Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

‘ካብ ሃገር ከይወጹ ብጥብቂ ምክትታል ዝግበረሎም ሰባት’ ዝብል ሊስታ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ናብ ሃገራዊ ድሕነትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሚኒስትሪ ጥዕናን ተላኢኹ

By   /  July 23, 2017  /  Comments Off on ‘ካብ ሃገር ከይወጹ ብጥብቂ ምክትታል ዝግበረሎም ሰባት’ ዝብል ሊስታ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ናብ ሃገራዊ ድሕነትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሚኒስትሪ ጥዕናን ተላኢኹ

    Print       Email

ኣብዚ ቅንያት እዚ ‘ካብ ሃገር ከይወጹ ብጥብቂ ምክትታል ዝግበረሎም ሰባት’ ዝብል ሊስታ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ናብ ሃገራዊ ድሕነትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሚኒስትሪ ጥዕናን ተላኢኹ።

እቲ ሊስታ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝተጻሕፈ ኮይኑ፤ ዝርዝራት ኣስማት ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፤ ከምኡ እውን ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ዘለዉ ሰባት ኣስማት ጠቒሱ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነት ናብ ወጻኢ ምጋሽ ከምዘይፍቀዶም ኣዘኻኺሩ።

እቲ ዝርዝር ክሳብ መጀር ጀነራል ማዕርግ ዘለዎም ኣዘዝቲ ሰራዊት፤ ኣብ መንግስታዊ ኣካላት ዝሰርሑ ክሳብ ዳይረክተር ጀነራል ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ዘጠቓለለ ኢዩ።

እቲ መሰነይታ ሊስታ ምኽንያት ናይቲ መምርሒ ዘይጠቕስ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ መልእኽቱ ‘እንተላይ ብሕማም ኣመኽኒኻ ዝግበሩ መገሻታት’ ዝብል ሓረግ ይርከቦ። ብተወሳኺ ኩሎም ኣብ ወጻኢ ክሕከሙ ኢሎም ዝኸዱ’ሞ ኣረሳሲዖሞም ኣብ ወጻኢ ምቕማጥ ንቡር ጌሮሞ ዘለዉ ብቕጽበት ናብ ሃገር ክኣትዉ ክፍቀዶም፤ እቲ ብመንገዲ ቆንስላዊ ጉዳያት ዝወሃቦም መሻርፍ ድደው ክብል ተሓቢሩ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ገለ ሰባት ብቐጻሊ ሕክምናዊ ፍቓድ ከምዝወሃቦም ዝገለጹ ምንጭታት፡ ንኣብነት ካብ ቀረባ እዋን ጀሚራ ኣመሓደርቲ ዞባ፤ ኣምባሳደራት ዝርከብዎም ሓለፍቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ሕክምና ይገብሩ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ምሉእ ዕድመኦም ንሰውራን ዓወትን ዘበርከቱ፤ ኣብ ፈታኒ እዋናት ገድልን ምውሓስ ሉዓላውነትን ህይወቶም ዝኸፈሉ ተጋደልትን መራሕትን ብኸምዚ ደረጃ ክዋረዱ ኣዚዩ ዘሕዝን ሙኻኑ እቶም  ነቲ መምርሕን ኣተሓሕዝኡን ብቐረባ ዝተከታተሉ ምንጭታት ሓቢሮም።

 

 

    Print       Email

You might also like...

    ምእንቲ ስልጡንን ሉዓላዊን ተቓውሞ

Read More →