Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሓርነት ዘጎናጽፍ መርሓ ጎደናን ውዳበን የድሊ ኣሎ

By   /  July 31, 2017  /  Comments Off on ሓርነት ዘጎናጽፍ መርሓ ጎደናን ውዳበን የድሊ ኣሎ

    Print       Email

ኣብ ኤርትራ ኣዚዩ ምእኩል፤ ናይ ሓደ ሰብ ምልካዊ ምሕደራ ነጊሱ፤ ህዝብን መሬትን ዝዳንዮም ቅዋም ተጓሒፉ፡ ከባቢኣዊ፡ባይቶኣዊ ይኹን ሃገራዊ ምርጫታት ብፍጹም ተኣጊዶም፤ ሓጋጊ ኣካል ይኹን ወካሊ መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ስርዓት፤ ልዕልና ሕጊን ተቓውሞን ምስተዳህኩ፤ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ እንኮ ዝተገድፈሉ ኣማራጺ፤ ማለት ሰላማዊ ተቓውሞ ካብ ዝሰጋገር ብዉሑዱ ክልተ ዕቑድ ሓሊፉ ኣሎ።

ሰፊሕ ዕማም ተሳሊጡ ኣሎ

ከም ውጽኢት ናይዚ ዓመጽን ብድሆ ንዓመጽን፤ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ሃገራት ወጻእን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ኣንጻር ስርዓት ኤርትራ ዝግበር ተቓውሞ፤ ብዓይነትን፤ ዓቐንን እንዳበረኸ ብትሕዝቶ ድማ እንዳዓሞቐ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ ሰፊሕ ዕላማታት ብምቕማጥ፤ ኣብ ገለ ክፋል እውን ክሳብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምክያድ፤ ንምልካዊ ስርዓት ንምስዓር ሓያል ጻዕሪ ከካይዳ ምጽነሐን ድማ ናቱ መርኣያ ኢዩ።

ብዝተፈላለዩ ውድባትን ሞያውያንን ዝካየዳ መራኸቢ ብዙሃን፤ ነቲ ሃገራዊ ድሕነት ናይቲ ስርዓት ጸሓይ ከይወቕዖ ብሕሱማት ሓይልታት ዝሕልዎ ኣእሙራኣዊን ኣካላውን ምስጢራቱ ብምቅላዕ፤ ንህዝቢ ንቕሓቱ ዘበርኽ ፕሮግራማት ኪዝርገሓ፤ ሓያል ድምጺ ናይቲ ድምጹ ተዓቢሱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብሙኳን ወጽዕኡ ክነግራ ጸኒሐን ኣለዋ።

ሲቪካውያን ማሕበራት፤ ምንቅስቓስ መንእሰያት ደቅንስትዮን ሞያውያንን፤ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዓመጽን ሰብኣዊ ግህሰትን ብምቅላዕ፤ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣህጉራዊ ኩነነን ጸቕጥን ከምዝፍጠር ብምግባር ዝነኣድ ተራ ይገብራ ኣለዋ።

ፍትሓዊ መቓን መጻኢት ኤርትራ ተተኺሉ ኢዩ

ሳላ እዚ ውሁድ ጻዕሪ ድማ ቀጽሪ ተቓውሞ፤ እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት፡ ብኻልእ ናይ ዜጋታቱ ሰብኣዊ ክብረት ዘኽብር ስርዓት ንምትክኡ ዘኽእል መጠናዊ ሰረት ኣንጺፉ ኣሎ። ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያንን ማሕበራትን ብዘካየደዎ ንጡፍ ምንቅስቓስ፤ ህዝቢ፤ ገዛእ ርእሱ ከመሓድር፡ ልዕልና ሕጊ ከንግስ፡ ሰብኣዊ ክብረቱ ከዕዝዝ፡ ብልጽግናን ምዕባለን ክጓናጸፍ ንዘለዎ ዘይጓነ መሰረታዊ መሰል ዝሕሉ፡ንናይ ጽባሕ ኤርትራ ዝኸውን፤ ፍትሓዊ የዕኑድ ተኺሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ ታሪኹ ሓራ ፖለቲካዊ ስርዓት ርእዩ ዘይፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ፤ ኣብ ደገ ብዝተረኸበ ዕድል ተጠቒሙ፤ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ወዲቡ፤ ንዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣልዩ፤ ብህዝቢ ናይ ህዝቢ ዝኸውን ዴሞክራስያዊ ስርዓተ መንግስቲ ንምትካል ዘኽእሎ መቓን ሃኒጹ ኣሎ።

ሳላ ጻዕሪ ቀጽሪ ተቓውሞ ሚዛን ሓይሊ ተቐይሩ ኢዩ

ዋዕላታት ኣዲስ ኣበባ፤ ፍራንክፈርትን ናይሮቢን፤ ሰፊሕ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫን ኒዩዮርክን፤ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ዘተ፤ ውዳበታት ደቀንስትዮን መንእሰያትን ቀጽሪ ተቓውሞ በቲ ሓደ ወገን፤ በቲ ካልእ ወገን ድማ  ምፍሻል ዋዕላታት ህግደፍ ኣብ ነዘርላንድስ፤ ሙቕራር ኣኼባታት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ፤ ወዘተ እቲ ስርዓት ብሓይሊ ደለይቲ ፍትሒ ነቕነቕ ከምዝበለን ሚዛን ሓይሊ ውዱዕ ኩነታት ንረብሓ ፍትሓዊ ባህጊ ይቕየር ምህላዉን ዝምስክር ሓቕታት ኢዩ።

እቲ ንሞት ስርዓት ኤርትራ ዝጸዓረ ቀጽሪ ተቓውሞ፤ ትንፋስ ስርዓት ኤርትራ ዝሶኽዕ ዘሎ ሓይሊ ኮይኑ ኣሎ።

ይኹን ግን ቀጽሪ ተቓውሞ ሞት ናይቲ ስርዓት ከአውጅ ዘኽእሎ ዕዮ እንዳሰርሐ፤ በቲ ካልእ ወገን ነቲ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ዘሎ ስርዓት ትንፋስ ዝሰኩዕ ታሪኻውን ስትራተጂካውን ጌጋታት ይፍጽም ኣሎ።  እቲ ዓቢ ሕቶ ዘንቅል ሓቂ ድማ እዚ ንሞትን ትንፋስን ናይቲ ስርዓት ዝሰርሕ ዘሎ ኣካይዳ ናይ ቀጽሪ ፍትሒ ኢዩ።

ስለምንታይ ኢዩ እቲ ንጥፍኣት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ብትግሃት ዝዓዩ ዘሎ ቀጽሪ ተቓውሞ፤ ህይወት ናይቲ ንምጥፍኡ ዝጽዕር ዘሎ መላኺ ስርዓት ዝሶክዕ ጌጋታት ዝፍጽም ዘሎ፤ ስለምንታይ ኢዩ ቀጽሪ ተቓውሞ ምስናይ ኩሉ ሓይሉ፤ ነቲ ባዕሉ እውን እንተኾነ እዋን ሞቱን ዓሱሩን ከምዝኣኸለ ኣሚኑ ናብ ዘይሰርሕ (dysfunctional) ግኡዝ ተቐይሩ ዘሎ ስርዓት ካብ ስልጣን ክኣልዮ ዘይከኣለ።

ስለምንታይ ኢዩ እዚ ብደዉ ዝሞተ ስርዓት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ክኢሉ ዘሎ እሞ ኸኣ ንሓጺር  ግዜ ዘይኮነስ ንልዕሊ 20 ዓመታት። ቀጽሪ ተቓወምቲ`ኸ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ብውሽጢ ዝቦዅቦኸ ስርዓት፡ ስለምንታይ ኢዩ ገጢሙ ዘይኣለዮ፤ ስለምንታይ ኢዩ ቀጽሪ ተቓውሞ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ህዝቢ ዓለምን ከምዝሓሸ መተካእታ ንክልለ ዘይበቕዐ?መልሲ ናይኩሎም ሕቶታት ሓደን ንጹርን ኢዩ።

ምንጪ ዕምሪ ስርዓት ኤርትራ፤ሓይሊ እቲ ስርዓት ዘይኮነስ ድኻም ቀጽሪ ተቓውሞ ኢዩ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ክኢሉ ዘሎ፡ ሓይሉ ብዝፈጠሮ ዓቕሚ ዘይኮነስ፤ ቀጽሪ ተቓውሞ ብዝገበሮ ነቲ ስርዓት ዕምሩ ዘናውሕ ታሪኻውን ስትራተጂካውን ጌጋታት ኢዩ። እቲ ስርዓት ከምዝሞተ ካልእ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ንብዙሓት ሰባት ገበርትን ሓደግትን ዝመስልዎም ሰፍ ዘይብሉ ሓለፍቲ፡ ባዕሎም ይሕብሩ ኣለዉ።እረ ዝበዝሑ ካብኦም ብወገና እንታይ ክንገብር ኣዝዙና ኢሎም ብወግዒ ይሓቱ ኣለዉ።

እቲ ስርዓት እንኮ ትንፋስ ኮይንዎ ዘሎ ሓይሊ፡ ድኻም ቀጽሪ ተቓውሞ ኢዩ። ቀጽሪ ተቓውሞ ሓንሳብ ዘይኮነስ ብተደጋጋሚ ኣብ ገዛእ ኣእጋሩ ዝቱኩስ ሓይሊ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ሽሕ’ኳ ብዙሓት ካብቶም ኮነ ኢልካ ዝፍጸሙ ጌጋታት መንግስቲ ኤርትራ ብዘስሎኾም ሉኡኻት ዕንወት ዝትግበሩ ይኾኑ፤ ቀጽሪ ተቓውሞ፤ ሃሱሳት ብቐሊሉ ዝሶልክዎን ዝምእዝንዎን ሰንኮፍ ውዳበን ኣተሓሳስባን ምፍጣሩ፡ ናይቲ ሳዕቤን ቀዳማይ ተሓታቲን ግዳይን ይገብሮ።

ነቶም ስለ ኤርትራ ዝተበጀወ ሰማእታት ዘከሻመሸ፤ ስለ ኤርትራ ኢየ ዝዓዩ ዘለኹ ክብል ኣየምሕረሉን

ንኤርትራ ካብ ምልኪ ከድሕና ኢየ ዝብል ወገን፤ ነቶም ነታ ሃገር ዘምጽእዋ ሰማእታት ከናሹ እንተውዒሉ፤ ህዝቢ ኤርትራ ‘ካብዞም ሰማእታትና ዝዳፈሩ ዝመጽእ ፍትሒ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ’ እንተበለ ዘየብል ኣይኮነን።

ገዘኦም እንዳነደደ ብዛዕባ ሕብሪ ሳሎኖም እንታይ ኪኸውን ኢዩ ዝዛረቡ ሰባት ፡ብዉሑዱ ቀዳምነትን ኣገዳስነትን ናይ ምልላይ ሽግር ዘለዎም ኢዩ

ኤርትራ ብዓመጽን ግፍዕን እንዳተረመሰት፤ ህዝባ ብሕሰምን ስቓይን እንዳተዳህከ፤ ቀይሕን ሰማያውን ኢልካ ብባንዴራ ዕርዲ ኩናት ምሓዝ ንህዝቢ ብዘይካ ‘ካብዚኦምሲ ትሩፍ’ ከብሎ ዝኽእል መልእኽቲ ምልኣኽ ካልእ ዘሕልፎ ቁምነገር የልቦን። ኣሕዋት ገዛኦም ምስ ወለዶም ብሓዊ እንዳነደደ፤ ነቲ ዝነድድ ዘሎ ገዝኦምን ኣብ ውሽጡ ዝሓሩ ዘለዉ ስድራቤቶምን ኣብ ክንዲ ምድሓን፤ ነቲ ሓዊ ምስ ኣጥፋእናዮ ኣነየ ዝወርስ፡ መደቀሲ ቀይሕ ሕብሪ ኢና ንለኽዮ፤ ኣይፋሉን ሰማያዊ ሳሎን ኢና ንገዝእ  ኢሎም ክካትዑ ዝነድድ ዘሎ ገዛን ሰቡን እንተተሃሚኹ፤ ነቶም ሰባት ይትረፍ ከም መራሕቲ ለውጢ፡ ምስ ኣእምሮኦም ከም ዘለዉ ሰባት ቆጺሩ ሚዛንን ግምትን ክህቦም ዝኽእል ሰብ እንተሊዩ ውን ውሑድ ኢዩ። ለውጢ ዝኽእሉ ተኾይኖም ቅድም ነቲ ሰቢቡ ዘሎ ኣተሓሳስበኦም ኪቕይሩ ይግባእ።

ግዚኡ ሓሊፍዎ ዘሎ ለውጢ ዝረጋገጸሉ እዋን ሕጂ ኢዩ

ስለዚ ኣብዚ ናይዚ እዋን ውሁብ ኩነት፡ እቲ ግዚኡ ሓሊፍዎ ዘሎ ለውጢ ዝመጻሉ መዓልቲ ንምቅልጣፍን፡ እቲ ለውጢ በቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝወሃሃዶን ዘኽስቦን መገዲ ከምዝመጽእ ንምግባሩን፤ መልእኽቲ ህዝቢ ተሰኪሙ ዝዓዪ ቓልሲ የድሊ ኣሎ። ከምኡ ንምግባር ኪኽእል መታን፤ ቀጽሪ ተቓውሞ፡ ንነብሱ ብዘይ ንሕስያ ገምጊሙ፡ ነቲ ስርዓት ድማ ብርትዓዊ መዓቀኒ ለኪዑ ዘድምዕ ስትራተጂ ክሕንጽጽ ይግባእ።

መጀመርያ ናይ ውዳበ ንቕሓት ኢዩ። እዚ እዋን’ዚ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኸውን ሃገራዊ መድረኽ ብምፍጣር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓባራዊ ተሳትፎ ሓባራዊ ለውጢ ዘምጽእ ቃልሲ ከምዝኸውን ዝረጋገጸሉ እዋን ሙኻኑ ምእማን መጀመርታ ናይቲ መወዳእታ ኢዩ። ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ውዳበ ኢዩ።

ድሕሪ ውዳበ ዝስዕብ ብቑዕ መሪሕነት ምምራጽ ኢዩ። ናይ መዋእል ባህሊ ሓባራዊ ውሳኔን ምምሕዳርን ብምኽባር፡ ነቲ ንኹሎም ኤርትራውያን ብዘይወዓል ሕደር ዘድልዮም ዘሎ ለውጢ ዘምጽእ መደብ ንምሕንጻጽን ንምትግባሩን ሓባራዊ መድረኽ የድሊ። እዚ ብመሪሕነቱ ተኸዲዑ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንህዝቢ ዘይጠልም እኳደኣስ ንህዝቢ ኣብ ቅድሚት ሰሪዑ ዝመርሕ ቃልሲ የድልዮ ኣሎ። ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ድማ ኣብ እቲ ዝወሓደ ሓባራዊ ዕላማ ክትግበሩ ዝኽእሉ ኢዮም።

ሓባራዊ ዕላማ ማለት ግድን ሓደ ሙኻን ኣይማለትን

ሓባራዊ ዕላማ ማለት ግን ብተምሳለን ኣካልን ሓደ ሙኻን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ፍልልይ ኪህሉ ግድን ጥራሕ ዘይኰነስ ኣድላዪ ኢዩ። መኽንያቱ ንኹሉ ዝጠምር፡ ደሌትን ባህግን ኩሉ ዜጋ ዘማልእ ፖለቲካዊ መሰመር ስለ ዘየለ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ብዘይምቁራጽ ‘ሓደ ፖለቲካዊ ሓቂ፡ ሓደ ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ ሓደ ልቢ’ እናተባህለ፡ ንኹሉ ተቓውሞታት ወይ ፍሉይ ርእይቶ ምድሃኽ ኣማራጺ ዘይብሉ ምዃኑ ተነጊሩ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ግዳይ ናይዚ ጸቢብ ናይ ምልካውያን ስልቲ ኮይኑ ኢዩ።

ነዚ ዝተቓወመ ኩሉ ድማ ‘ከዳዕ’ ተባሂሉ ኩሉ መሰል ዜግነቱ ተሓሪሙን፡ ተዳጕኑን፡ ተገሪፉን ተቐቲሉን ኢዩ። ቀጽሪ ተቓውሞ እምበኣር፡ ፍልልያት ብምጽዋር፡ ነቲ መንገዲ ምልኪ ሒዙ ዘሎ ህግደፍ ከይተረፈ ንዘተን ምብህሃልን ብምዕዳም፤ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ነቲ ዝመረጾ ፖለትካዊ ዕላማ ኪለሰሉ መሰሉ ምዃኑ ብምኣምን፡ ነዚ ናይ ህዝቢ መሰል ምጥባቕ የድልዮ ኣሎ። ከምኡ ብምግባር ቀጽሪ ተቓውሞ ተጻዋርነት ከም መዓቀኒ ፖለቲካዊ ብስለትን፡ ጥምረት ህዝብን ክሰርሓሉ ይግባእ።

ናብቲ ሱርን ክብርን ምምላስ ኢዩ እቲ ፍታሕ!

ብሓሳባት ውልቀሰባት ወይ ጸበብቲ ጉጅለታት ምንባር ከምዘይከኣል ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ትእዛዝ ኣብ ምብህሃል፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሕነ ኣብ ሕልና ዝኣምን ህዝቢ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ባይቶ ኣሕዋት ብምምኽኻር ዝውስን፡ ካብ ንእሽቶን ካብ ዓብን፡ ካብ ሓያልን ካብ ድኹምን ልቦናን ጥበብን ዝቕበል ሕብረተሰብ’ዩ። ውሳኔታቱ ብምስትውዓልን ምክብባርን ዝበጽሖም፡ ዝዓዮ ዘበለ ስራሕ ከኣ ብምሉእ ተሳትፎ ወፈራ ኣሕዋት ዝዓምም ሕብረተሰብ’ዩ።

ነቲ ኣብ ሃገር ጸኒዑ ዘሎ ዓማጺ ምልኪ ምእላይ ዝ ብዘይካ ነዞም ክብርታት እዚኣቶም ብምሕያል ብኻልእ መገዲ ከምዘይሰልጥውን ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ህዝቢ’ዩ። ነዚ ስለዝርዳእ’ዩ እቲ ምልካዊ ጉጅለ ህዝቢ ኤርትራ ኸይሓብር ቀንዲ ዕላማኡ ጌሩ ዝሰርሕ። ብዘይፍቓድ ሓፋሽን ሓይልታት ምክልኻሉን ዝጸንዕ ምልኪ ስለዘየሎ፡ ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ድምጺ ለውጢ ኽርኢ ዝውስነሉ መዓልቲ፡ እቲ ምልኪ ብዘይምልክት ክበንን ምዃኑ ርጉጽ ሓቂ’ዩ።

 

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →