Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣብ እምባትካላ ምዘና ሓደስትን ነባራትን ሰራዊት ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ። 

By   /  July 16, 2017  /  Comments Off on ኣብ እምባትካላ ምዘና ሓደስትን ነባራትን ሰራዊት ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ። 

    Print       Email
እዚ ኣብ ልዕሊ ሓደስትን ነባራትን ዝግበር ዘሎ ምዘና፤ ብሚኒስትሪ ምክልኻል ተመዚዛ  ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝጸደቐት 13 ዝኣባላታ ናይ ምዘና ኮሚቴ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። 
 
እቲ ናይ ምዘና ስራሕ ብወግዒ ብዕለት 11 ሓምለ ከምዝጀመረ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ብዝያዳ ናብቶም ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ምስ ኣሃዱታት ሰራዊት ነዊሕ ኣገልግሎት ጌሮም ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣተኩራ ስራሓ ጀሚራ ምህላዋ ገሊጾም። እቲ ኣብ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተገበረ ገምጋምን ምመያን ምስተዛዘመ ንመጀመርያ ግዜ ናይ ምክትል ተለንተ ማዕርግ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክወሃብ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። 
 
ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ምምማይ ቀሪቡ ዘሎ መስፈሪታት ብቐንዱ  ሃገራውነት፤ ወተሃደራዊ ብቕዓት፤ ፖለቲካዊ ብስለት፤ ኣባልነት ህግደፍ፤ ድሕረባይታ፤ ወተሃደራዊ ዲሲፒሊን  ወዘተ ዝብል መለክዒታት ቀዳምነት ክወሃቦ ሙኻኑ ገለ ካብ ኣባላት እታ ኮሚቴ ሓቢሮም። ብዘይካ እዚ ካብ ናይ መጀር ማዕርግ ክሳብ ናይ ኮለነል ማዕርግ ዝወሃቦም ገዳይም ተጋደልቲ እውን ኣብቲ ምሕጻይ ቀሪቦም ምህላዎም ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ እዚ ናይ ገዳይም ተጋደልቲ መምዘኒ ጽብብ ዝበለ ሙኻኑ ተሓቢሩ። 
 
ኣብዞም ክልተ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ምድባት ዘይኣትዉ ብስም ‘ምድስካል’ ናይ ሕልና መቕጻዕቲ’ ክወሃቦም ዝጸንሑ ካልኦት 123 ‘ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ካልኣይ ክፋል ክኣትዉ ምኻኖም ተገሊጹ። እቶም ገዳይም ተጋደልቲ መጠናዊ ናይ ማዕርግ ምውሳኽ ጌርካ ናብ ኣሃዱታት ንምምላሶም ተወሲኑ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ገሊጾም። እዞም 123 ኣብ ናይ ማዕርግ ምዘና ኣትዮም ዘለዉ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ዝምዘኑሉ እዋን ዝሕግዝ ናይ ቀደም ፋይላቶምን ጸብጻባቶምን፤ ከምኡ እውን ደስኪሎምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ኣብ ልዕሊኦም ብሃገራዊ ድሕነት ዝተገበረ ምክትታል ዘርኢ ጸብጻብ ናብታ ኮሚቴ ተላኢኹ ምህላዉ እውን ተሓቢሩ ኣሎ። 
 
ብዘይካ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ዜጋታት ካልኦት 54 ካብ መራሕ ሓይሊ ክሳብ መራሕ ብርጌድ ዝበጽሕ ማዕርግ ዘለዎም እውን ኣብዚ ምዘና ኣትዮም ምህላዎም ተሓቢሩ። እዞም 54 ገዳይም ገሊኦም ብብልሽውና፤ገሊኦም ኣንጻር ህግደፍ ብምዝራቦም፤ ገለ ምስ ጀነራል ፍሊጶስ ብዘለዎም ውልቃዊ ሽግር፤  ገለ ምስ 21 ጥሪ ብምድንጋጾም ተኣሲሮም ዘለዉ ኢዮም። ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ማእሰርቶም ብዘየገድስ ኣብቲ ምዘና ክኣትዉ ኣለዎም ዝብል መምርሒ ኣሓሊፉ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም። 
 
ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ምስ ምዘናን ማዕርግን ዝተኣሳሰረ ከቢድ ዘይዕግበት ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ምዘናን ማዕርግን ብወገናውነትን ጸቢብ መምዘኒታትን ኢዩ ዝጽሎ ዝብል ቅሬታ ከምዘለዎም  ገሊጾም። እዚ ናይ ሕጂ ምዘናን ገምጋምን ኣብ ክንዲ በቲ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝርከብ ክፍሊ ምዘናን ዓቅሚ ሰብን፤ ብፍሉያት ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዘይነጥፉ ኣባላት ክትግበር ምውሳኑ ድሮ ኣብ ብዙሓት ኣባላት  ስምዒታት ኣሕዲሩ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። 
 
ብመሰረቱ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዘሎ  ቅርጺ ንሓደ ሰብ ንምግልጋል ዝህነጽ ዘሎ ሙኻኑ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ከም መጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ቻይና፤ መጀር ጀነራል ሮመዳን ኣውሊያይ፤  መጀር ጀነራል ኣስመሮ ገረዝግሄር  ዝኣመሰሉ ካልኦት ብቁዓትን ጽሩያትን ኣዘዝቲ እንዳሃለዉ፤ ብቐንዱ ነቲ ብኹሉ ጸይቅታቱ ዝልለ ጀነራል ፍሊጶስ ዝተዋህበ ማዕርግ ኣብ ጸቢብ መለክዒታትን ዕዉር እምነትን ዝተሞርከሰ ብሙኻኑ እቶም ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓቢሮም። 
    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →