Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

15 ማእከሎትን ታሕተዎትን ሓለፍቲ ብሓሙስ 29 ሰነ 2017 ካብ ቤት ማእሰርቲ ጸጸራት ነጻ ተለቒቖም

By   /  July 6, 2017  /  Comments Off on 15 ማእከሎትን ታሕተዎትን ሓለፍቲ ብሓሙስ 29 ሰነ 2017 ካብ ቤት ማእሰርቲ ጸጸራት ነጻ ተለቒቖም

    Print       Email
እቶም 15 ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ማእከሎትን ላዕለዎትን ሓለፍቲ ኮይኖም ብልሽውና ብዝብል ክሲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኢዮም። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተወሰደ ብይን ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2015 ኮይኑ ኩሎም ን5 ዓመታት ክእሰሩ ኢዩ ተወሲኑሎም ነይሩ። እቲ ክሲን ብይንን ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ኮይኑ፤ ባዕሉ መንግስቲ ኤርትራ ዝኸሰሶም፤ ዝኣሰሮም፤ ዝፈረዶም ኢዮም ነይሮም። 
 
እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም እሱራት ዝተወሰደ ብይን በቲ ካብ መስርሕ ሚኒስትሪ ፍትሒ ወጻኢ ዝሰርሕ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝተወሰነ ምንባሩ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ እቶም እሱራት ካብ መጋቢት 2015 ጀሚሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸጸራት ተዳጉኖም ምጽነሖም ሓቢሮም። 
 
እቶም እሱራት ብፍሉይ ቤት ፍርዲ ን5 ዓመታት ተፈሪዶም ከብቅዑ፤ ኣብዚ እዋን እዚ ሃንደበት ነጻ ክልቀቑ ብዛዕባ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ዝፍለጥ ነገር የሎን። እቶም እሱራት ነጻ ክወጹ ሙኻኖም ኣብ ዝተነገሩሉ እዋን ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ናብ ጸጸራት ብምምጻእ ‘መንግስቲ ኤርትራ ምሕረት ገይሩልኩም ኣሎ ብመሰረት እዚ ምሕረት እዚ ድማ መንግስቲ ኣብ ዝመደበኩም ክትነጥፉ ሙኻንኩም ብኽታምኩም ከተረጋግጹ ትሕተቱ’ ዝብል ትእዛዝ ከምዝሃብዎም ተፈሊጡ። 
 
እቶም እሱራት እንታይን ኣበይን ብኸመይን ዝብል ሕቶ ኣብ ዝሓተቱሉ እዋን፤ በቶም ካብ ሃገራዊ ድሕነት ዝመጹ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ፤ መንግስቲ ኣብ ዝደለዮ ቦታን ጽፍሕን ከስረሓኩም ኢዩ ናትኩም ዕማም ድማ ዝተባህለኩም መምርሒ ምትግባር ኢዩ ዝብል መልሲ ከምዝሃብዎም ተፈሊጡ። 
 
ገለ ካብቶም እሱራት እቲ ዝተኸሰስናሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ነይሩ፤ መን ኢዩ ከሳሲና፤ ንኽሰሰሉ ዘሎና ብልሽውና መርተዖታቱ እንታይ ኢዩ ኢሎም ከምዝሓተቱ፤ እቶም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ግን እቶም ሰባት ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ክልተ ምርጫ ሙኻኑ ንሱ ድማ ወይ ነዚ ቀሪቡሎም ዘሎ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ፎርም ምምላእን ምፍራምን ወይ ውን ናብቲ ዝነበርዎ ቦታ ደጊሞም ምምላስ ሙኻኑ ከምዝተሓበሮም ተገሊጹ።
 
እቶም 15 ሓለፍቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላትን ናይ ህግደፍ ኣካላትን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኮይኖም፤ 3 ኣባላት ምምሕዳር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፤ ሓደ ኣባል ኮርፐረሽን ንግዳዊ ቀይሕ ባሕሪ ፤ 4 ኣባላት ፋይናንስ ሚኒስትሪ ምክልኻል፤ 3 ካብ ምዕራባዊ እዚ ፤2 ካብ ተወርዋሪ እዚ፤ እቶም  2  ድማ ካብ ፋይናንስ ግምሩክ ሙኻኖም ተረጋጊጹ። 
 
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሓት ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ዝጸንሑ ሓለፍቲ ዳግማይ ናብ ቦተኦም ናይ ምምላስ ተርእዮ ይረአ ምህላዉ ብኻልእ ወገን ድማ ፖለቲካዊ መርገጺኦም ክለዋወጥን ኣንጻር መንግስቲ ዘይዕግበቶም ዝገለጹ ሓለፍቲን ብስም ብልሽውናን ትሕተ ሃገራውነትን ተኸሲሶም ካብ ስራሕ ይእለዩ ምህላዎም ይፍለጥ። 
 
መንግስቲ ኤርትራ ሓለፍቲ ብብስጭትን ጓሂን ኣማሲኑ ንምቕታልን ውርደት ንኽስመዖምን ንብዙሓት ሓለፍቲ ብስም እቲ ምድስካል ዝብሎ ኣገባብ ከምዘሳቒ ዝፍለጥ ኢዩ። 
    Print       Email

You might also like...

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ወተሃደራዊ ግጭት ይቕጽል ኣሎ።

Read More →