Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ወተሃደራዊ ግጭት ይቕጽል ኣሎ።

By   /  July 25, 2017  /  Comments Off on ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ወተሃደራዊ ግጭት ይቕጽል ኣሎ።

    Print       Email

ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ብርክት ዝበለ ወተሃደራዊ ግጭታት ከምዝነበረ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ግጭታት፤ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጲያ ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ናብ መሬት ኢትዮጲያ ኣትዮም መጥቓዕቲ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ዝተኻየደ ኢዩ። እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጲያ ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ከባቢታት ኢሮብ ኮይኑ፤ መንግስቲ ኢትዮጲያ በቲ ብተመጣጣኒ መጥቓዕቲ ምምላስ ዝብል ፖሊሲኡ ነቲ መጥቓዕቲ ከቢድ ግብረ መልሲ ድሕሪ ምግባሩ እቲ ኩናት ናብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ቀጺሉ ቀንዩ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ፤ ናብ ዕለት 23 ሓምለ 2017 ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ኣብ ከባቢታት ደንበ ሕምብርቲ፤ ጓል ገምሃል ክሳብ እላላ ኣብ ዘሎ ከባቢታት ብኸቢድ ብረት ዝተሰነየ ሓድሽ ግጭት ከምዝተኻየደ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ናይ ከቢድ ብረት ምጥቕቓዕ ኣብ ከባቢታት ባድመ ዝጀመረ ኮይኑ ቀጺሉ ናብ ድፋዓት ደንበ ሕምብርቲ፤ ጓል ገምሃል ክሳብ እላላን ቀጺሉ ኣርፊዱ። ብሰንኪ እዚ ናይ ከቢድ ብረት ደብዳባት ኣብ ከባቢታት ሻምብቆን ሞልቅን ዝርከቡ ህዝቢ መጠናዊ ምፍንቓል ከምዘጋጠሞም ተሓቢሩ።

ቀቅድሚ እዚ ረጽሚ ማለት ብዓርቢ 21 ሓምለ ኣብ ከባቢታት ጾሮና እውን ረጽሚ ከምዝንበረ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢታት ባዳን ኢሮብን ዝጀመረ ግጭት ናብ ከባቢታት ባድመ ልሒሙ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት ብኽልቲኡ ወገን ኣብ ኩሉ ግንባራት ናይ ወተሃደራዊ ተጠንቀቕ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፤ ብ19 ሓምለ ሰዓት 9 ንግሆ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንሓለፍቲ እዝታት ኣብ ተሰነይ ክለብ ዋርሳይ ኣኼባ ከምዘካየደሎም ተሓቢሩ። እቲ ኣኼባ ናይ እዝታት ኣኼባ ተባሂሉ ጥራይ ብሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ከምዝተጸወዐ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ፕረዚደንት ኢሳያስ ክሳብ ናብቲ ኣኼባ ዝመጽእ ተሳታፍነቱ ብምስጢር ካብ ኣኼበኛታት ተኸዊሉ ምንባሩ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን  ሰኑይ 24 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ነፈርቲ ኩናት ኢትዮጲያ ኣብ ከባቢ እላላ ዝነበረ ኤምዳድ ድሕሪ ምጥቐዐን እቲ ኤምዳድ ምሉእ ብምሉእ ከምእተቓጸለ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዘሎ ኩነታት ኣዚዩ ተነቃፊ ኣብ ዝኾነ መድረኽ በጺሑ ምህላዉ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፤ እቲ ናብ ኩናት ዘምርሕ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ክልቲኦም ወገን ብዛዕባ ሓድሕዶም ዘለዎም ግምት ዝተጋነነ ብሙኻኑ ኢዩ ይብሉ ምንጭታት።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝገብሮ ገምጋም፤ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ እዋን ባዕሉ ክወድቕ ዝክእል ስርዓት ኢዩ፤ ክንሻቐለሉ ዝግባእ ንሱ ምስወደቐ ዝፍጠር ምብትታን ኤርትራ ንሃገርና ብኸመይ ክጸልዋ ይኽእል ዝብል ኢዩ ዝብል ሙኻኑ ይግመት። ብኣንጻሩ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ዝገብሮ ገምጋም መንግስቲ ኢትዮጲያ ብውሽጣዊ ሽግራቱ ተጻቢቡ ንምብትታን ተቓሪቡ ስለዘሎ፤ ናይ ተቓወምቲ ውድባት መጥቓዕቲ ተተሓዊስዎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ነዊሕ ኣይከርምን ኢዩ  ዝብል ኢዩ።

ክልቲኦም መንግስታት ውድቀት ናይ ሓድሕድን ፖለቲካዊ ስልጣንን ዕምርን ሰልፍታቶምን ዘይኮነ ህዝባዊ ድሕነት ክልቲኦም ህዝብታትን ዞባዊ ርግኣትን ከቐድሙ ከምዝግባእ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

    Print       Email

You might also like...

    ምእንቲ ስልጡንን ሉዓላዊን ተቓውሞ

Read More →