Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መዝነት ናይ ገደብ ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ ስለዝተዋህበ ብገዚፍ ዓቐን ዓሳታት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ገፊፉ ናብ ግብጺ ይወስድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  June 21, 2017  /  Comments Off on መንግስቲ ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መዝነት ናይ ገደብ ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ ስለዝተዋህበ ብገዚፍ ዓቐን ዓሳታት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ገፊፉ ናብ ግብጺ ይወስድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email
መንግስቲ ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መዝነት ናይ ገደብ ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ ስለዝተዋህበ ብገዚፍ ዓቐን ዓሳታት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ገፊፉ ናብ ግብጺ ይወስድ ምህላዉ ተሓቢሩ። 
 
መንግስቲ ኤርትራ ብዕለት 5 ሚያዝያ 2017 ብጀነራል ሓምዲ ባዲም ምስ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ ድሕሪ ዝገበሮ ስምምዕ ኢዩ እቲ ናይ ዓሳ ምግፋፍ ስራሓት ተጀሚሩ። ኣብዚ መስርሕ እዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ መንግስቲ ግብጺ ዓሳታት ኣብ ዝገፈሉ እዋን ምሉእ ናይ ሓለዋ ኣገልግሎት ይህቦ ምህላዉ እውን ተፈሊጡ።
 
በዚ ስምምዕ መሰረት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓይሊ ባሕሪ ብፈጣናት ጀላቡን ሓለዋ መራኽብን ነቲ ብኢንዳስትሪ ደረጃ ዝግበር ምግፋፍ ዓሳ ሓለዋ ከምዝገብሩሎም ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ነብሲ ወከፍ ኣባል ሓለዋ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ካብ መንግስቲ ግብጺ 1200  ዶላር ይኽፈል። ይኹን ግን እቶም ኣባላት ሓለዋ ካብ መንግስቲ ግብጺ ነቲ 1200 ዶላር ድሕሪ ምቕባሎም እቲ 200 ጥራይ ክወስዱዎ ከምዝፍቀደሎም ዝሓበሩ ምንጭታት  እቲ 1000 ንቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ከረክብዎ ከምዝእዘዙ ኣረጋጊጾም። 
 
መንግስቲ ግብጺ እቲ ዝግፈፍ ዓሳ ኣብ ዕዳጋታት ግብጺ ስዑድያን ኢማራትን ድሕሪ ምዝርግሑ 41% ካብቲ እቶት ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝከፍል ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ናይ ዓሳ መሸጣ ይኹን እቲ ንኣባላት ሓለዋ ሓይሊ ባሕሪ ዝወሃብ ገንዘብ ኣብ ኢድ ቁጠባዊ ጉዳያት ከምዝኣቱ ተሓቢሩ። እዚ ይኹን እምበር ልክዕ ከምቲ ናበይ ይስወር ኣሎ ዘይፍለጥ መሸጣ ወርቂ ቢሻ እዚ ብሚልዮናት ዝቑጸር ዶላር ዘውጽእ ናይ ዓሳ መሸጣ እውን መወዳእትኡ ናበይ ከምዝኸይድ ዝፍለጥ የልቦን። ይኹን ግን ብዙሓት ወገናት ናብቲ ኣብ ባንክታት ቻይና፤ ዱበይ፤ ስዊዝን ሳይፕረስን ዝርከብ  ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስን ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወትን  ካዝና ከይሰገረ ከምዘይተርፍ ይእምቱ። 
 
እዚ ብርክት ዝበለ ዶላር ዘንቀሳቕስ ናይ ዓሳ ዘይሕጋዊ ውዕል ንሉዓላዊነት ባሕርታት ኤርትራ ዝሸይጥ ኣብ ርእሲ ሙኻኑ ከም ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዝውሰዱ ውሳነታት ብመምርሒ ፕረዚደንት ኢሳያስን ተሳትፎ ውሑዳት ሰባትን ዝትግበር ዘሎ ኢዩ። ኣብዚ ንግዲ እዚ ብሓለፍቲ ሓይሊ ባሕርን ሓለፍቲ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ዓቀኑ ዝሓለፈ ብልሽውና ይግበር ምህላዉ ይፍለጥ። 
 
መንግስቲ ግብጺ ዓሳታት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ይገፈሉ ኣብዘሎ እዋን ኤርትራ ኣብ ዕዳጋታቱ ቀረብ ዓሳ ስኢኑ ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ኤርትራ ኩሉ ጸጋታት ንረብሓ ውሑዳት ንምሻጥ ህዝባ ግዳይ ጥሜትን ጸበባን ኮይኑ ምህላዉ ሓቢሮም። 
    Print       Email

You might also like...

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት መደብ ከምዘለዎ ይሕበር ኣሎ፡ ዛጊት እንታይ ተገይሩ ኣሎ፤ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ናበይ ገጹ ኪቐንዕ ይኽእል።(1ይ ክፋል)

Read More →