Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኩሎም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ታዕሊም ዘይወረዱ መማህራን ናብ ታዕሊም ክወርዱ ሚኒስትሪ ምክልኻል ትእዛዝ ሂቡ። 

By   /  June 23, 2017  /  Comments Off on ኩሎም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ታዕሊም ዘይወረዱ መማህራን ናብ ታዕሊም ክወርዱ ሚኒስትሪ ምክልኻል ትእዛዝ ሂቡ። 

    Print       Email

እቶም መማህራን ብብቑዕ ምኽንያት ይኹን ብዘይብቑዕ ምኽንያት ብዘየገድስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ታዕሊሞም ዘይወድኡ ኩሎም ብግዴታ ካብ ዕለት 13 ሓምለ ጀሚሮም ናብ ሕምብርቲ ክወርዱ ከምዝግባእ እቲ መልእኽቲ የዘኻኽር ወይ ውን ይእዝዝ።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈላለየ ብሰንኪ ጸገማትን ሕማምን ዘቋረጹ ሕማምም ብዘየገድስ ተለቒሞም  ናብ ሕምብርቲ ክወርዱ፤ ብናይ ሚኒስትሪ ምክልካል ሓኪም ምስተራእዩ ጥራይ ድማ ሕሙማት ሙኻኖምን ዘይሙኻኖምን ከምዝረጋገጽ እቲ መምርሒ ይሕብር።

ኣብዚ ዝመጽእ ዓመተ ትምህርቲ 2017/2018 መመህራን ኮይኖም ዘገልግሉ ኩሎም ሕጹያት መመህራንውን እዚ ናይ ሕምብርቲ ታዕሊም እንተዘይወዲኦም ከም መመህራን ኣፍልጦ ክወሃቦም ከምዘይግባእ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣዚዙ፤ በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ብቑዕ መምህር ተባሂሉ ኣፍልጦ ዝወሃቦ ብሰርቲፊከይት ናይ ምስልጣን መመህራን ዘይኮነስ ብመደበር ታዕሊም ሕምብርቲ ኪኸውን ኢዩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝርዝር ኣስማት ናይኩሎም ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ምድብ ዝኣትዉ መመህርና ከቕርብ ተኣዚዙ ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታት መድረኽ፤ ሚኒስትሪ ትምህርቲ  ከምቲ ዝተኣዘዞ መማህራኑ ኣሕሊፉ ንምሃብ  ብመንገዲ ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ፐርሰነልን ሊስታ ናይ ታዕሊም ዝብገሱ መማህርና የዳሉ ምህላዉ ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን ኩሎም ካልኦት መመህራን ድሕሪ ምዝዛም ዓመተ ትምህርቲ ኣብ ናይ ለይቲ ሓለዋ ክዋፈሩ ሚኒስትሪ ምክልኻል መምርሒ ኣሕሊፉ ኣሎ።

እዚ መምርሒ እቶም ናይ ለውጢ መሪሕ ግደ ክጻወቱ ዝኽእሉ መምህራንንን ተመሃሮን ኣብ እዋን ዕረፍቶም ኣንጻር መንግስቲ ዝካየድ ተቓውሞ ንኸይውድቡን፥ ብታዕሊምን ኣህላኺ ሓለዋታት ለይትን ዶቒስካ ንምሓዞም ዝዓለመ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝርከቡ ምንጭታቶም ጠቒሶም ገሊጾም።

ትምህርቲ  ኣብ ኤርትራ ካብቶም ወዲቑ ዘሎ ዓውድታት ኮይኑ ስለዘሎ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ወዲኡ ፍልጠት ቀሲሙ ህይወቱ ክመርሕ ዝሓስብ ሰብ ተሳኢኑ ብኣንጻሩ ዘዝተወልደ ቆልዓ ብስግረ ዶብ ናብ ሱዳንን ኢትዮጲያን ይሰግር ምህላዉ ይፍለጥ።

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →