Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኩነታት ማእከላይ ምብራቕን መርገጺ መንግስቲ ኤርትራን – ንሱ ዘረጋገጾ ሓቅታትን

By   /  June 14, 2017  /  Comments Off on ኩነታት ማእከላይ ምብራቕን መርገጺ መንግስቲ ኤርትራን – ንሱ ዘረጋገጾ ሓቅታትን

    Print       Email

ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ሃገራት፤ ማለት ቀጠር በቲ ሓደ ወገን፤ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፤ ሕቡራት ኢማራት ሃገራት፤ ንግስነት ባሕረንን ሪፑብሊክ ግብጽን ድማ በቲ ካልእ ወገን ተኸሲቱ ዘሎ ምትፍናንን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጸ ስጉምታትን ንኤርትራ ብቐረባ ዝጸልዋ ኢዩ።

ንኩነታት ናይቲ ዞባ ብቐረባ ኪከታተል ንዝጸንሐ ወገን፤ እቲ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነት ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ምናልባት ዓቐኑን ቅልጣፍኡን ትጽቢት ዘይተገበረሉ ኪኸውን ዝከኣል እኳ እንተኾነ፤ ኣብ ዓንኬል ናይዞም ዝስዕቡ ምዕባለታት ምስ ዝረአ ባህርያዊ ክስተት ኢዩ።

ሃገረ ቀጠር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፤ ብዝያዳ ድማ ኣብ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዕቑድ፤ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዞባዊት ጎብለል ንሙኻን ዘኽእላ ስጉምታት ክትወስድ ጸኒሓ ኣላ። ከም ኣካል ናይዚ ስትራተጂ፤ ኣብ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ሃገራት ግብጺን ሊብያን ዝነበራ ተራ፤ ምስ ኢራን ዘይበተኸ ዝምድናታታ ፤ መደበር ኣልጀዚራ ንሃገራት ወሽመጥ ኣመልኪታ እተቕርቦ ነቓፊ ፕሮግራማት፤ ንዝተፈላለዩ ዕጡቓት ወይስ ግብረሽበራውያን (ከከም ኣመለኻኽታ ራኣዩ ዝወሃብ ስም) እትህቦ ደገፍ፤ ምስ ጎረባብቲ ኣብ ምትፍናን ኣእትይዋ ጸኒሑ ኣሎ።

ብፍላይ እታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ኣቦነት ተራ ብዘይሕቶ ናባይ ክግደፍ ኣለዎ ኢላ እትኣምን ንግስነት ስዑድያ፤ ድሕሪ ሞት ናይ እቶም ነታ ሃገር ሒዞማ ኣብ ኮማ ኣትዮም ዝነበሩ ነገስታት ዓብደላ ቢን ስዑድን፤ ፋሃድ ቢን ስዑድን፤ ኣብቲ ዞባ ዝግባኣ ክብሪ ንምምላስ ብመሪሕነት ንጉስ ሳልማን ንጡፍ ፖለቲካዊ ጸጥታዊን ወተሃደራውን ምንቅስቓስ ክትገብር ጸኒሓ ኣላ። እዚ ተበግሶ ምስታ ከም ካልኦት ሃገራት ምእዙዝነት ኣብ ትሕቲ ንግስነት ስዑዲ ከም ውሁብ ዘይትወስዶ ቀጠር፤ ኣብ ምትፍናን ኣእትይወን ጸኒሑ ኣሎ።

ብሰንኪ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ደኺሙ ዝጸንሐ  ዝምድናታት ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኣሜሪካን ምስ ምምጻእ ናይቲ ‘’ ረብሓታትና ክሳብ ዝተሓለወ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ስዑድያ ኣይንታይናን ኢዩ’ ኢሉ ናብታ ሃገር ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ትራምፕ ተደሚሩ፤ ንዞባዊ ሰፈር ስዑዲ ምትእምማን ዝፈጠረ ሙኻኑ እውን ኣየማትእን። እቲ ግጭት ምስተኸሰተ ፕረዚደንት ትራምፕ ‘ኣብቲ ዞባ ዝገበርክዎ ዑደት ፍረ ኣምጺኡ’ ዝብል ናይ  ትዊተር መልእኽቲ ምልኣኹ፤ እቲ ጉዳይ ኣብ እዋን ዑደት ናይቲ ፕረዚደንት ዝተዘረበሉ ሙኻኑ ዝእምት ሓቅታት ኣለዎ። የግዳስ እቲ ዘገርም ቀጠር ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መደበር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እተአንግድ ሃገር ሙኻና ኢዩ።

ኣብ ልዕሊ እዞም ምዕባለታት ኢማራት ምስታ 8ይቲ ክፍለ ሃገረይ ክትከውን ይግባኣ ኢላ እትሓስባ ቀጠር ዝጸንሓ ናይ ቀቢላ ግጭታት በቲ ሓደ ወገን፤ እቲ ብቀጠር ዝድገፍ ንዝነበረ ፕረዚደንት ሙርሲ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ኣሊዩ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ድማ በቲ ካልእ ወገን ዝምድናታቶም ምስ ሃገረ ቀጠር ክሕርፍፍ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ሓባራዊ ጸላኢ ዝፈጠረ ምትእኽኻብ ድማ ኢዩ ናብዚ ዝተራእየ ስጉምቲ ዘምረሐ።

ከም እተባህለ እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታት እምብዛ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ ርሑቕ ዘይኮነ እዋን ድማ ብዲፕሎማስያዊ መስመራት ማዕልቦ ከምዝግበሮ ርግጽ ኢዩ። እቲ እምብዛ ዘገርም (ምናልባት እውን ፕረዚደንት ኢሳያስ ድሕሪ 26 ዓመት ውን እንተኾነ ገና ናይ ዝምድናታት ወጻኢ ሀሁ ኣይመለኸን ዘብል) ናይ መንግስቲ ኤርትራ (ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስ) መርገጺ ኢዩ።

ያታታት ቀደም  ከዘንትዉ እንከለዉ ሰበይቲ ሰብኣያን ሰብኣይ ሰብኣያን እንተተባኢሶም፤ ምስ ሰብኣይ ሰብኣያ ኢያ ትውግን ይብሉ። ምኽንያቱ ክዝርዝሩ ከለዉ  ሰብኣያ ካብኣ ዝሓየለ፤ ሰብኣይ ሰብኣያ ግን ካብኣን ካብ ሰብኣያን ዝሓየለ ሙኻኑ ስለእትኣምን ንኸይትልከም መታን ስለእትፈርህ ኢያ ይብሉ። እቲ ዛንታ ንተራ ደቀንስትዮ ዘነኣእስ ብሙኻኑ ዝምረጽ ኣብነት እኳ እንተዘይኮነ፤ ነዚ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ክስተት ብልክዕ ዝገልጽ ስለዝኾነ ባህ ከይበለካ ዝዝከር ዛንታ ኢዩ።

መንግስቲ ቀጠር ኣብቲ ዝኸፍአ እዋን (ኣብ መንጎ ኩናት ኢትዮጲያን ኤርትራን) ከይተረፈ ብመንገዲ መራሒኣ ንኤርትራ ዝበጽሐት ሃገር ኢያ። ኣሚር ቀጠር ሓመድ ቢን ጃስም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ናይ ኣየር ዘይምጥቕቓዕ ሞራተርዩም እውን ከይተዋሕሰ ናይ ሓደጋ ውሳነ ብምውሳድ ክሊ ኣየር ኤርትራ በሪሩ  ዝመጸ መራሒ ኢዩ። እተን ዝርካበን ኣብ ኤርትራ ዝተገበራ ቁጠባዊ ተበግስቶታት ዘውፈረት፤ ኣብ መንጎ ጅቡቲን ኤርትራን ዶባዊ ግጭት ምስተላዕለ ሕውነታዊ ሽምግልና ዝገበረት ሃገር ቀጠር  ኢያ።

ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፤ ብፍላይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ እዋን ቃልሲ ካብተን ውሑዳት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝደገፋ ሃገራት ኢያ። ንግስነት ስዑዲ ዓረብ እውን ክብን ለጠቕን ዝብል ዝነበረ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዝምድናታት እኳ እንተነበረ ኣብዚ እዋን እዚ ዝምድናታት ተስፍሕ ዘላ ሃገር ኢያ።

ስለዚ ድማ ኩለን ሃገራት ኣብ ዞባና ብዘለወን ጂኦ ፖለቲካዊ ስትራተጂን ታሪኻዊ ርክባትን ቁጠባዊ ጸጋታትን ንኤርትራን ህዝባን ዘገድሳ ኢየን። ንሓደ ወጊንካ ምስቲ ካልእ ምሽራው ድማ ብዲፕሎማስያዊ ኣሰራርሓ ርሑቕ ዘይጠመተ፤ ብስለት ዝጎደሎ፤ ከቢድ ጥልመት ዘንጸባርቕ ተግባር ኢዩ።

እዚ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነት ኣብ ዝተኸሰተሉ እዋን፤ ክልቲአን ወገናት ማለት ቀጠር በቲ ሓደ ወገን፤ ብስዑዲያ ዝምራሓ ሃገራት ድማ በቲ ካልእ፤ ንዝተፈላለያ ሃገራት ጸግዒ ክወስዳ ዘኽእል ጸቕጢ ክገብራ ጸኒሐን ኣለዋ። የግድስ ኩለን ሃገራት ንባይቶታተንን ካቢነ ሚኒስተራትን ብምምኻር፤ ዘይሻራዊ መርገጺ ክወስዳ እየን ወሲነን።

መንግስቲ ሱዳን እቲ ጉዳይ ብሰላማውን ዲፕሎማስያውን መንገዲ ክውዳእ ሽምግልና ኪገብር ተበግሶ ክወስድ ከሎ፤ እቲ 80 ሚልዮን ዶላር ከም ጉንዖ ናይ ኣምሳያ ሙቁራጽ ዝምድናታት ምስ ቀጠር ዝተመጠወሉ መራሒ ሶማልያ፤ መርገጺና ዘይሻራዊ ኢዩ ብምባል ነቲ ብንግስነት ስዑዲ ዝተገበረሉ ናይ 80 ሚልዮን ዶላር ቀረብ  ነጺግዎ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጲያ እውን ናይ ቐጠር ልኡኽ ንዝገበሮ ምሕጽንታ ምውጋን ብሙግሳይ ዘይሻራዊ መንገዲ ክትወስድ ኢያ ወሲና።

ኣብ ኤርትራ መንግስቲ፤ ባይቶ፤ ካቢነት ዝበሃል የልቦን። ሓደ ሰብኣይ ቆልኡ ከምዝኣዘዞ ናይ ሰላምን ኩናትን፤ ናይ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምቕጻልን ምብታኽን ስጉምታት ይወስድ። ከምኡ ስለዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ (ማለት ፕረዚደንት ኢሳያስ) ጽባሕ ንግሆ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል፤ ንህዝቢ ኤርትራ ዕዳ ዝኸውን፤ ዘይብሱል ስጉምቲ ወሲዱ ኣሎ። እቲ ውሳነ ብፍታው ዘይኮነስ ብግዴታ ኢዩ ተወሲዱ። ጠንቁ ድማ እቲ ናብ ካልኦት ሃገራት ዘንበርክኾ ዝቐደመ ውሳነታቱ ኢዩ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ንናይ ውልቁ ስልጣን ክብል ሉዓላዊ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ምስ ሸጠ፤  ሽዑ ኢዩ ናይ ኤርትራ ሉዓላውነት ሓርነትን ዝተሸጠ። ሎሚ ፕረዚደንት ኢሳያስ ክብረቱን ክብረት ሃገርን ናብ ዕዳጋታት ዱበይ ካይሮን፤ ጅዳን ስለዝውረደ፤ ሓራ ምርጫ ዘውስዶ ሓርነት ይኹን ክብረት የብሉን። ኢማራት ይትረፍ ምስ ቀጠር ኣብ ዘለዋ ዝምድና፤ ንኤርትራውያን ዓፋር ብነፈርቲ ኣብ ዝደብደበትሉ እዋን እውን እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ንገዛእ ህዝቡ ኪከላኸል ኣይከኣለን።ሉዓላውነት ኤርትራ ልክዕ ከም ዓሳታት ኤርትራ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱዎ ኢዩ። 

እቲ ዘሕዝን ግን ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ እዋን እዘን ሃገራት ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ክብላ ሙኻነን ኢዩ። እዘን ሃገራት ብንግስነት ዝመሓደራ መንግስታት እውን እንተኾና ባይቶ፤ ካቢነ፤ ትካላት ፖሊሲታት ዝበሃል ኣለወን። ንግስነት ስዑድያ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ዝእከብን ውሳነታት ዝወስደን ካቢነ ሚኒስተራት ኣለዋ። ኣብዚ መስርሕ ትካላውነት ተሞርኪሰን ድማ እዘን ሃገራት ፍልልያተን ከወግዳ፤ ቅድመ ኩነት ሐድሕደን ከማልኣ፤ ኣብ ማእከላይ መራኸቢ ክሰማምዓ ርሒብ ዲፕሎማስያዊ ባብን ተኽእሎን ኣሎ። ኣብ መስከረም ስሩዕ ኣኼባ ምትሕግጋዝ ሃገራት ወሽመት ኪካየድ ስለዝኾነ፤ ቅድሚ እቲ ዕለት ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ፤ ፈረንሳ ኣሜሪካ ኩዌት ዝርከበኦ ተበግስታት ይቕጽል ኣሎ። ብሓጺሩ ናይ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ጉዳይሲ መዓልቦ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ እዋን ክረአ ኢዩ።

እቲ ማዕልቡኡ ዘይረአ ዘሎ ናይ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ጉዳይ ኢዩ። ክሳብ መዓስ ኢዩ ሓደ ሰብኣይ ንኤርትራን ህዝባን ከም ናይ ድሕረ ገደና ግራቱ ከምድላዩ ክተኽላን ክቡንቁሳን? ክሳብ መዓስ ኢዩ ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ናበይ ትኸይድ ኣላ ዘይፈልጥ፤ ክሳብ መዓስ ኢዩ ህዝቢ ኤርትራ ባይቶ ይኹን ካቢነ ዝበሃል ዘይብሉ ኮይኑ ኪቕጽልን፤ ብቖለ ናይ ሓደ ሰብኣይ ዝመሓደር ህዝቢ ኮይኑ ክነብርን። ክሳብ መዓስ ኢዮም እቶም ብዉሑዱ ውሳነታት ቅድሚ ምውሳዶም ክዘራረቡሉን ክፈልጥዎን ዝግባእ ኣካላት መንግስቲ ከም ሰቦም ጉዳያት ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ክሰምዑ። ክሳብ መዓስ ኢዮም ሰፍ ዘይብሉ ሓለፍቲን ጀነራላትን ምስ ህዝቦም ኮይኖም ለይቲ ለይቲ ሽምዓ ወሊዖም ክሓምዩ ክነብሩ።

እዞም ንኤርትራ ዝምልከቱ ሕቶታት ንግዚኡ ኣብ ጠረጴዛ ክረአ ዝኽእል ውዱእ መልሲ የብሎምን። ሓደ ርጉጽ መልሲ ዝረኸበ ጉዳይ ግን ኣሎ። ካብዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታት ብዓቢ ክሳራ ዝወጽእ እቲ ኣብ ኩሎም ዝሳተፎም ጸወታታት ሰኣን ብስለቱ ብኽሳራ ዝወጽእ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢዩ። ኣፉ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን፤ ኢዱ ወስ ኣብ ዝበለሉ ወቕቲ፤ ወትሩ ዝጋገ ፖሊሲታቱ ኣብዚ ጉዳይ እዚ እውን ኣእዳዉ ብሓዊ ዘንድዶ መርገጺ ኣሳዊሩ ምህላዉ ኣብ ቀረባ እዋን ኪረጋገጽ ኢዩ። ይዋኣዮ እቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ!

    Print       Email

You might also like...

20 ዝኾኑ ኣባላት ዕደና ቢሻን ዛራን ካብ ስራሕ ተሶጊጎም፤ ስረሖም ብቻይናውያን ተተኪኡ። 

Read More →