Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ምክትታል ዶባት መርድእ ናይ መንእሰያት ንስድራቤታት ይነግር ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  June 28, 2017  /  Comments Off on ምክትታል ዶባት መርድእ ናይ መንእሰያት ንስድራቤታት ይነግር ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email

ካብ ዕለት 24ን 25 ሰነን ጀሚሩ ምክትታል ዶባት ኣብ ዶባት ዝሞቱ ሰባት ናይ ዝበሎም መንእሰያት መርድእ ንስድራቤታት የርድእ ምህላዉ ተሓቢሩ። እዚ ናይዚ እዋን መርድእ እንተላይ እቶም ኣብ ወርሓት ግንቦትን ሰነን ሞይቶም ዝተባህሉ ሓደስቲ ግዳያት ዘጠቓለለ ኢዩ። በዚ መሰረት ኣብ ዕለት 24ን 25ን ጥራይ ምክትታል ዶባት ዝርዝር ኣሳእል ብምስናይ ናይ 27 ዜጋታት መርድእ ንስድራቤቶም ከምዝተገለጸ ተሓቢሩ።

7 ስድራቤታት ደቅና ኣማውተኦም ንገሩና፤ ኣበይን ብኸመይን ሞይቶም ኢሎም ኣብ ዝሓተቱሉ እዋን፤ ንባዕሎም ኣብ ኣደርሰር ከምዝተኣስሩ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ እቶም ስድራቤታት መርድእን ስእልን እምበር ሬሳታት ናይ ደቆም ክወስዱ ከምዘይፍቀደሎም ተሓቢሩ። ይኹን ግን ገለ ስድራቤታት ክሳብ 10 ሽሕ ናቕፋ ብምኽፋል ሬሳታት ደቆም ክወስዱ ከምዝኸኣሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብሕልፊ ካብ መበል 30 ዙርያ፤ ካብ ሳዋ ሃዲሞም ንስግረ ዶብ ክኣትዉ ዝፈተኑ ብርክት ዝበለ ሬሳታት ብዕለት 25 ሰነ  ኣብ ከባቢ ኣደርሰት ከም ዝተቐበሩን 12 ዝኾኑ ብሂወቶም ዝደሓኑ ድማ ኣብ 6ይ ብርጌድ ናይ ማዓስከር ሳዋ ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ስድራቤታት ክስከሓ መታን ሞት ናይቶ ስግረዶብ እንዳኸዱ ዝሞቱ ሰባት ክንገርን ስእልታት ሬሳታት ብቪድዮ ክለዓልን መምርሒ ድሕሪ ምሕላፉ፤ ካብ ሚያዝያ 2017 ጀሚሩ መርድእ ንስድራቤታት ክነግር ጀሚሩ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ መርድእ ክብረት ናይ ሰብ ዘይሕሉ፤ ካብ ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ዝረሓቐ ኮይኑ፤ ደቅኹም ዝብኢ በሊዕዎም ይኸውን፤ኣሰጋገርቲ ቀቲሎሞም፤ ብማይ ጽምኢ ነቒጾም ሞይቶም፤ ዝብል ዘረባታት እንዳኣሰነየ ንስድራቤት ይንገር ምህላዉ ተፈሊጥ። ገለ ሓለፍቲ ምክክትታል ዶባት ብወገኖም ደቅኹም ንኣሰጋገርቲ ባዕልኹም ኣረኪብኩም ንዓና ኣይትሃዉኹና ብምባል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓዘን ዘለዉ ስድራቤታት ብደዐኦም የዝንቡ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ ቃለመጠይቑ ኣዴታት ደቀን መደንዘዚ መርፍእ ኣውጊአን ኢየን ዶባት ዘስግራ ክብል ዝሃቦ መግለጺ ንሳዲስት ባህርያቱን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘለዎ ጨካን ኣተሓሕዛን ዝገልጽ መርኣያኡ ምኻኑ ዘረጋግጽ ኢዩ።

    Print       Email

You might also like...

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ወተሃደራዊ ግጭት ይቕጽል ኣሎ።

Read More →