Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሽሕ ኪሎ ሜተር ባሕሪ ዝውንን ግን ከኣ ዓሳ በሊዑ ዘይፈልጥ ህዝቢ!

By   /  June 21, 2017  /  Comments Off on ሽሕ ኪሎ ሜተር ባሕሪ ዝውንን ግን ከኣ ዓሳ በሊዑ ዘይፈልጥ ህዝቢ!

    Print       Email

ኣብ ዜናታትና ከምእተኸታተልኩሞ መንግስቲ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምእንቲ ስልጣኑን ሃብቱን ሉዓላውነት ዝሸይጥ ዓንዳሪ ፖሊሲኡ፤ ቀይሕ ባሕሪን ጸጋታቱን ናብ መንግስቲ ግብጺ ሸይጥዎ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ብሰነዳት ዝተረጋገጸ ሓበሬታ መንግስቲ ግብጺ እቲ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገፎ ዓሳ ኣብ ዕዳጋታት ግብጺ ስዑድያን ኢማራትን ድሕሪ ምዝርግሑ 41% ካብቲ እቶት ንመንግስቲ ኤርትራ ይኸፍል። እዚ ናይ ዓሳ መሸጣ ይኹን እቲ ንኣባላት ሓለዋ ሓይሊ ባሕሪ ዝወሃብ ገንዘብ ኣብ ኢድ ቁጠባዊ ጉዳያት ዝኣቱ ኮይኑ ልክዕ ከምቲ ካብ ወርቂ ቢሻ ዝርከብ እቶት ናበይ ይኸይድ ምህላዉ ዘይፍለጥ፤ እቲ ብሚልዮናት ዝቑጸር ዶላር መወዳእትኡ ናበይ ከምዝኸይድ ዝፍለጥ የልቦን።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን መንግስቲ ግብጺ ዓሳታት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ይገፈሉ ኣብ ዘሎ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕዳጋታቱ ቀረብ ዓሳ ስኢኑ ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነስ ኤርትራ ኩሉ ጸጋታት ንረብሓ ውሑዳት ንምሻጥ ህዝባ ግዳይ ጥሜትን ጸበባን ኮይኑ ምህላዉ ኢዩ።

ብሰንኪ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓማጺ ጉጅለ ህዝቢ ኤርትራ ፋሕ ብትን ኢሉ ንባዕሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዓሳ ክበልዖ እምበር፤ንሱ  ኣብ ዓዱ ብራህዋን ሰላን ኮፍ ኢሉ ዓሳ ክበልዕ ዕድል ኣይረኸበን።

ብመሰረት ወግዓዊ ጸብጻባት ዓለም፣ ኤርትራ ሳላ ማዕድናዊ ሃብታ ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን 3 ዝቐልጠፈ ቁጠባዊ ዕብየት ዘመዝግባ ሃገራት ዓለም ኪትከውን ምተገበአ። ጸብጻብ መጽሄት ኤኮኖሚክ ኢንተሊጀንስ ዩኒት ከምዝሓበሮ፣ ኣብ ልዕሊቲ ዝጸንሓ ናይ ነቭሰን ውዕል ወርቅን ዚንክን ነሓስን ኣብ ቢሻ ፣ምስ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዕደና ሳውዝ ቦልደር ፕሮጀክት ፖታሽ ኮሉሊ ፣ ምስ ናይ ቻይና ስፌኮ ድማ ከባቢ ሚእቲ ሚልዮን ዝግመት ፕሮጀችት ከምኡ እውን ኣብዚ ቅንያት እዚ ምስ ኣንድያሞ ኣሶሰሽን ዝተባህለ ኮርፖረሽን ኣብ ከባቢ ሃይኮታ ዕደና ይጅመር ኣሎ።

ብኣውርኡ በዚ ማዕድናዊ ሃብቲ ንዝርከብ ርእሰማል ተደጊፋ ኤርትራ ንቐጠርን ጋናን ስዒባ 17% ቁጠባዊ ዕብየት እንዳመዝገበት 3 ይቲ ዝሃብተመት ሃገር ኮይና ክትወጽእ ኢዩ ዝግባእ። እዚ ኣሃዛት ዚ ካብ ዓለማዊ መዛግብቲ ዝተረኸበ ኮይኑ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ማዕድናዊ እቶት ይኹን ካልእ ዝርዝራቱ ወግዓዊ መግለጺ ስለዘይረኸብና ኣብዚ ጸብጻብዚ ከነቕርቦ ኣይከኣልናን።

ብደረጃ ክለሰ ሓሳብ ከም ወርቂ፣ነሓስ፣ፖታሽ ዝኣመሰሉ ባህርያዊ ጸጋታት ቁጠባ ሃገር – ስለዚ ድማ ሰብኣውን ሃገራውን ምዕባለታት ዘሰስኑ ትዕድልቲ ‘’ምርቕቲ ‘’ ሃገርዮም።ብኣንጻሩ ተኾይኖም ድማ ጸጋታት መርገም ሃገር ተባሂሎም ይፍለጡ። ኣንጎላ ከም ኣብነት እንተወሰድና፣ እታ ሃገር ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝለዓለ ባህርያዊ ጸጋታት ዘለዋ ሃገራት ዓለምያ።ከም ኤርትራ ጸጋታታ ኣብዚ ቀረባ እዋን’ያ ዳህሲሳቶ።ኣንጎላ ኣብ ዓመት ካብ ሽያጥ ነዳዲ ጥራይ 6 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ትረክብ።ይኹን ግን ኣብ ዓመት 40,000 ህጻናት ኣንጎላ ብጥምየት ይሞቱ።ብኣንጻሩ ቢልዮናት ዶላራት ናይታ ሃገር መዓልታዊ ናብ ባንክታት ዓለም ይገሹ።

እቲ ን 33 ዓመት ብቐጻሊን ብዘይምርጫን ነታ ሃገር ዘመሓደረ ፕረዚደንትን ደቀመዛመርቱን ካብ 2007 ክሳብ 2010 ኣብዘሎ 4 ዓመታት ጥራይ 32 ቢልዮን ዶላር ኣጠፋፊኦምዮም።ስለዚዩ ድማ ማዕድን ሃገር ብንጽህና እንተዘይተማሓዲሩ መርገም ሃገርዩ ዝበሃል። እዚ ኣበሃህላዚ ትማሊ ዝተፈልሰፈ መጎት ኣይኮነን።ኣብ 1776 ውሩይ ናይ ስነቑጠባ ፍላስፋ ኣዳም ስሚዝ ‘’ ካብ ኩሎም ዕንወታት እቶም ብሰንኪ ወርቅን ብሩርን ዝስዕቡ ዕንወትዮም እቶም መኣዓከ- ሞት’’ ክብል ቅድሚ 300 ዓመታት ነዚ ሓደገኛ ተርእዮ ኣጠንቒቑሉ ኔሩ።ኣብ ልቢ’ዚ ዓንቀጽ ዝለዓል ዝዓበየ ሕቶ እምበኣር እዚ ሕንቅልሕንቅሊተዩ። ኤርትራ ከመይላ እያ ዝሃብተመት ሃገር: ዝደኸየ ህዝቢ ኮይና ዘላ።

ኣብ ወግዓዊ ኢንተርኔት ኔቭሰን ዘለዉ ዝርዝራት ከምዘረጋግጽዎ፡ ክሳብ ሕጂ ኤርትራ ካብ ሽያጥ ወርቂ ከባቢ 1 ቢልዮንን 500 ሚልዮንን ዶላር ኣታዊ ረኺባ ኣላ።ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝጀመረ ብቢልዮናት ዝትመን ትህዝቶ ከምዘለዎ ዝንገር  ናይ ፖታሽ ኣታዊ ትንቢት ተወሲኹ ኤርትራ ብናይ ቤልጁም ትካላት መለክዒ: ንጋናን ሲራልዮንን ቀዲማ ዝለዓለ ኣታዊ ዘለዋ ሃገር ትኸውን ኣላ።

ብመሰረት ገምጋም ግሎባል ሞኒተርን ዩኒት ፡ ኤርትራ እትርከበን ‘’ምድብ ላዕለዋይ ማእከላይ ኣታዊ’’ 17% ዕብየት ሃገራዊ እቶት ዘመዝግባ ሃገራት እየን።እዚ ማለት ብቀሊል ኣገላልጻ ኤርትራ እትረኽቦ እቶት ብፍትሒ እንተዝማቓራሕ ነብሲወከፍ ዜጋኣ ዝተሕተ 14,854 ናቕፋ ወርሓዊ ኣታዊ – ዝለዓለ ድማ 160,035 ናቕፋ ወርሓዊ ኣታዊ ብጽሒት ክህልዎ ምተገበአ። ብቑጠባዊ ኣተሮጋግማ ድማ ነብሲወከፍ ዜጋ፣ ብዉሑዱ ሓሓደ ገዛ ክልተ መኪና ጌሩ ደረጃ መነባብርኡ፣ ህይወቱ፣ ተስፋ ደቁ፣ ትምህርቱ ብኡኡ መጠን ኪዓቢ ምተገበአ።

ሓንቲ ሃገር ቀንዲ መለክዒ ገስጋሳ፣ ህዝባ ኢዩ። ገስጋስ ተመዝግብ እንተሃልያ ድማ፣ሕሰምን ድኽነትን ህዝቢ ኪሕግሐግ ወይ ብዉሑዱ ኪውሕድ ፣ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ብቑዕን እኹልን ኪኸውን፣ ደረጅኡ ልዑል ብዝሑ ምሉእ መደበራት ፍልጠት ክትከል፣ ኮታ መንግስቲ ነቲ ብማዕድናዊ ሃብቲ ዝረኽቦ እቶት ናብ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ዝቕይር ፖሊሲ ኣሰንዩ ከተግብርን ውጽኢት ክጭብጥንዩ ዝግባእ። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ቢሻ፣ ኩዕታ እምባደርሆ፣ ድባርዋን ኮሎሊን ሕሰም ክበዝሕ፣ ስደት ኵውስኽ ፣መነባብሮ ኪኸብድ; ተስፋ ኪጽልምትዩ ተራእዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክኣልእ ይትረፍ እታ ብጎረሩኡ እትሓልፍ እትስተ ማይ የብሉን።

ኤርትራ ገና ኣብ ጉዕዞ ድኽነት ንድህሪት ትኸይድ ኣላ። ምኽንያቱ ካብ ቢሻ ዝተረኸበ ገንዘብ መንእሰያት ብፍልጠትን ክእለትን ዝኹስኩስ ዩኒቨርስታት ኣይተሃንጸሉን፣ህዝቢ ጥዕናን ሓጎስን ዝመልኦ ህይወት ዝህቦ ሆስፒታላትን ናይ ጥዕና ኣገልግሎታትን ኣይተወፍረሉን፣በንጻሩ እቶም ተሃኒጾም ሃገር ክሃንጹ ዝግባእ ተመህሮ ካብታ ተስፋ ዝሰኣኑላ ሃገር በሽሓት ንስደት ኣምሪሖም፣እቶም ፍልጠቶም ነቲ ዝፈትውዎ ህዝቦም ኬበርክቱ ዘይከኣሉ ሞያውያን ልዕሊ 110 ዶክተራትን ናይ ሕክምና ክኢላታትን ንሱዳን ኡጋንዳ ነፊጾም። ሰራዊት ምክልኻል ብስድራቤቶምን ብነብሶምን ስለዘይቀሰኑ ፋሕፋሕ ኢሎም። ሰራሕተኛታት መንግስቲ እኹል ደሞዝን ብቑዕ ዜስርሕ ትካላትን ስለዘይረኸቡ ኣብ ሰንፈላል ከምዝነብሩ ኮይኖም። ገንዘብ ቢሻ መሃንድሳትን ሞያውያንን ኣብ ክንዲ ዘፍሪ: ናይ ጎደቦ ሰራዊት ድምሐት ዝቕልብ ማሺነሪ ኮይኑ። ብሓጺሩ ካብ ቢሻ ዝተረኸበ ገንዘብ ንምዕባለን ብልጽግናን ዘይኮነ ንውድቀትን ልምሰትን ተዋፊሩ።

እቲ ካልእ መርገም ማዕድን፣ ምንጪ ብልሽውና ሙኻኑዩ።ቻይና ሰበስልጣን ብምብልሻውን ብምብዕላግን እተፈልጠት ሃገርያ።ቻይና ናይ ኣፍሪቃ ወፍርታት ክትብሕቶ ዝኸኣለት ብዘይካቲ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ምሕደራን ቅድመ ኩነት ዘይገብር ክፉት ፖሊሲኣ: ኣብ ዝኣተወቶ ሃገር ሰበስልጣን ሰፍ ብዘይብል ብልሽውና ትቖጻጸር ብሙዃናዩ።ኣብ ኤርትራ ንጽባሕ ዝዳሎ ዘሎ ጉጅለ ካብ ናይ ቢሻ ኣታዊታት ብብልሽውና ዝተቖማጠዐ ሙኻኑ ክግመት ዝከኣልዩ።

ብልሽውና ግን ስርቂ ገንዘብ ጥራይ ኣይኮነን።ፖለቲካዊ ብልሽውና እቲ ዝኸፍአ ዓይነት ብልሽውናዩ።ስልጣን ምብሓት ፣ንህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰለ ሕፉር ሕዝቢ ምንዓቕ፣ ፣ሕብረተሰብ ብሃይማኖት ኣውራጃ ምጉጅጃል፣ንገለ ምቕራብ ንገለ ምርሓቕ ፣ብዓቢኡ ኩሎም ዓይነታት ብልሽውና ምትብባዕ ርእሲ ኩሎም ብልሽውናታትዩ።

ብዙሓት ናይ ቑጠባ ተመራመርቲ ኤርትራ ዘይከም ብራዚልን ቦትስዋናን ኣብ ማዕድናዊ ውዕል ዝተኸተለቶ ግጉይ ስትራተጂ እታ ሃገር ክትረኽቦ ዝግበኣ ኣታዊ ትረክብ የላን ዝብል ርእይቶ ኣለዎም።ኣብ ወጻኢ ተላኢኹ ክብሪ ዝውሰኾ ማዕድናዊ ጸጋ ( ኤክስፖርት ፎብ ቫልዩስ) ነታ ሃገር ምሉእ ምቑጽጻር ዝህብ ስለዝይኮነ ናይ ኣታዊ ምምዝባል የስዕብ ኣሎ ዝብሉ ክኢላታት ነታ 80% ናይ ጠቕላላ ሰደዳ ካብ ማዕድናዊ ሃብቲ ክንሱ ብኣንጻርዚ 2% ናይ ጠቕላላ እቶታት ጥራይ ካብ ማዕድናዊ ሃብቲ እትረክብ ዛምቢያን ግጉይን ዘይተጸንዐን ማዕድናዊ ፖሊሲኣ ከም ኣብነት የቕርቡ።

ንምጥቕላል ጸጋታት ብዘይ ምሕደራ መርገምዮም።ጋግ ውሑዳት ሃብታማትን ዝበዝሑ ድኻታትን ይፈጥሩ።ምውሳን (ማርጂናላይዜሽን) ገለ ህዝብታት ምስዓቦም ስለዘይተርፍ ድማ ብሕሰም ዝደሃኽ ህዝቢ፣ ድኹም ስርዓተ ቁጠባ፣ ብረታዊ ግጭት፣ ባህላዊ ብከላ፣ ኣከባብያዊ ዕንወት የኸትሉ። 8 ካብተን ዝለዓለ ነዳዲ ዘለውን ሃገራት ማለት ናይጀርያ፣ ኣልጀርያ፣ ኣንጎላ ፣ግብጺ ፣ሊብያ ፣ሱዳን ፣ኮንጎ ፣ኤካውቶርያል ጊኒ ኣብ ኣፍሪቃ ይርከባ።ኩለን ዘን ሃገራት ብመለክዒ ኣህጉራዊ ግሉጽነት ዝለዓለ ብልሽውና፣ ርግኣት ዘይብለን፣ ብዲክታተራት ዝመሓደራ ሃገራት የን። ስለዚ ድማ ካብ ጸጋታተን ህዝበን ኣይተጠቀመን ንባዕለን ድማ እነሆ ውዱቓት ሃገራት ኮይነን።

ንምምኽናይ ብዙሓት ጸጋታት ማዕድን ዝተዓደለት ሃገር ብብልሽውና ክትጥቃዕ ግድንዩ ዝብል ምጉት የልዕሉዮም። እዚ ግን ነቲ ክትበልዖ ዝደለኻ ኣባጉንባሕ ንምጽብባቕ ዝበሃል ጉልባብ ካብ ሙኻን ዝሓልፍ ሓቅነት የብሉን።ናይ ማዕድን ብልሽውና ብኣንጻሩ ገበንዩ ብፍላይ ኣብ ኤርትራሞ ነብሲ ወከፍ ዝኳዓት ማዕድን ዝወጽእ የዕጽምቲ ስዉእ ኣለዎ።

ኖርወይ ካብተን 10 ዝለዓለ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ዓለም ኮይና ኣብ ዓለም ዝተሓተ ብልሽውና ዝረኣያ ሃገር እያ።ምኽንያቱ ብቑዕ ናይ ህዝቢ ብህዝቢ መንግስቲ ስለዘለዋ።

ኤርትራ ኣብ ምጅማር ጸጋታት ኣብ ጸድፊ ዕንወት ተንጠልጢላ ኣላ።ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ከምዘረጋግጾ ድኽነት ንበይኑ ኣይቀትልንዩ።ሃብታም ጸጋታት ምስ ውዱቕ ምሕደራ ተደሚሩ ዘምጽኦ ድኽነት ግን ኣዚዩ መሪርዩ። ክልተ ዜግነት ዘለዋ ናይ ዘለዎምን ናይ ዘይብሎምን ሃገር እንዳሰሓገ ዝቐትል በተኽ ድኽነት ስለዘስዕብ።

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →