘዝቲ እንተሃለዉ ብግብሪ ሓይሊ ኣየር ብኣቶ ኣብረሃም ይእዘዝ ምህላዉን፡ እቶም ሓለፍቲ ትርጉም ናብ ዘይብሎም ሰባት ተቐይሮም ቅሬተኦም ይገልጹ ምህላዎምን  ሓቢሮም።

ኣብ ዓሰብ ንሕቡራት ኢማራት ወተሃደራዊ መደበር ንምሃብ ኣብ ዝተገበረ ውዕል ንሓይሊ ኣየር ወኪሉ ኣቶ ኣብረሃም ከምዝፈረመ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ እቲ ሓፈሻዊ ውዕል ብዓይነትን ገንዘብን ክሳብ 500 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ኣታዊ ከምዝተረኸቦ፡ ዝበዝሐ ካብዚ ኣታዊ ናብ ካዝናታት ስድራቤት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ከምዝተላእከን ይፍለጥ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ብምትእትታው ኤርትራ ኣብ የመን ዝተቖጥዑ ምንቅስቓስ ሑቲ ክሳብ 100 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ምህላዎም ተፈሊጡ። እቶም ዜጋታት መብዛሕተኦም ገፈፍቲ ዓሳ ኮይኖም፤ ምንቅስቓስ ሑቲ ነቶም ዜጋታት ‘ብኢማራት ዝተላእኩ ሰለይቲ ኢዮም’ ብምባል ኢዩ ኣሲርዎም።

ገለ ዜጋታት ብዛዕና ምንቅስቓስ ሑቲይን እንተሓቢሮም ገንዘብ ኪኽፈሎም ሙኻኑ ከምዝተነግሮም ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ እዞም ብሑትዪን ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ግን መብዛሕተኦም ዝኾነ በደል ዘይብሎም ግዳይ ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ተላዒሉ ዘሎ ግጭት ኮይኖም ምህላዎም ገሊጾም።

ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣብ የመን ተገይሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ዝኾነ ረብሓ ዘይረክብ ሙኻኑ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ብኣንጻሩ ንባዕሉ ኣብ ታሪኹ ብከም ናይ ህልቂት ቅብጸት ብዝኣመሰሉ ደብዳባት ዝተሳቐየ ክንሱ፤ ሎሚ ንሃገሩ ዝውክላ ነፈርቲ ኩናት ኣብ ደብዳብ ህልቂት ንጹህ ህዝቢ የመን ክሳተፋ ምርኣይ የሕዝኖ ከምዘሎ ገሊጾም

    Print       Email

You might also like...

ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥቓ ቤተ ክርስትያን እንዳስላሰ ዝጸንሐ ዕዳጋ ኣሕምልቲን ሽጉርቲ ኮሚደረን ብኣባላት ጸጥታን ወተሃደራት ከተማን ከምዝድምሰስ ጌሩ

Read More →