Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣምባሳደር ተስፋማርያም (ወዲ ባሻይ) ‘ማሕዩር ናይ ገዛ’ ኮይኑ ኪጸንሕ ተወሲኑ።

By   /  July 18, 2017  /  Comments Off on ኣምባሳደር ተስፋማርያም (ወዲ ባሻይ) ‘ማሕዩር ናይ ገዛ’ ኮይኑ ኪጸንሕ ተወሲኑ።

    Print       Email

ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ዝነበረ እምባሳደር ተስፋማርያም ወዲባሻይ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር  ኪጸንሕ ተወሲኑ።

ኣምባሳደር ተስፋማርያም ቅድሚ 9 ኣዋርሕ ኣቢሉ ን’ኣኼባ’ ተባሂሉ ንኣስመራ ብሃንደበት ከምዝተጸወዐ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ‘ብልሽውና’ ብዝብል ክሲ ተኸሲሱ ንማእሰርቲ ክኣቱ ተፈሪዱ ነይሩ። ይኹን ግን ፕረዚደንት ኢሳያስ ‘ኣይትእሰርዎ ናይ ገዛ ማሕዩር ኮይኑ ይጽናሕ’ ክብል ስለዝኣዘዘ ናይ ገዛ ቅዩድ ኮይኑ ኣሎ።

ምስ ኣምባሳደር ተስፋማርያም ጽልእን ቅርሕንትን ዝነበሮም ሓለፍቲ ጉዳያት ወጻኢ፤ ሃገራዊ ድሕነትን፤ኣቶ የማነ ገብረኣብን ነቲ ክሲ ኣወሃሂዶም ናብ ማእሰርቲ ንምድርባዩ ብርቱዕ ጻዕሪ ከምዝገበሩ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፤ ፕረዚደንት ኢሳያስ መንቀሊኡ ርዱእ ብዘይኮነ ምኽንያት ኣምባሳደር ተስፋማርያም ከይእሰር ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ክሲ ካብ እስራኤል ካብ ዝተጠረዙ ኣስታት 3000 ኤርትራውያን ካብ ነብሲወከፎም ብዘይዝኾነ ቅብሊት 300 ዶላር ብድምር 900 ሽሕ ዶላር ወሲዱ ዝብል ኢዩ።  ብዘይካ እዚ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብርክት ዝበለ ምስ ገንዘብ ዝተኣሳሰረ ቅብሊት ዘይርከቦም ኣታዊታት ጌሩ ዝብል ክሲ እውን ይርከቦ።

ብኻልእ ወገን ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ብልሽውና ዝበሃል ክሲ ብቐንዱ ንፖለቲካዊ መጋበርያነት ዘገልግል መሳርሒ ካብ ዝገብሮ ነዊሕ እዋን ኣሕሊፉ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ ትርጉም ብልሽውና ስርቂን ምጥፍፋእን ነይሩ እንተዝኸውን ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወትን ጀነራል ፍሊጶስን 44 ግዜ ምተኣስሩ ክብሉ ገሊጾም።

 

    Print       Email

You might also like...

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ወተሃደራዊ ግጭት ይቕጽል ኣሎ።

Read More →