Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ዞምኡ ንጀነራል ፍሊጶስ ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዋግኡ ዘይሕጋዊ እታው (ኮንትሮባንዳ) ናይ መኪና መቀያየሪ ኣቑሑት ከእቱ ተታሒዙ፤ ኣብ 24 ሰዓት ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ምስ ንብረቱ ነጻ ተለቒቑ።

By   /  May 4, 2017  /  Comments Off on ዞምኡ ንጀነራል ፍሊጶስ ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዋግኡ ዘይሕጋዊ እታው (ኮንትሮባንዳ) ናይ መኪና መቀያየሪ ኣቑሑት ከእቱ ተታሒዙ፤ ኣብ 24 ሰዓት ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ምስ ንብረቱ ነጻ ተለቒቑ።

    Print       Email

ብዕለት 29 ሚያዝያ ሓዋ ንወይዘሮ ሩት፡ ማለት በዓልቲ ቤት ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ክልተ ሚልዮንን ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕን ዝትመን ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንብረት ብኮንትሮባንዳ ከእቱ ተታሒዙ። እቲ ብረት ናይ መካይን መቐያየሪ ኣቑሑት ኮይኑ፤ ካብ ሱዳን ብመንገዲ ከሰላ ካብ ኢትዮጲያ ብመንገዲ ሑመራ ብኮንትሮባንዳ ተገዚኡ ብኮንትሮባንዳ ዝኣቱ ዝነበረ ኢዩ።

እቲ ዞምኡ ንጀነራል ፍሊጶስ ዘእትዎ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ናይ መካይን መቀያየሪ ንብረት ኣብ ኬላ ሓጋዝ ኢዩ ብኣባላት ግምሩክ ተታሒዙ። ብመሰረት ኣሰራርሓ ፖሊስ ግምሩክ ሽዑ ንሽዑ ማለት ብዕለት 29 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ እኳ ናብ ዓዲ ኣቤቶ እንተተሰጋገረ፤ ጀነራል ፍሊጶስ ናብ ኣዛዚ ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ካፕተን ወዲከበደ ቀጥታዊ ቀጢን ትእዛዝ ብምምሕልላፍ፤ ዞምኡ ብቕጽበት ክወጽእ ኣዚዙ።

በዚ መሰረት ሓዋ ንበዕልቲ ቤት ጀነራል ፍሊጶስ፤ ንጽባሒቱ 30 ሚያዝያ ካብ ዓዲ ኣቤቶ ከምዝወጸ፤ ካብቲ ክልተ ሚልዮንን ሓሙሽተሚእቲ ሽሕን ዝዋግኡ ዘይሕጋዊ ንብረት፤ እቲ ርብዒ ጥራይ ብምትራፍ ናይ ክልተ ሚእቲ ሚልዮን ንብረቱ እውን ከምዝተዋህበ ተሓቢሩ።

ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዝተፈተነ ናይ ቅትለት ስርሒት፤ ከምኡ ውን ናይ ጥሪ 21 ፍጻመ ከምዝፈሽል ድሕሪ ምግባሩ ብዘርኣዮ ተኣማንነት (loyalty)፤ ናይ ማዕርግን ቦታን ወሰኽ ዝተገበረሉ፤ ኩሎም ዓይነት ብልሽውናን ብዕልግናን ክፍጽም ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝተፈቐደሉን ሓላፊ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ደረት ዘይብሉ ስልጣን ድማ ደረት ብዘይብሉ ዕንደራን ዓመጽን ይትግብሮ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብስም በዓልቲ ቤት ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ዱበይ ባንክ HSBC ሚልዮናት ዶላር ተቐሚጡ ምህላዉ ሬድዮ መድረ ምስናይ መርተዖታት ሰነዳቱ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ። እቲ ስድራቤት ኣብ ኬንያን ኡጋንዳን እውን ብርክት ዝበለ ናይ ጽዕነት መካይን ንግዳዊ ንጥፈታት ከምዝውንን ዝፍለጥ ኢዩ።

ዞምኡ ንጀነራል ፍሊጶስ እውን ናይ ውልቁ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ንግዳዊ ትካላ ዘለዎ ኮይኑ ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዳርጋ ኩሉ ኣብ ኣስመራ ዝግበር ናይ መካይን መቐያየሪ ኣቑሑ መሸጣ ብኮንትሮባንድ ብሒትዎ ምህላዉ ይፍለጥ። ሓዋ ንበዓልቲ ቤቱ ንምኽሳብ ተባሂሉ፤ ጀነራል ፍሊጶስ ብርክት ዝበሉ ብሕጋዊ መንገዲ ናይ መካይን መቀያየሪ ንዝሸጡ ትካላት፤ ዝተፈላለዩ ምኽንያት ብምፍጣር ክኣስሮምን ንግዳዊ ፍቓዶም ከሕድጎምን ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ግንባራት ንዕረፍቲ ስድርኡ ንምርኣይ ይኸደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፤ ንኣዲኡ ዝተማለኦ ትሕቲ 2 ኪሎ ዝኸውን ቁጻር ቡን ኣብ ኬላ ናይ ሓጋዝ ብዝርከቡ ፖሊስ ግምሩክ ምስተሓድገ፤ ብብስጭት ብረቶም መንጢሉ ሓደ ሰብ ከምዝቐተለ ሬድዮ መድረኽ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ሎሚ ክልተ ሰለስተ ደረጃ ዘለዎ ዜግነትን ሕግታትን ንህዝቢ ኤርትራ ብኸቢድ የሳቒ ምህላዉ ይፍለጥ።  እዚ ናይ ሓጋዝ ናይ ዝኸርተተ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን፤ ናይ ዞምኡ ንጀነራል ፍሊጶስ ዛንታ ድማ  ህያው ምስክር ናይዚ ዝፍጸም ዘሎ ደረጃታት ዝፈጠረ ዜግነታዊ መሰላት ኢዩ።

    Print       Email

You might also like...

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ንቓነው ስተሽን ዝመስል ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይዘራረብ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →