Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

7 ፖሊስ ካብቲ ተኣሲሮሙሉ ዝነበሩ ቦታ ፈንጢሶም ከምዘምለጡ ተሓቢሩ። 

By   /  June 19, 2017  /  Comments Off on 7 ፖሊስ ካብቲ ተኣሲሮሙሉ ዝነበሩ ቦታ ፈንጢሶም ከምዘምለጡ ተሓቢሩ። 

    Print       Email

እቶም ኣባላት ሓይሊ ፖሊስ ዝነበሩ እሞ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ፖሊስ ብዕለት 12 ሰነ ኢዮም ካብ ቤትማሰርቲ ኣምሊጦም ተሰዊሮም። እቶም ዘምለጡ ፖሊስ ኣብ ከባቢ እምዳ ኦሞ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሰምበል ተኣሲሮም ዝነበሩ ሙኻኖም ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ኣብ ሰዓታት ለይቲ መሳኩቲ ብምስባር ከምዘምለጡ ሓቢሮም።

እቶም ፖሊስ ንባዕሎም እሱራት ኣህዲምኩም ምስ እሱራት ተደናጊጽኩም፤ ናይ ፖሊስ ምስጢር ኣውጺእኩም  ብዝብል ክሲ ካብ ሰለስተ ዓመት ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ተፈሪዶም ዝነበሩ ኢዮም።

ምምሕዳር ዞባ ማእከል ን16 ስድራቤታት መስዋእቲ ደቆም ዝነግር መርድእ ከምዝሃበ ተገሊጹ።

ከም ልሙድ መንግስቲ ኤርትራ ሕንሕነ እቶም ዝሃደሙ ኣባላት ፖሊስ ናብ ስድራቤቶም ብምውራድ ስድራቤት ናይቶም ዘምለጡ ፖሊስ ኣብ 4ይ መደበር ኣሲርዎም ምህላዉ ተሓቢሩ። 

ኣብቲ  ብፍሉይ ኣባላት ፖሊስን ጸጥታን ዝእሰሩሉ መዓስከር ሰምበል ክሳብ 300 ዝኾኑ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ምስጢር ኣውጺእኩም ኮብሊልኩም ምስ ተቓወምቲ ውድባት ምትእስሳር መስሪትኩም ብዝብል ክሲ ተኣሲሮም ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ንኣባላት እቲ ቤት ማእሰርቲ ጠቒሶም ሓቢሮም። ገለ ካብቶም እሱራት ብኸቢድ ሰንሰለት ዝተኣስሩን ሃገራዊ ድሕነት ባዕሉ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸይድ ፍርዲ ከምዝሃቦምን ተሓቢሩ። 

    Print       Email

You might also like...

 ምውጻእ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስን ዝነበረ መስርሕን

Read More →