Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሃገራት ብቴክኖሎጂን ሰደድ ፍርያተንን ኣብ ዓለም የበርክታ ስርዓት ኤርትራ ድማ ብምእሳርን ምኽትካትን ተመኩሮ ዘለዎ ተባሂሉ ብሃገራት ኣዕራብ ናይ የመን እሱራት ንምእንጋድ ይምረጽ።

By   /  July 5, 2017  /  Comments Off on ሃገራት ብቴክኖሎጂን ሰደድ ፍርያተንን ኣብ ዓለም የበርክታ ስርዓት ኤርትራ ድማ ብምእሳርን ምኽትካትን ተመኩሮ ዘለዎ ተባሂሉ ብሃገራት ኣዕራብ ናይ የመን እሱራት ንምእንጋድ ይምረጽ።

    Print       Email

‘ዓለም ቁሸት ትኸውን ኣላ’ ዝብል ኣገላልጻ ካብ ዝዝውተር ጥራይ ዘይኮነስ ሓቅነቱ ብሰፊሑ ካብ ዝረጋገጽ ነዊሕ እዋን ሓሊፉ ኣሎ። ኣብዛ ቁሸት ኮይና ዘላ ዓለም ድማ ሃገራት ነናተን ተዛማዲ ብልጫ ሒዘን ኣብ ዞባዊን ዓለማዊን ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ተውሳስቦ ኣበርክቶ ይገብራ፤ ብኡ መንጽር ድማ ሃገራዊ ረብሓአን ይሕልዋ።

ጃፓን ንኣብነት ብዘለዋ ናይ ኣውቶሞቲቭ ብቕዓት ኣብ ዓመት 4 ሚልዮን ዩኒትስ መካይን ንሰደድ ብምልኣኽ ክሳብ 86 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ትገብር። ህንዲ ካብ ቴክስታይል፤ ሃብቲ እንስሳን ካልእን ብእትገብሮ ሰደድ ልዕሊ 280 ቢልዮን ዶላር ዓመታዊ እቶት ትገብር። ህንዲ ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ወጻኢ ዝኸዱ ዘለዉ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታታ ኣብ ዝኸድዎ ዓዲ ብትምህርቲን ክእለትን ተወዳዳሪ ኣልቦ ኪኾኑ ዘኽእሎም ማእከል ከፊታ ህንዲ ርእሰ ከተማ ዓለማዊ ሰብኣዊ ጸጋታት ክትከውን ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲ ዘድሊ ፖሊሲን ትሕተ ቅርጽን ኣዋዲዱ ኣሎ።

ኣብ ዓለም ተወዳዳሪ እትኸውን ግን መጀመርያ ብህዝቢ ዝተመረጸ ንህዝቢ ዝሰርሕ ከምኡ እንተዘይገይሩ ድማ ብህዝቢ ዝቕየር መንግስቲ ምስ ዝህሉ ኢዩ። እዚ ስርዓተ ምቅይያርን ሃገራዊ ረብሓን ዝህሉ ድማ ህዝቢ ስለዝደለዮ ወይ መንግስቲ ስለዝምእምኦ ዘይኮነስ፤ እቲ ንህዝብን መንግስትን ሃገርን ዝተምርን ዘነባብርን ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ቦትኡ ምስዝህሉ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ቅዋም ስለዝየልቦ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ሃገራዊ ረብሓን ህዝባዊ ዕላማን ዘውሕስ ቅዋማዊ ስርዓት የሎን። ኤርትራ ኣብ ዓለም ብምልካውነት፤ ግዱድ ዕስክርና፤ ፖሊሳዊን ጸጥታዊን ጭፍለቓ፤ ካብ ስልጣን ምልቃቕ ዝሓንገደ ፕረዚደንት፤ ናብ ወጻኢ ብዝፈልሱ መንእሰያት ኢያ እትፍለጥ። ዝለዓለ መለልይኣ ድማ ብዘይፍርዲ፤ ብዘይ ሕጊ፤ ብዘይ ዝኾነ ፍትሓዊ መስርሕ ኣብ ጎዳጉዲ ዝበልዩ ዘለዉ መሳኪን ህዝባ ኢዮም። እዞም ህጻናት ሕንጫላት ከይተረፉ ዝርከብዎም እሱራት ፥ ብዘይ ዋና ንሳዲስት ባህሪ ናይ ሓደ ሰብኣይ ከዕግቡ ክብሉ ዝተኣስሩ ኢዮም።

ክንዲ ዝኾነ ሎሚ ኤርትራ ንዓለም እተበርክቶ ዘላ ነገር እንተሎ ሽግርን መከራን ጥራይ ኢዩ። እዚ ሽግርን መከራን ዝፈጠረ መንግስቲ ድማ በቲ ዝመለኾ ቋንቋ ምእሳርን ምኽትካትን ከም ኤክስፐርት ተወሲዱስ ምእሳርን ምኽትካትን ንሰደድ ዝልእኽን እታው ዝገብርን ስርዓት ኮይኑ ብሃገራት ኣዕራብ ተመሪጹ ኣሎ።

ከም መርኣያ ናይዚ ኣብ የመን ወራር ፈጺሞም ዘለዉ ሃገራት ኣዕራብ ንኤርትራ ናይ ማእሰርቲን መግረፍትን መሬት ክትከውን ሓርዮማ ኣለዉ። ከምቲ በዓል ህንዲ ብናይ ተክኖሎጂ ሓበሬታ ክእለተን ኣብ ዓለም ዝተፈልጠኦ፤ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ብናይ ምእሳርን ምጭፍላቕን ‘ብቕዓቱ’ ኣብ ዓለም ተፈሊጡስ ነቲ ዕዮ ብዘይተወዳዳሪ ተመሪጹ ኣሎ።

ማዕከናት ዜና ምዕራብ ይጠቕስዎ ከምዘለዉ ሕቡራት ኢማራትን ስዑድያን ክኣስርዎምን ኪቕጥቅጥዎምን ንዝገፈፍዎም ዜጋታት የመን፤ ናብ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይልእክዎም ኣለዉ።

ሃገርካ ከም ቻይና ብእትልእኮ ተክነሎጂ፤ ከም ጀርመን ብእትልእኮ ናይ ተለኮሚኒከሽን ምህዞታት ፤ ከም ግሪኽ ብእትልእኮ ዘይቲ ኣውሊዕ፤ ወላ ውን ከም ሶማልያ ብእትልእኮ ፈሓም ደኣ ክትፍለጥ ይግባኣ እምበር፤ ከም ኤርትራ ናብ ወጻኢ ቀጥቂጣ ብእትሰዶም ደቃ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘይፍርዲ ብእትኣስሮም ሕንጫላት ክትፍለጥ ዘሕዝን ኢዩ። እቲ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ሙኻንካ ዘሕዝን ግን ሃገርካ ናይ ካልኦት ዜጋታት መቐጥቀጢን መእሰሪን ቦታ ኮይና ክትምረጽ ከላ ኢዩ።

ቀደም ዘበነ መግዛእቲ ጥልያን ኤርትራ ዝበለጸ ዓሳ እትልእኽ ዝነበረት ሃገርና፤ እዛ ዝበለጸ ቆርበት ንሰደድ እትልእኽ ዝነበረት ኤርትራና፤ እታ ዝበለጸ ወይኒ ደቅምሓረ እተፍሪ ዝነበረት ዓድና፤ እታ ዝበለጹ ተጻወቲ ስፖርተኘታት፤ ዝነፍዑ ተማሃሮ እተፍሪን እተሰልጥን ዝነበረት ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ብናይ ምእሳርን ምቕጥቃጥን ክእለታ ብሃገራት ኣዕራብ ተመሪጻ ኣላ።

ሎሚ እቲ ቅድሚ 70 ዓመታት ዝነበራ ብቕዓት ናይ ሰማይ ደበና ኮይንዋ ኣሎ። ሎሚ ድሕሪ 70 ዓመታት መሳቱኣ ናብ ጠፈር ሮኬት ይውንጭፋሉ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ኤርትራ ወንጭፋ ኣብ ዝባን ህዝባ ተውዕል ኣላ። ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብቴክኖሎጂ እትሕምበብ ብናይ ምእሳርን ምቕጥቃጥን ክእለታ ኣብ ዓለም ክትምረጽን ናይቶም ባዕሎም ኢዶም ከየበላሽዉ ሰባት ክእሰሩ ዝወሰኑ ሃገራት መጋበርያ ክትካውንን ምርኣይ ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ።

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →