Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  ዜናታት  >  Current Article

ብዙሓት ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ንብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ደሞዞም ከምዘይተኸፈሉ ተሓቢሩ።

By   /  July 5, 2017  /  Comments Off on ብዙሓት ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ንብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ደሞዞም ከምዘይተኸፈሉ ተሓቢሩ።

    Print       Email

እቶም ኣሃዱታት ንምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ከምዝሓበርዎ ምኽንያት ናይ ደሞዞም ዘይምኽፋሉ ዝኾነ ምኽንያት ከምዘይተዋህቦም ተሓቢሩ።

ከም ሳዕቤን ናይዚ ደሞዝ ዘይምኽፋል ብዙሓት ካብ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጽበያ ስድራቤታት ምሸታዊ ኣብ ተኸዊልካ ምልማን ተዋፊረን ምህላወን ተገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ከቢድ ናብራ መዝሚዙ ንቡዙሓት ስድራቤታት ናይ እዝኒ ኮይኖም ኪኽተቡ የስድዕ ምህላዉ ተሓቢሩ። በዚ መሰረት ብፍጹም ክግመቱ እውን ዘይክእሉ ብርክት ዝበሉ ቃርማታት ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ተዘርጊሖም ምህላዎም ተፈሊጡ።

ናይዚ ተርእዮ ኣብዚ ቅንያት እዚ ብብዝሒ ቃርማታት ኣብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፤ ምምሕዳራት ንኡስ ዞባ፤ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ተኸቲቦም ምህላዎም ተፈሊጡ። ብዘይካ እዚ ኣብ ቤተ ክርስታያን ተዋህዶ ብስም ሰራሕተኛታት ብዙሓት ቃርማታት ተኸቲቦም ምህላዎም ተገሊጹ።

ኣብ ለይታዊ ትልሂት ሰባት ሰኺሮም ዝዛረብዎ ዝምዝግቡ እውን ብብዝሒ ተዋፊሮም መዓልታዊ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ይሓድሩ ምህላዎም እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

 

    Print       Email
  • Published: 3 weeks ago on July 5, 2017
  • By:
  • Last Modified: July 5, 2017 @ 1:31 am
  • Filed Under: ዜናታት

You might also like...

ብፕረዚደንት ኢሳያስን ስድራቤቱን ዝውነን ኣብ ቀጠር ዝርከብ ገንዘብን ጥረ ወርቅን  ናብ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ንምግዓዙ ሃቐነ ይካየድ ኣሎ።

Read More →