Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ህግደፍ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ብኣባላት ህግደፍ ዝተፈጸመ ተግባር ኪኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ሙኻኑ ተሓቢሩ።

By   /  July 8, 2017  /  Comments Off on ኣብ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ህግደፍ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ብኣባላት ህግደፍ ዝተፈጸመ ተግባር ኪኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ሙኻኑ ተሓቢሩ።

    Print       Email

ኣብ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ህግደፍ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ብኣባላት ህግደፍ ዝተፈጸመ ተግባር ኪኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ሙኻኑ ተሓቢሩ።

እቲ ብረቡዕ 5 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ምሸት ኣብ ልዕሊ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ካብ እቶም ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ዝነበሩ እሞ ብተግባራት ህግደፍ ተቖጢዖም ዘለዉ ሰባት ከምዝተፈጸመ ዝእምቱ ሓበሬታት ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ኣብቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ዝተገበሩ ኣኼባታትን ርክባትን ብዙሓት ካብ ኣባላት ህግደፍ በቶም ዘይፍጸሙ መብጸዓታት ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ቅጭ መጺእዎም ምህላዉ፤ ነቲ ዝድግፍዎ መንግስቲ ኤርትራ ንምክልኻል ዘኽእል ባታ እውን ከምዘይብሎም ጠቒሶም ምንባሮም ምንጭታት ካብ ኢጣልያ ሓቢሮም።

ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2017  ኣብ ጁባ ደቡብ ሱዳን ምስ ገለ ኣውፈርቲ ተራኺቡ ንወፍሪን ናጽነትንግዳዊ  ምንቅስቓስን ኣመልኪቱ መብጸዓታት ኣብ ዝገበረሉ እዋን እቶም ኣውፈርቲን ገዳይም ተጋደልትን ‘ዘረባኻ ብኽቱር ምድግጋሙን ዘይትግበር መብጸዓታቱን ተምላስ የምጸኣልና ኣሎ’ ኢሎሞ ምንባሩ ይሕበር። ኣቶ የማነ ገብረኣብ ብወገኑ ‘ኣነውን ከማኹም ስግድግድ እንዳበለኒ ኢየ ዝዛረቦ ዘለኹ’ ኢሉ ከምዝመለሰሎም ኣብቲ ርክብ ዝነበሩ ምንጭታት ሓቢሮም።

 

 

    Print       Email

You might also like...

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት መደብ ከምዘለዎ ይሕበር ኣሎ፡ ዛጊት እንታይ ተገይሩ ኣሎ፤ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ናበይ ገጹ ኪቐንዕ ይኽእል።(1ይ ክፋል)

Read More →