Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ካብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ግፍዒ ናብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዝሃደሙ ዜጋታት መንግስቲ ኤርትራ ደጊሙ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ መጸዋዕታ ኣቕሪቡሎም።

By   /  May 11, 2017  /  Comments Off on ካብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ግፍዒ ናብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዝሃደሙ ዜጋታት መንግስቲ ኤርትራ ደጊሙ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ መጸዋዕታ ኣቕሪቡሎም።

    Print       Email

ካብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ግፍዒ ናብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዝሃደሙ ዜጋታት መንግስቲ ኤርትራ ደጊሙ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ መጸዋዕታ ኣቕሪቡሎም። 

ንግዳዊ ትካላቶም ተዓጺዩ ዝነበሮም ናይ ዶላር ሕሳብ ዝተሃገሩ እሞ ምስራሕ ስኢኖም ናብ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ዝርከቡ ነጋዶ መንግስቲ ኤርትራ ላዕለዎት ልኡኽ ሰዲዱ ናብ ኤርትራ ክኣትዉን ገንዘቦም ናብ ባንክታት ኤርትራ ብዶላር ከቐምጡን ጻውዒት ኣቕሪቡሎም።
እቶም ነጋዶ ብፍላይ ድማ እቶም ብርክት ዝበለ ዶላር ኣለዎም ተባሂሎም ዝግመቱ ኣብ ጁባ ዝርከቡ ነጋዶ፤ እቲ ልኡኽ መንግስቲ በብሓደ ናይ ምሳሕን ድራርን ግብጃ እንዳገበረ ዶላሮም ናብ ናይ ኤርትራ ሕሳብ ከእትዉ  ዝብል ጻውዒት ከምዘቕረበሎም ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ካብ ጁባ ገሊጾም።
 
እቶም ነጋዶ ዝቐደመ ተመኩሮና ኣሉታዊ ኢዩ ነይሩ ገንዘብና ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ተሃጊሩ፤ ኩሎም ንግዳዊ ንጥፈታትና ተኣጊዶም ፍቓድ እታው ይኹን ሰደድ ስለዝተሓረምና ኢና ካብ ሃገርና ወጺእና፤ እዚ በሰላ እንዳሃለወ ብኸመይ ናብ ዓዲ ተመለሱ ንባሃል ኢሎም ከምዝመለሱ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፤ ገለ ነጋዶ ብኣብነት እንዳኣሰነዩ ኣብ ልዕሊኦም ብቑጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ፥ ብክፍሊ ንግዲን  ብኽፍሊ ጸጥታን ዝተፈጸመ  ጭብጥታት ኣቕሪቦም። 
 
እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እዚ ተባሂሉ ዘሎ ጉድለታት ኣፍልጦ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ ሕጂ ግን ኣብ ኤርትራ ገንዘብኩም ብምእታው ዝደለኹሞ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም ከምዝበሎም ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ እቶም ነጋዶ ህዝቢ ኤርትራ ብሙሉኡ ገንዘቡ ተኣሲሩ ይትረፍ ሚልዮናት 10 ሺሕ ናቕፋ ምንቅስቓስ ተከልኪሉ ከሎ ገንዘብና ናብ ኤርትራ ክንሰድድ ከመይ ጌርና ትጽቢት ይግበረልና ክብሉ መሊሶም። 
 
እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ፤ ልክዕ ኢዩ ኣብ ኤርትራ ካብ ባንክ ገንዘብ ምውጻእ ክልኩል እኳ እንተኾነ ነዓኻትኩም ግን ፍሉይ ፍታሕ ክግበረልኩም ኢዩ፤ ገንዘቦም ኣብ ዝደለይዎ እዋን የንቀሳቕስዎ ዝብል መምርሒ ክመሓላለፈልኩም ኢዩ ዝብል መልሲ ከምዝተዋህቡን ነዚ ቃል እዚ ከም ውሕስነት ወሲዶም እቲ ናይ ዶላር ውህሉል ዓቕሞም  ናብ ኤርትራ ከእትዉዎ ተሓቲቶም። 
 
መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ናይ ቢሻ ዕደና ቢልዮናት ካብ መሸጣ መሬትን ወደባትን ደቡባዊ ቀይሕባሕሪ ድማ ካብ ኢማራት ሚልዮናት ዝግመት ዶላራት ኣኻዕቢቱሉ ኣብ ዘሎ እዋን ነዘን ኣብ ጁባ ናይ ዝርከቡ ነጋዶ ዶላራት ዘቛምተለን ዘሎ ምኽንያት ርዱእ ከምዘይኮነ ምንጭታት ካብ ጁባ ገሊጾም። 
 
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዲፕሎማስያዊን ቁተባዊን ዝምድና እንዳዓበየ ይመጽእ ስለዘሎ፥ መንግስቲ ኤርትራ ናይ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ክጥቀም ተኽእሎ ከምዘሎ ዝገለጹ ምንጭታት ኣቐድም ኣቢሉ መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ዝርከቡ ነጋዶ ናይ ዶላር ዓቕሚ ካብ ዳታ ናይ ሃገራዊ ባንክታት  ደቡብ ሱዳን ብምሙዝሓቕ ክወሃቦ ሓቲቱ ምንባሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ካብ ጁባ ይሕብሩ።
    Print       Email

You might also like...

ብፕረዚደንት ኢሳያስን ስድራቤቱን ዝውነን ኣብ ቀጠር ዝርከብ ገንዘብን ጥረ ወርቅን  ናብ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ንምግዓዙ ሃቐነ ይካየድ ኣሎ።

Read More →