Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

‘ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር’

By   /  August 14, 2017  /  Comments Off on ‘ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር’

    Print       Email

ኣብዚ ሰሙን እዚ ዜና ዕረፍቲ ገዲም ስነጥበባዊ ኣልኣሚን ዓብዱለጢፍ ተነጊሩስ ድሮ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ መንፈሱ ናብቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊኡ ዓሪጉ ኣሎ። ስነጥበባዊ ኣልኣሚን ዓብዱለጢፍ ኣብ ዘመነ ሙዚቃዊ ህይወቱ ብዙሓት ደርፍታት ደሪፉ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ንሱ ሓመድ ኣዳም እንተለበሰ ሓንቲ ካብተን ኣብ ትሕቲ መሬት ዘይትቕበር፤ መንፈስ ሰባት እትጉርጉር ደርፉ ‘ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር’ እትብል ኢያ። እዛ ደርፊ ንብዙሓት ኤርትራውያን እትምልከት ንግሆ ንግሆ ኣብ ኣእዛን ሰባት ናይ ሕልና ጻውዒት እትድውል ደርፊ ኢያ። ገለ ካብቶም ብዙሓት ኤርትራውያን እዞም ቀጺልና እንዝትየሎም ሰባት ኮይኖም መብዛሕተኦም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኢዮም።

እቶም ሰባት ብወገን ቀጽሪ ተቓውሞ እቶም ‘ደገፍቲ’ ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ፥ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ህግደፍ ንምባል ኢዩ። እቶም ‘ደገፍቲ’ ግን ናቶም ዓለም ኣለዎም፤ ዝመሳሰሉሉ፤ ዝቆጻጸዩሉ፤ ዝሕብኡሉ፤ ዝዋስኡሉ፤ ሓደን ሰለስተን ዝኾኑሉ ተምሳሌታት።

እዞም ሰባት ፌስቲቫል መንግስቲ ኤርትራ ኪኸውን ከሎ ፋረን ዲኖን ይለብሱ፤ ሻሽ ዝመስል ኩታን ዙርያን ይኽደና፤ ንዓርቢ ዝኽፈት ፌስቲቫል ሓድሽ ቁኖ ኪኾነለን፤ ሓሙስ ምሸት ናተንን ዝተዓደገን ጾግሪ ኣዋሲበን ግልብጭን ኣልባሶን ኪስረሓ የምስያ። ደሓር ‘ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን’ ፌስቲቫል ኪኸፍቱ ከለዉ፤ መን ዝያዳ ደበለ፤ መን ግርም ተቖጸየት፤ መን ጥቓ ‘ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ግንባርን’ ንድርብ ኣብረኸት ይወዳደሩን ይወዳደራን።ምኽንያቱ ናይ ሎሚ ሃገራውነት ብሳዕስዒትን ምስሉይነትን ኢዩ ዝዕቐን ዘሎ። ኤምባሲታት ኣቶ እገለ፤ ወይዘሮ እገሊት ኣብ ፌስቲዐኣላት ብንጥፈት ዝዋስኡ ሃገራውያን ስለዝኾኑ ደገፍ ክግበረሎም ንሓትት ዝብል መሰነይታ ዝሰዱ ኣብዚ ሳዕስዒትን ደበላን ተሞርኪሶም ኢዮም።

እዞም ‘ሃገራውያን’ ኣብቲ ‘ህልዉ ኩነታት ሃገርናን ዓለምናን’ ዝዝቲ ሰሚናር ካብቶም ቀዳሞት ሓተቲ ኮይኖም ይስርዑ እሞ ‘እሕሕ’ ኢሎም ጎሮሮኦም ድሕሪ ምስሓል ‘መቸም ኣርሒቑ ዝጥምት መንግስትና ናይ ኣሜሪካ ሸርሒ በብእዋኑ ስለዘፍሸሎ፤ ኣብ ዝሓሸ እዋን ምህላውና ዘርኢ ኢዩ ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ’ ኢሎም ኩድጭ ይብሉ። ኣብ ፌስቲቫል ህግደፍ ሕቶ ማለት ነቲ ክበሃሎም ዝጸንሐ ከምዘለዎ ናይ ምድጋም መረጋገጺ ተኣማንነት ምሃብ ማለት ካብ ዝኸውን 16 ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ።

እቶም ‘ሃገራውያን’ ምናልባት እንተሓተቱ ድማ፤ ‘መንግስትና እኳ ይጠፍኦ ኣይንብልን ኣሸንኳይ እዚ ካልእ ዝርኢ ዓይኒ ንስሪ ኣለዎ፤ የግዳስ ንምፍላጥ ዝኣክል እዚ ናይ ቦንድ ዝገዛእናዮ መረባዓት መዓስ ክውዳእ ትጽቢት ይግበረሉ’ ኢሎም ይሓቱ። እቲ ሰሚናር ‘ዞባዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ኣስፊሑ ብምትንታን ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን መንግስትን ኣዕጋቢ መልሲ ሂቦምሉ’ ተባሂሉ ምስተዛዘዘመ ድማ ነቲ ዝመጽእ ጓይላ እንዳተቛጸሩ ይፋነዉ። ምኽንያቱ ናይ ፈንቅል፤ ናይ ምሕራር ናቕፋ፤ናይ ናደው፤ ናይ ግንቦት፤ ናይ ፌስቲቫል፤ ናይ ባሕቲ መስከረም በዓላት ነዞም ሰባት ናይ ፈንጠስያ ኣጋጣሚ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ስርሒት ፈንቅል ቀጣን ስጋለት ክሰግሩ ኣብ ታንክታቶም ዝሓረሩ ሰማእታት፤ ሕድሮም እንታይ ነይሩ ዝሓስብ የለን፤ ፈንቅል ንዐኦም እቲ ሒዛቶ ትመጽእ ናይ ሳዕስዒት ኣጋጣሚ ጥራይ ኢዩ። ንሰብ ወጋሕ ትበል ለይቲ! እቶም ናይ ኤርትራ ለይቲ ከውግሑ ዝሓለፉ ሰማእታት ኣይንታዮምን ኢዮም።

ሰኑይ ኣንጊሆም ነቲ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ሸርሕታቱ ኣፍሺልናዮ፤ ዓንዳሪ ፖሊሲታቱ ይወድቕ ኣሎ ክብልዎ ዝቐነዮ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ መንግስታዊ ትካላቱ ከይዶም ናይ ወልፈር ገንዘቦም ክወስዱ ይስርዑ፤ ካብተን እታ ‘በዓልቲ ሸርሒ’ ኣሜሪካ ዝሃበቶም ገንዘብ ድማ 2%፤ ናይ መኸተ ኣንጻር ኣሜሪካ ይኸፍሉ።

ንሶም እዞም ሰባት ግን ካልእ ሰብነት ኣለዎም። ናብ ቀጽሪ ተቛውሞ ጸልማት ተጎልቢቦም ይመጹ እሞ፤ ኣንታ እገለ እንታይ ዲዩ መሲሉካ፤ መንግስቲ ኣሳሪ ቀታሊ ሙኻኑ፤ ሃገር ትጸድፍ ከምዘላ ደኣ ንፈልጥ እንዲና፤ ግዳስ ኣብኡ ዘውፈርናዮ ንብረት ስለዘሎ፤ ክልተ ደቂ ሓፍተይ ዘየውጻእክዎም ስለዘለዉስ ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ኢልና እንደኣልና ይብሉ።

ገለ ድማ መዓስ ነቲ ሰሚናር ኢልና ከድና፤ ደይ እቶም ደረፍቲ ማራ ኣስመራ ስለዘዘኻኽሩናስ ነታ ናይ ምሸት ሳዕስዒትን ኬፋትን ኢልና ኢና ኬድና፤ ይብሉ። ወሲኾም እዞም ተቓወምቲ ድማ ለውጢ ደንጉኹም ሱቕ ኢልኩም ነንሕድሕድኩም ክትበላልዑ ትውዕሉ ይብሉ፤ ንባዕሎም ብሰንኪ ዕርበት ሕልናኦም ንነብሶም ይበልዕዋ ምህላዎም ዘንጊዖም።

ቅንይ ኢሎም ነቶም ዝተረፉ ዘይወጹ ደቂ ሓፍቶም ንምውጻእ፤ ገለ ካብዞም ዘሰጋግሩ ኣብዚ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ኣይትፈልጥን ኢሎም ክሓቱ ይጅምሩ። ኣብቲ ዝቐነየ ፌስቲቫል ‘ሳዋ ዋሕስ ሃገር ኢያ፤ መንእሰይ ንሃገሩ ከገልግል ኣለዎ’ ክብሉ ከምዘይቀነዩ፤ ነቲ ‘ናይ ካልእ’ መንእሰይ ንስቓይን ሞትን ፈሪዶም ነቶም ‘ደቂ ዓይኒ መዓር’ ደቂ ሓፍቶም ከውጽኡ ላዕልን ታሕትን ይብሉ።

ሓደ ሓደ እዋን ድማ ንጽባሕ መንጸፍ ንምግባርን ኣበርኪትና ንምባልን፤ ንደንበ ተቓውሞ እትጠቅም ሓዳስ ሓበሬታ ኣላ ዝሰማዕክዋ፤ ግን ስመይ በጃኹም ከይትጠቕሱ እንዳበሉ ይተሓባበሩ። ከምኡ ብምግባር ድማ ነቲ ዘይተርፍ ለውጢ ምስመጸ ክሕተቱ ሙኻኖም ዝፍለጦም ርቡሽ መንፈሶም ቅሳነት ንምሃብ ክተሓባበሩ ይህቅኑ።

ክረምቲ ምስመጸ ከም ኣመሎም ደሃይ መረባዓቶም ንኺገብሩ እታ በዓልቲ ደሞም ሸርሐኛ ኣሜሪካ ዝሃበቶም ናይ ወልፈር ዶላራት ሒዞም ንኣስመረኦም ቡቁጽ ይብሉ። ቅድሚ ኣስመራ ምኻዶም ዘሎ ወርሓት እታ ናይ ካድር ካባ ኢዮም ዝኽደኑ። ወር ሽዑስ ቃውቃው ዝበሉ ካድራት ኢዮም ዝኾኑ ምኽንያቱ እታ ኤርፖርት ብሰላም ክሓልፍዋ መታን ‘ሃገራውነቶም’ ዘረጋግጽ ተግባራት ክገብሩ ኣለዎም።

እታ ኣብ ኩሉ እትርከብ ባንዴራ ስለትንእሶም፤ ካልእ ዓባይ ባንዴራ ኣስፊዮም እንዳስዕስዑ፤ እንዳፈከሩ፤ ተወንዚፎማ ይሰኣሉ እሞ፤ ኣብ ፈይስቡክ ይብትንዎ። ናብ ኣስመራ ምስከዱ ሃገራውነቶም ዝዕቀን ክሳብ ክንደይ ንተቓወምቲ ጸሪፎም ስለዝኾነ፤ ኣብ ኣጋ ምኻዶም ነቶም ብዙሕ በጻሕቲ ፈይስቡክ ዘለዎም ደምበ ተቓውሞ፤ ኣንታ ወያነ፤ ኣንታ ሲኣይአ ክብልዎም ይውዕሉ። መእተዊ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዝኾኖም ‘ሓበሬታ’ ተረኺቦም ድማ ሃሰው ይብሉ።

ካብ ኣስመራ ምስተመለሱ ንሰብ ከከም ገጹ እንዳረኣዩ ኢዮም ጸብጻቦም ዝህቡ። መጀመርያ ናብቲ ኤምባሲ ኢዮም ዝኸዱ፤ ዓዲ ትውንጨፍ ኣላ፤ ‘ተጻብኦታት ኣላሽ ኣቢልና ኣብ ሓድሽ ናይ ምውንጫፍ መድረኽ በጺሕና ኣለና’ ይብሉ። እዞም ሰባት ወላ ነቲ ናይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ቃላት እውን ብናቶም ኣገላልጻ ክትክእዎ ኣይፍትኑን ኢዮም።

ካብ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ተረኺቦም ድማ፤ ዓዲ በቃ ሞይታ ኢያ፤ ድሕሪ ሕጂ ናብኡ ገጸይ ኣየብልን ኢየ፤ ‘ውዑይ ማይ ዘይብሉ ሆቴል እንታይ ይበሃል’ ይብሉ፤ (መቸም ወላ ኣስመራ ምስከዱ  ኩነታት ብዓይኒ እቲ መላእ ህዝቢ ዘይኮነስ ብዓይኒ እቲ ዝኣትውዎ ሆቴል፤ ዝበልዑሉ ሬስቶራንት ኢዮም ዝዕቕንዎ)። ንዐኦም እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሰብ ዕጭኡ ዝረትዖ ኣብ ሕሰም ክነብር ዝተፈረደ ኢዩ ዝመስሎም። ውዑይ ባኞ ስኢና ዝብልዎ ዘለዉ ዓዲ እቲ ነባሪ ዝስተ ማይ ከምዝስእን ኣይዝክሩን ኢዮም። ኣብ ከብዲ ዓሻ ልቦና የሎን።

ከምዚ እንዳበሉ 10 ካባ ወድዮም ዝነብሩ፤ ከብዶም ዘመዶም ብዙሓት ኢዮም። ስም በዓል ቤተን ጸዊዐን ዘይፈልጣ፤ ከም መልኣኽቲ ኣስማት ሓለፍቲ ግንባኣር ክጽውዓ ዝውዕላ፤ ኪቖርባሉን ክሰግዳሉን ኣብ ዝግባእ ዕድመ ኩሉ መሰረታት ስነምግባር ክረግጻ ዝሓድራ፤ 300 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ኢሎመን ቅንጣብ ዘይሓዘና፤ ሞባይለይ ጠፊኣ ኢለን ዝሓዝና መሊአን ኢየን።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ሰባት ክፋል ናይ ሕብረተሰብ ኢዮም። ሕብረተሰብ ብሕያዎት፤ ምእንቲ ካልት ብዝሓልፉ፤ ርእሶም ኣድኒኖም ብዝኸዱ፤ ዘላቶም ተመስገን ኢሎም ብዝነብሩ ሰባት ዝቖመት ኢያ።

ንሳ እታ ሕብረተሰብ ንባዕላ፤ ሱሱዓት ከብዶም ዘመዶምም፤ ምስሉያትን መንቀላወጢን ሰባት እውን ዝሓዘት ኢያ። ሕብተረተሰብ ዝተፈላለየ ባህሪ ብዘለዎ ሰባት እንተዘይቐውም ምናልባት መቐረት ውን ኣይምሃለዎን። ስለዝኾነ፤ ከምዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ሰባት ምስ እንርኢ ንቡር ባህርያዊ መስርሕ ህላወ ሕብረተሰብ ሙካኑ ኣሚንና፤ ርእስና እንተዘይሓመምና ይሓይሽ።

ንሶም እንተኾኑ ካብ ሕልና ንላዕሊ ሓይኹ ዝበልዕ ቀታሊ ስለዘየሎ ሕልንኦም ሓይኹም ከሳጽዮም ኢዩ። እንተ እታ መሬት ንርእሳ ኢላ ምውጋሓ ኣይተርፋን ኢዩ፤ እቲ ብርሃን ምስ ዓሰለ ድማ ኩላ ሰብ በብተግባራ ኣብ ቅድሚ ታሪኽን ግዜን ክትቀርብ ኢያ። ቅድሚኡ ግን ሕልንኦም ባዕሉ ኣሳጺዩ ክውደኦም ኢዩ፤ ምኽንያቱ ከምቲ ጆን ካልቪን ‘ብሕማቕ ሕልና ዝኽትከት መንፈስ ኣብ ናይ መሬት ገሃነም እትነብር ከምዘላ ኢዩ’ ዝበሎ ሽሕ’ኳ ብደገኦም ሰባት ይምሰሉ፤ ውሽጦም ብናይ ሕልና መቕጻዕቲ ዝማሰኑ ኢዮም።

“The torture of a bad conscience is the hell of a living soul.”
― John Calvin

 

    Print       Email

You might also like...

ሎሚ 19 ጥቅምቲ ቀሺ ዶክተር ፍጹም ገብረንጉስን ካልኦት ንጹሃን ኣመንቲን ዝተኣስሩሉ መበል 13 ዓመት ሙኻኑ ተሓቢሩ።

Read More →