Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

    ምእንቲ ስልጡንን ሉዓላዊን ተቓውሞ

By   /  August 16, 2017  /  Comments Off on     ምእንቲ ስልጡንን ሉዓላዊን ተቓውሞ

    Print       Email

“ኣንጻር ሉዓላውነት ሃገርካ ወራር እንተተኻይዱ ኮንኖ እምበር ኣይትሞግሶ፤ ዶባትካ ኪኽበር ሕድሪ  ሰማእታትካ ሙኻኑ ዘክር፤ መንግስቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ስለእትቃወም ጥራይ ኣንጻር ሉዓላውነት ሃገርካ ኣይትኹን።’

ኤርትራ ናብዚ ዘላቶ ጥቓ ምብትታን ዝቐረበ ኩነት ዘብጸሕዋ ረቛሒታት ኣዚዮም ብዙሓት ኢዮም። ቡኩራት ልዕልና ሕጊ፤ ደረት ዘይብሉ ህርፋን ኩለንትናዊ ስልጣን፤ ምስራዝ ቅዋም፤ ግድፈት ስርዓትን ትካላውነትን ወዘተ። ብሰንኪ እዞም ረቛሒታት ድማ ሎሚ ኤርትራ ስባት ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ዝቕንጸሉላ፤ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታታ ዝእሰሩላ፤ ህዝባ ዝሃድመላ፤ ዝተረፈ ብስቓይን ሕሰምን ዝነብረላ  ዝባደመት ሃገር ኮይና ኣላ።

ሰባት ዘየስተብህሉሉ ንኹሎም እዞም ዝተጠቐሱ ሳዕቤናት ይኹኑ ንኹሎም እቶም ንዕኦም ዝፈጠሩ ጥንቅታት ዝፈጠረ ሓደ ርእሰ ረቛሒ ኣሎ፤ ንሱ ድማ ካብ ኣተሓሳስባኻ ንዝተፈለየ ኣመላኻኽታ ከም ጸላኢ ምርኣይን ክትጭፍልቖ ምውሳንን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝተዘራረገ ኩነታት፤ መሰረታዊ ጠንቁ ንዝተፈለየ ሓሳብ ብምጭፍላቕ ኢዩ ጀሚሩ። ኣብ 60ታት መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ካብቲ ዝወሰንዎ መስመር ንዝወጸ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ዝእንግድ ተጻዋርነትን ባህልን ስለዘየማዕበሉ፤ ንኹሉ ካብ ርእይተኦምን ኣመለኻኽተኦምን ዝፍለ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ክጭፍልቕዎ ወሲኖም። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንፍልልያት ናብ ጸጋ ዝቕይር ኣሊያ እንተዝነብሮ ሰውራ ኤርትራ ኣይምተገማመዐን ጥራይ ዘይኮነ፤ እቲ ብድሕሪኡ ዝወሓዘ ደም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣይምፈሰሰን።

ናይ ሓሳብ ፍልልያት መድረኽ ዝሰኣነ ህዝባዊ ሓይልታት ተፈሊዩ ጉዕዙኡ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፤ ኣብ ውሽጡ ዝነቐሉ ናይ ሓሳብ ፍልልያት ዘሳሲ ባህሊን ዝጸውር መድረኽን ስለዘይፈጠረ፤ ንነንዝተላዕሉ  ፍሉያት ኣመለኻኽታትን ፍልልያትን ብሓይሊ ክጭፍልቕ ተራኢዩ። ህዝባዊ ግንባር ንብዙሕነት ኣረኣእያ ናብ ሓይሊ ዝቕይር፤ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዘአንግድ ሃዋህው እንተዝፈጥር ነይሩ፤ እቲ ድሒሩ ዝተራእየ ብስም መንካዕ፤ የሚን፤ ወዘተ ዝተገበረ ህልቂት ኣይምተራእየን።

ድሕሪ ናጽነት ዝተጋህደ ፍልልያት ናይ ሓሳባት ዘይምጽዋር፤ ከምኡ እውን ንዝኾነ ካብ ኣመለኻኽታኻ ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ ከም ጸላኢ ርኢኻ ምቕንጻል፤ መሰረቱ እቲ ቅድሚ ናጽነት ዝተሰረተ ባህሊ ሓደ መስመር ወይ ሞት ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ኣብ 1993፤ 1994፤ 1996፤ 2001 ወዘተ ዝተራእየ ፍልልያት ብምጭፍላቕ ጥራይ ክፍታሕ ዝተሃቀነ። ምጭፍላቕ ንባዕሉ ተጨፍሊቑ ስለዝውዳእ ድማ እነሆ ሎሚ ኤርትራ ናብ ፖሊሳዊ ስርዓት ተቐይራ፤ ይትረፍ ዝተፈለየ ፍረ ሓሳባት ምህላው፤ ዝተፈለየ ኣደማምጻ ምህላው እውን ነውሪ ዝኾነላ ሃገር ኮይና ኣላ።

እቲ ዘሕዝን እዚ መሰረት ናይ ኩሎም ሽግራትና ኮይኑ ንሃገርና ኣብ ሓደጋ ናይ ምብትታን ኣውዲቑ ዘሎ ፍልልያት ሓሳባት ናይ ዘይምጽዋር ባህሊ፤ ኣብቶም ቀጽሪ ተቓውሞ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣካል እውን ብሰፊሑ ይረአ ምህላዉ ኢዩ።

ነዛ ብሰንኪ ፍልልያት ሓሳብ ዘይምጽዋር ትበታተን ዘላ ሃገር ከድሕን ኢሉ ዝብገስ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ፤ንባዕሉ ፍልልያት ኣመለኻኽታ ክጻወር ዘይክእል እንተኾይኑ በየናይ መንገዲ ኢዩ ህዝቢ ውድብ ቆጺሩ ክስዕቦ ዝሓስብ።

ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ንዝኾነ ፍሉይ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ሰብ፤ ብትሕዝቶ ናይ ሓሳቡ ኪገጥምዎ ኣይፍትኑን። ስለምንታይ እቲ ዘሰጉሞ ዘሎ ስነሓሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን ከረድኡ እውን ኣይጽዕሩን ኢዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ተቐዳዲሞም ‘ወያነ ሲኣይአ’ ዝብሉ። ከምኡ ምባሎም ንቡዙሓት ንስለምባል ዝብልዎ ዘለዉ ይመስሎም ይኸውን፤ የግዳስ ካብኣ ንላዕሊ መረዳእታ ስለዘይብሎም ኢዩ፤ ናይ ካልኦት ሰባት ሓሳብ ናይ ምስማዕ ባህሊ ብመሰረቱ ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ዝኾነ ካልእ ሓሳብ ዘምጸአ ሰብ ከም ጸላኢ ክፍረጅ ኣለዎ ኢሎም ናይ ልቦም ኢዮም ዝኣምኑ፤ ምኽንያቱ ከምኡ ኢዮም ተኾስኪሶም።

ናይ ደገፍቲ መንግስቲስ ግዳያት ናይቲ ሽግር ስለዝኾኑ ርዱእ ኢዩ። እቲ ዘይርዱእ ናይቶም ነዚ ባህሊ ከነዕሪ ንንቀሳቐስ ኣሎና ዝብሉ ቀጽሪ ተቓውሞ ኢዩ።

ሓደ ንመንግስቲ ኤርትራ ይኹን ንህግደፍ ዝድግፍ ዘሎ ሰብ፤ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምድጋፉ ጥራይ እንዳ ህግደፍ እንዳ መንደፍ፤ እንዳ ንሕና ንሱ፤ ወዘተ እንተልካዮ ካብቲ ‘ወያነ ሲኣይአ ‘ ዝብል ተስተናዕቖ ዘሎኻ ባህርያቱ ብምንታይ ትሓይሽ? ደጋፊ መንግስቲ ሙዃን ዘይሕከኽ መሰሉ ሙኻኑ ምእማን መሰረት ሕጊ ጽምዶ (rule of engagement) ኢዩ። ደሓር እንታይ ይድግፍ ምህላዉ ሰሚዕካ ነቲ ብሓባር እትሰማማዓሉ ጉዳያት (ንኣብነት ናጽነትን ህላወን ኤርትራ) ኣኽቢርካን ኣድኒቕካን፤ ነቲ ዘይትሰማማዓሉ ሓሳባቱን ስለምንታይን ምግላጽ ኢዩ እቲ ዝሓይሽ።

‘ንሕና ንሱ’ ኢልካ ኣብ ክንዲ ትጸርፎ፤ እቲ ‘ንሱ’ ዝብሎ ዘሎ ፕረዚደንት ስለምንታይን ብኸመይን ነታ ሃገር ናብ ምብትታን ዝመርሕ መንገዲ ይወስዳ ኣሎ ሓብሮ። እቲ ‘ንሱ’ ዝብሎ ዘሎ ፕረዚደንት ዲዩ ክመርሓ ነታ ሃገር ዝግባእ ወይስ ካልእ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ መታን ክንውስን፤ ቅዋም ዝበሃል ፖለቲካዊ ምርጫታት ዘጽልል ሰነድ ክትግበር ከምዝግባእ፤ ብኡ መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ‘ንሕና ንሱ’ እንተኢሉ፤እቲ ናቱ ንሱ፤ ናትካ ንሱ እውን እንተኾነ ጸገም ከምዘይብልካ ኣእምኖ።

ስለምንታይ መንእሰያት ኣብ ባሕሪ ይሃልቁ ኣለዉ፤ ስለምንታይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ህዝቢ ይእሰሩ ኣለዉ፤ ከምኡ ከይከውን እንታይ ክግበር ኣለዎ ኢሉ ይኣምን ሕተቶ። ‘እንዳ ሽንፍላ፤ እንዳ ተቛመርቲ’ ወዘተ ኢሉ ክጻረፍ ከሎ፤ ጸርፊ ፋይዳ ከምዘይብሉ፤ ንስኻን ንሱን ዝፈላልየኩም ዘሎ ሓሳባት ሙኻኑ፤ ነቲ ዝፈላሊ ሓሳባት ፈቲግካ ናይ ካልእ ሓሳባት እንዳሰማዕካ፤ ኣበየናይን ስለምንታይን ምስቲ ንሱ ዝብሎ ዘሎ ከምዘይትሰማማዕ እንዳነገርካ፤ ግን ከኣ እቲ ዘይትኣምነሉ ነገር እውን ክብሎ ዘይሕከኽ መሰሉ ሙኻኑ እንዳሓበርካ ስምዓዮ።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ 26 ዓመት ዝስተ ማይ፤ ዝብላዕ ቅጫ ምስኣኑ በየናይ ቁጠባዊ ፖሊሲ ክምኽነ ይኽእል ሕተቶ። ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገሮም ኣብ ኡጋንዳ፤ ኬንያ፤ ጁባ፤ ዘውፍሩሉ ዘለዉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ከስተንትን ኣዘኻክሮ። ልዕልና ሕጊ ማለት፤ ሰባት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ማዕረ ኮይኖም፤ ድሕነቶም ብፍትሕን ትካላቱን ክወሓስ እንተዝኽእል ንሃገርና ዘለዎ ብልጭታት ሓብሮ፤ ብኣንጻሩ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታን ፖሊሲን ብዘይ ሕጋዊ መስርሕን ጠበቓን ዝሃልቁ እንተኾይኖም፤ ኣብ ሕብረተሰብ ዝፍጠር  ሹቕሮራን ስቓይን ብኣብነት ኣረዳኣዮ።

ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ናይ ህዝቢ ስቓይ ዘይስመዖ እንተሊዩ፤ ሃገር ስለምንታይ ናይ ኩሉ ክትከውን ከምእትግባእ፤ ህዝቢ ስለምንታይ ሕልና ክህልዎ ከምዘድሊ፤ ኣብ ልዕሌኻ ኪኸውን ዘይትድለዮ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኪኸውን ትም ኢልካ ክትርኢ ከምዘይግባእ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንዳጠቐስካ ኣዘኻኽሮ። ግን ከኣ ኣንታ ሳዕሳዒ ኣንታ ገለ ዝብሉ ቅጽላት ከይወሰኽካን ብኣኽብሮትን።

ኣንጻር ሉዓላውነት ሃገርካ ወራር እንተተኻይዱ ኮንኖ፤ ዶባትካ ኪኽበር ሕድሪ ሰማእታትካ ሙኻኑ ዘክር፤ መንግስቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ስለእትቃወም ጥራይ ኣንጻር ሉዓላውነት ሃገርካ ኣይትኹን። ብወገን መንግስቲ ይኹን ደገፍቲ መንግስቲ ንሃገር ዝኸውን ጽቡቕ ነገር ተገይሩ ኢልካ እንተኣሚንካ ኣድንቆን ሞግሶን። መንግስቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ስለእትቃወም ጥራይ ኤርትራ ብውድድር ብሽግሌታ ወይ ጉያ እግሪ እንተተዓዊታ ከም ዘይናትካ ኣይትርኣዮ፤ ኣስመራ ኣብ መዛግብቲ ውርሻታት ዩኔስኮ ኣትያ እንተሰሚዕካ ዮሃና ህዝቢ ኤርትራ በል እምበር ተጸዊግካ ኣይትውዓል፤ ብስለትካን ሚዛንካን ልዕሊ ምትህልላኽን ቅርሕንትን ክብርኽ ኣለዎ።

ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ እንተረኺብካ ካብታ እትፈትዋ ሃገር እተወልዱ ዜጋታት ረኺብካ ምህላውካ ፈሊጥካ ብኣኽብሮት ሰላም በሎምን ኣዘራርቦምን። ግድን ፖለቲካዊ ዘተ ኪትገብር ኢልካ ከይሓሰብካ ንዜጋታት፤ ንወለዶ፤ ንደቕኻ ኣብ ዘገድስ ባህላዊ፤ ማሕበራዊ ሓሳባት ክትዝቲ ይከኣል ኢዩ። ፖለቲካዊ ኣርእስቲ እንተተላዒሉ ድማ ስለምንታይ ፖሊሲታት ወጻኢ ኤርትራ ቅኑዕ ኣይኮነን ኢልካ ትኣምን፤ ስለምንታይ ሓደ ፕረዚደንት ብዘይትካላዊ ስርዓት፤ ብዘይተሓታትነት፤ ብዘይ ባይቶኣዊ መስርሕ ንሉዓላውነት ኤርትራን መሬታን ዝምልከት ጉዳያት በይኑ ክውስን ከምዘይግባእ ሓብሮ። ብመንግስታዊን ቅውማውን ሕግታት ኣሰኒኻ ዘርዝረሉ፤ ብሓደጋታት ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣካይዳ ሃገራት ከመይ ከምእተበታተና ንምርኣይ ናይ ሞቡቶ ሴሴሲኮ፤ ናይ ሳዳም ሑሴን፤ ናይ ኢደ ኣሚን ሕጂ ድማ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ዕንደራ እንዳኣምጻእካ ግለጸሉ። ዘሻቕለካ ዘሎ ጉዳይ እታ ክልቴኹም እትፈትዉዋ ሃገርን ህዝባን ሙኻኑ ሓብሮ።

ኣብ ነንሕድሕድካ ማለት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ውንተኾነ ዝተፈላለየ መስመር እንተሎ ከም ብዙሕነት ኣመላኻኽታ ውሰዶ። ‘ናተይ ሃይማኖት ወይ ናተይ ብሄር ክገዝእ ኣለዎ፤ ኣነ እየ ዋና’ ንዝበለ እቲ ኣመለካኻታን ኣካይዳን ስለምንታይን ብኸመይን ሓደገኛ ሙኻኑ፤ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ርዋንዳን ዩጎስላቭያን ዘጋጠመ ህልቂት፤ ሕጂ ድማ ኣብ ኢትዮጲያ ብዝረአ ዘሎ ክስተታት ሓደግኡ እንታይ ይመስል ምህላዉ ንገሮ፤ እምበር ፍርዲን ኣስማትን ኣይትሃቦ። ዘሰክፈካ ዘሎ ነገር እቲ ናይቶም ምእንቲ ጥምርቲ ኤርትራ ዝሓለፉ ሰማእታት ሕድሪ ይጥለም ምህላዉ ሙኻኑ ግለጸሉ።

ምኽባር ፍልልያት፤መጀመርታ ናይ ጽምዶ ስልጡን ምብህሃል ኢዩ። ኣብ ሰባት ዘይኮነ ኣብ ሓሳባትን ስነሓሳባትን ምዝራብ መሰረት ናይ ብዙሕነት ሓሳባት ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ወላ’ኳ ምእንቲ ለውጥን ፍትሕን ተባሂሉ ዝግበር ይኹን ወይ ይምሰል፤ ኣብ ቀጽሪ ተቓውሞ ዝምዕብል ዘሎ ዝተፈለየ ሓሳብ ዘየአንግድ ባህሊ ብኣግኡ እንተዘይተኾሊፉ መወዳእታኡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣናዮ ሓደጋ ክወልድ ሙኻኑ ርዱእ ኢዩ።

መሰረት ምብህሃል ጽን ኢልካ ምስምማዕ ኢዩ። እንተኽኢልካ ብርቱዕ ሰማዒ ኩን። ክትዛረብ ከሎኻ ነቲ ትፈልጦ ኢኻ ትነግር፤ ክትሰምዕ ከሎኻ ግን ዘይትፈልጦ ኢኻ ትረክብ። ሰሚዕካ ከተዐሪ ኣብ እትብገሰሉ ድማ ነቲ ገዚፍ ስእሊ ረአ። ዕምባባ ክትቅምስል እንተጀሚራ ነታ ዕምባባ ዘይኮነስ ነቲ ሓመዳን ሃዋህዋን ኢኻ እትኹስኩስ።

መንግስቲ ኤርትራ ‘ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ’ ኢሉ ንዝዓጸዎ ኣእምሮ ክትከፍት እትኽእል፤ ሰባት ሓደ ክሓስቡ እንተጀሚሮም ገሊኦም ምሕሳብ ኣቛሪጾም ከምዘለዉ ብምዝኽኻር ኢዩ። ብዙሕነት ብዙሓት ሙኻን ዘይኮነስ፤ ብዙሕ ሓሳባት ምእንጋድን ነቶም ብዙሓት ሓሳባት ምጽንባርን ሙኻኑ ኣረጋግጸሉ።

እቲ ቁም ነገር ናይቶም ብዙሓት ብልጭታት ምፍላጥን ምኽባርን ኢዩ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ፍሉይ ሓሳብ ኣለዎ፤ ነብሲ ወከፍ ሰብ ነናቱ ብልጫ ኣለዎ፤ እቲ ቁምነገር ንነብሲ ወከፍ ሰብ ብመለክዒኻ ጥራይ ዘይምምዛኑ ኢዩ።  ነብሲወከፍ ሰብ ብርቂ ሓንጎል ኣለዎ፤ እቲ ሕቶ ኣመለኻኽትኡ ብኸመይ ትሰፍሮ ኢዩ፤ ንኣብነት ንዓሳ ገረብ ሓኩሩ ብዘይምኽኣሉ ደንቆሮ እትሓስቦ ተኾንካ፤ መዋእሉ ንነብሱ ደንቆሮ ኢሉ ክወስዳ ኢዩ ይብል ኣልበርት ኣነስታይን።

ዝተፈላለየ ሓሳብ ምእንጋድን ምኽባርን፤ ብስልጡን ምብህሃል ድማ ንውጽኢታዊ ዘተ ምዕያይ ፤ ክህነጽ ዘለዎ ሃገራዊ ባህሊ ኢዩ። መሰረት ናይ ስልጡን ሕብረተሰብ፤ ምእንጋድ ብዙሕነት ሓሳባት ኢዩ። እታ እንደልያ ለውጢ ክትመጽእ ናይ ኩሉ ሰብ ሓሳባት፤ እንተላይ ናይቶም ኣብ መንግስቲ ዘለዉ ይኹኑ ንመንግስቲ ዝድግፉ ሰባት ሓሳባት ምእንጋድ፤ ብስልጡን መንገዲ ድማ ስለምንታይ እቲ ናትካ ኣማራጺ ነታ ሃገር ዝሓሸ ሙኻኑ ምእማን የድሊ። ሓሳባት ካልኦት ኪኽበር ዘይግበኦ ኣብ ሓደ ኩነት ጥራይ ኢዩ፤ ንህላወን ሉዓላውነትን ህዝብን ሃገርን ዘየኽብር እንተኾይኑ።

    Print       Email

You might also like...

‘ቐጽሪ ተቓውሞ ተዳኺሙ ኢዩ’ እቲ ኻልእ ዘመተ ናይ መንግስቲ ኤርትራ!

Read More →