Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ዕቑር ዓቕሚ መንእሰያት ኤርትራ ሓርነት እንተዝረክብ፤ ኤርትራ ብስደተኛታት ዘይኮነስ ብጎብለላት ፍልጠትን ክእለትን ኣብ ዓለም ምተፈልጠት

By   /  May 11, 2017  /  Comments Off on ዕቑር ዓቕሚ መንእሰያት ኤርትራ ሓርነት እንተዝረክብ፤ ኤርትራ ብስደተኛታት ዘይኮነስ ብጎብለላት ፍልጠትን ክእለትን ኣብ ዓለም ምተፈልጠት

    Print       Email

ኣብዚ ቅንያትዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ኣብ ዝተኻየዱ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራውያን ከምኡውን ናይ ማራቶን ጉያ እግሪ ነቲ ውድድራት ብብቕዓት ዓብሊሎም ኣዚዩ ዕዉት ውጽኢት ኣመዝጊቦም ኣለዉ። ሬድዮ መድረኽ ነዞም ሳላ ብቕዓቶም ስም ሃገሮም ዘጸውዑ፥ ባንዴራ ሃገሮም ልዕሊ ካልኦት በሪኻ ከተንበልብል ዝገበሩ ተቐዳደምቲን ደገፉ ዘይፈሊ ህዝቢን ብፍላይ ድማ ኣፍቃሪ ስፖርት ዮሃና ይብል።

ዓወት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብዓቢኡ ድማ ነታ ኣህጉር ዓቢ ዓወት እዩ። ቅድሚ ሕጂ ውን ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝተዓትረ ዓወት ዓቕሚ ኤርትራውያን መንእሰያት ብድሙቕ ዘመስከረ እዩ።

ኤርትራውያን ኣብ ስፖርታዊ ዓውዲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልእ ዓውድታት ውን ጽብለል ዝብሉ ዕዉታት እዮም። ምስናይ እዚ ኩሉ መከራ ዶባት ሰጊሮም ባሕርታት ጥሒሮም ኣብ ስደት ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ እዞም ድሒሮም ዝመጹ ዘለዉ መንእሰያት ናይ ስራሕ ባህሎም፥ ህርኩትነኦም፥ ናይ ትምህርቲን ፍልጠትን ጽምኣቶምን ጻዕሮምን ንቡዙሓት ዘገረመ እዩ። ለይትን መዓልትን ጽዒሮም ድሕሪት ዝገደፍዎ ህዝቦም ንምሕጋዝ ብቐጻሊ እዮም ብቑጠባን ንዋትን ደገፉ ዝገብር ዘሎ።

ተራን ሓይልን መንእሰያት ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተገለጸ ሓያልነቱ መስካሪ ዝሓትት ኣይኮነን። እዚ ግን ኣብቲ ኪኾኖ ዝግባእ በጺሑ ማለት ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ ኩሉ ዕድላቱ ኩሉ መሰላቱ ተገፊፉዩ ጸኒሑ። መንእሰይ ኤርትራ እዚ ከሰላስሎ ዝጸንሐ ዓወት እዞም ኩሎም ዕድላቱ ውን ተኸሊኡ ከሎ እዩ። መንእሰያት ዝግባኦም ዕድል እንተዝረኽቡ፥ ናጽነቶምን ሓርነቶምን ተጎናጺፎም ክእለቶም ዝብርብሩሉ፥ ዓቕሞም መሊሶም ዝነድቁሉ ዕድል እንተተረኺቡ፥ ክገብርዎ ዝኽእሉ ልዑል ውጽኢት ንምግማቱ ዝከኣል እዩ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ዛጊት ከይሓስቡን ከይምርምሩን ሓንጎሎም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ተቐይዱ፥ ከይመሃሩን ከይሙኮሩን ምንቅስቓስን ሓርነትን ተነፊጎም ኣብ ፍልጠትን ክእለትን ከየድህቡ ናቶምን ናይ ስድራቤቶምን ቅሳነትን ሰላምን ተሓሮሞም ኣለዉ። ስለዝኾነ ዕቑር ክእለቶም ከውጽኡን ክወጹን ኣይከኣሉን። ኣብ ሰሃራታት ኣሞራ ዝበልዖ ሬሳታት መንእሰያት፥ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተዋሕጠ ህይወት መንእሰያት፥  ኣብ ሲናያት ዝተዘልዘሉ ውልዶታት ክንደይ ካብኦም ስፖርተኛታት፥ ክንደይ ጥበበኛታት፥  ክንደይ ተመራመርቲ፥  ክንደይ ሳይንቲስት፥ ክንደይ ሓረስቶት፥ ክንደይ ሰራሕተኛታት፥ ክንደይ መራሕቲ፥ ክንደይ ፍላስፈታት፥ ክንደይ ሙሁራት፥ ኪኾኑ ዝኽእሉ ከምዝነበሮም ርዱእዩ። ስለዝኾነ ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ብስደትን ጥሜትን፥ ብጭቆናን ፋሕብትንን ዘይኮነ፥  ብዓወትን ፍልጠትን፥ ብትምህርትን ምህዞታትን ክትልለ መታን እቲ ነዚ ጠንቂታት ዘበግስ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ክእለ ኣለዎ።

ደጊምና ዮሃና ንድሙቕ ዓወታት ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ኣብ ኤውሮጳን መላእ ካልኦት ከባቢታት ዓለምን  !

    Print       Email

You might also like...

ምስ ቻይና ዝግበር ዘሎ ናይ ወርቂ ዕደና ስምምዓት ዳርጋ ንሃብቲ ናይ ኤርትራ ብነጻ ቻይና ክትወስዶ ዘፍቅደላ ውዕላት ይኸውን ምህላዉ ተሓቢሩ። 

Read More →