Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ዋንነት ናይ ስዉእ መጀር ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ሙኻኑ ዝእመነሉ ኣባይቲ ብዕለት 2 ሰነ 2017 ብጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ከምዝተዓሸገ ተፈሊጡ።

By   /  June 13, 2017  /  Comments Off on ዋንነት ናይ ስዉእ መጀር ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ሙኻኑ ዝእመነሉ ኣባይቲ ብዕለት 2 ሰነ 2017 ብጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ከምዝተዓሸገ ተፈሊጡ።

    Print       Email
ዋንነት ናይ ስዉእ መጀር ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም ውጩ ሙኻኑ ዝእመነሉ ኣባይቲ ብዕለት 2 ሰነ 2017 ብጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ከምዝተዓሸገ ተፈሊጡ።
እቲ ኣባይቲ 2 ኮይኑ ኣብ ክልተ ከባቢታት ኣስመራ ማለት ኣብ ከባቢ ቪላጆ ጥቓ ፋብሪካ እንዳ ዓለባን ኣብ ሓዝሓዝ ዝርከብ በዓል ክልተ ደርቢ ህንጻን ኢዩ። እቲ ዋንነት ናይ ስዉእ መጀር ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ሙኻኑ ዝእመነሉ ኣባይቲ; ብስም መብራህቱ ናይዝጊ እትባህለ ዜጋ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ ኮይኑ፤ ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ  ወልደዮሃንስ ኣብዚ ቅንያት ክዕሸግ ከምዝተኣዘዘ ተሓቢሩ። እቲ ኣባይቲ ‘ብምምሕዳር ዞባ ማእከል ተዓሺጉ’ ዝብል ማሕተም ዝሓዘ ወረቐት ከምእተለጠፎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።
ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ምስ መጀር ጀነራል ገረዝግሄር ውጩ ከቢድ ምትህልላኽ ዝነበሮ ሙኻኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብዚ እዋን እዚ ጀነራል ፍሊጶስ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ እዋኑን ስልጣኑን ናብ ውልቃዊ ጽልኡን ቅርሕንታቱን የውዕሎ ምህላዉ ተፈሊጡ። ዳርጋ መዓልታዊ ካብ ምትህልላኽን ጽልእን ቅርሕንትን ዝብገስ ማእሰርቲ ሰባት ወይ ውን ብጉቦን ብዕልግናን ዝተበገሰ ምፍታሕ እሱራት ከምዘካይድ ተፈሊጡ።
ቅድሚ ገለ ዓመታት ጀነራል ፍሊጶስ ‘ውጩ ኣብ መቓብሩ ውን ከይተረፈ ቅሳነት ኪኸልኦ ኢየ’ ክብል ከምዝተሰምዐ ምንጭታት ይሕብሩ።
    Print       Email

You might also like...

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት መደብ ከምዘለዎ ይሕበር ኣሎ፡ ዛጊት እንታይ ተገይሩ ኣሎ፤ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ናበይ ገጹ ኪቐንዕ ይኽእል።(1ይ ክፋል)

Read More →