Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  እዋናዊ ጉዳያት  >  Current Article

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ‘ንመሪሕነት መድረኽ ዝእድብ’ ዝበሎ ‘ስጉምቲ ክውሰድ’ መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ተረጋጊጹ።

By   /  June 15, 2017  /  Comments Off on ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ‘ንመሪሕነት መድረኽ ዝእድብ’ ዝበሎ ‘ስጉምቲ ክውሰድ’ መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ተረጋጊጹ።

    Print       Email
ኣብዚ ሳልስቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ‘ንመሪሕነት መድረኽ ዝእድብ’ ዝበሎ ስጉምቲ ክውሰድ’ መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። 

እቲ ‘ዝእድብ ስጉምቲ’ እንታይ ሙኻኑ ዝርዝራት የብሉን። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣስማት መሪሕነት መድረኽ በብሓደ እንዳጠቐሰ፤ ‘ነዞም ሰባት ኣፎም ዘትሕዝ ዘየዳግም ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ’ ምባሉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፤ እቲ ፕረዚደንት ነቲ መምርሒ፤ ኣብ ቅድሚ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት፤ ኣዘዝቲ ሰራዊት፤ ኣባላት ሓለዋ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዳርጋ ኣብ ክፉት ቦታ ክብሎ ምምራጹ ምኽንያቱ ርዱእ ከምዘይኮነ ሓቢሮም። 

 
ንዕኡ ስዒቡ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣምባሳደር ኤርትራ ‘ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ መድረኽ ዝግባእ ስጉምቲ ክንወስድ ተዳሊና ኣሎና’ ክብል መግለጺ ምሃቡ ዝሓበሩ ምንጭታት፤ ንሱ እውን ስለምንታይ ኣብ ቅርዓት ወጺኡ ከምኡ ክብል ከምዝተኣዘዘ ዝተፈለጠ ነገር የሎን። 
    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ብሰደድ (Export) ዝልእኮ ሓደ ነገር ጥራይ ኢዮ – ስደተኛታትን ሕሰሞምን።

Read More →