Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

እታ መብጽዓ ቓልሲ ዝነበረት ኤርትራ ንኽትህነጽ!

By   /  May 1, 2017  /  Comments Off on እታ መብጽዓ ቓልሲ ዝነበረት ኤርትራ ንኽትህነጽ!

    Print       Email

ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ብዝያዳ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 16 ዓመታት ብዘጋጠመ ጌጋታት ዝጕህዩ፡ ኣብ እዋኑ ዝግባእ ስጕምቲ ብዘይምውሳዶም ዝጠዓሱ ሕበኖም  ዝተመንጠሉ ጀጋኑ ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም። ካብ እዋን ቃልሲ ኣትሒዞም  ንዘጋጠመ ጌጋታት ብሻብኦም ብዘይምዕራይ እዚ ኰይኑ ዘሎ ኸምዝተበጽሐ ብምእማን፡ ብሕልናኦም ንነብሶም ክኸሱ ዝነብሩ’ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ኣብ ውሽጢ እቲ ሕልና ‘እዋኑ ሓሊፉ ደንጉኻ’ ዝብል  ናይ ሓባር ረቛሒ ኣሎ። እዚ ንኣተሓሳስባ ናይ ኩሎም እቶም ነገራት ዝዕረዩሉ ዘመን ሓሊፉ ምዃኑ፡ ሎሚ ዘሎ ምርጫ ደኒንካ ምምዋት ምዃኑ ዝኣምኑ ሰባት ኮይኑ ድማ ይገዝኦ።ብጌጋ እምነት!

ስዕረት ብሰንኪ ኣብ እዋኑ ስጕምቲ ዘይምውሳድ ስለዝስዕብ፡ እቶም ኣቐዲሞም ክመጽእ ንዝኽእል ሓደጋ ኣስተብሂሎም ከዐርይዎ ዓቕሚ ዝነበሮም ጀጋኑ ግዳይ ናይቲ ኽኣልይዎ ዝነበሮም ሓደጋ ኰይኖም፡ ገናውን ግዳያት ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ዕርክነት ተዅላን በጊዕን፡ ሽሕ እንተመሓረ ኩሉ ሳዕ ብሞት በጊዕ ስለዝውዳእ፡ዋላ እቶም ኣብ እዋን ምሳሕ ቶኽላ ወገን ናይቲ ሓደጋ ዘውርድ ጉጅለ ዝዀኑ መሲልዎም ምስኡ ክሳለዩ ዝጸንሑ ሰባት፡ መውዳእትኡ ኣብ እዋን ድራር  እቲ ቶኽላ ነዐኦም ኢዩ በሊዕዎም።

እንተዀነ፡ ከምቲ ዓመጽቲ ክዉን ከምስልዎ ዝፍትኑ እምነተ-ጽውጽዋይ (Myth) ፡ ኩሉ ዕድላት ንዘልኣለም ኣይበነነን። ነብሲ ወከፍ መዓልቲ እቲ ዝግባእ ስጕምቲ ንምውሳድ ብቕዕቲን ድልውቲን ኢያ። እቲ ሓሊፉ ዝበሃል ዕድል እቲ ዝግባእ ንምግባር ዝበለጸ መዓልቲ  ዝጽውዕ ኣጋጣሚ ደኣ’ምበር፡ ዝበነነ መዓልቲ ኣይኰነን።ንመዓልቲ ጽቡቕ ዝገብሮ ኣተሓሕዛኡ እምበር ብደጋዊ ረቛሕቲ ዝመዓራረ ሕሩይ መዓልታት ስለዘለዉ ኣይኮነን። ደጋዊ ረቛሕቲ ነቲ ሰባት ተሰሪዖም ዝብገስዎ ይጸሉ’ምበር ፈጺሙ ኣይውስኖን’ዩ።

ኤርትራ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቓልሲ ሓርነታ ኽትረክብ ከላ፡  ክፋል ቃልሲ ከምዝተዛዘመ እምበር፡ናይ ሙኻን መስርሕ ጌና ከምዘይተወደአ ውሑድ ሰብ ጥራይ ኢዩ ብኣግኡ ኣስተብሂሉሉ። ስለዚ ድማ ብዙሕ ሰብ ሃገር ንምህናጽ ዝግበር ቃልሲ፡ ብድሕሪ’ቲ እዋን ቀስ ኢሉ ዝጅምር ናይ መዋእል ጉዕዞ ምዃኑ ሻቡ ኣይቆለቦን።

ህዝቢ ኤርትራ ከምታ ዝደለያ ሃገር ክሃንጽ እንተዘይክኢሉ፡ ግድን ኣብታ ሃገር ድላዮም ዝሃንጹ ጊልያኦም ዝገብርዎ ሰባት ኪቦቕሉ ምዃኖም  ኣቐዲሙ ኣየስተንተነን። ህንጸት ሃገር ዝብል ተደጋጊሙ ዝግለጽ ዝነበረ ንደጋገምቱ ውን ብግቡእ ዘይተረደኦም ኣምር፡ ንዓመታት ከም ከንቱ ደርፊ ኣብ ኣእዛን ህዝቢ ሰፊሩ። መራሕቲ ናይቲ ድሕሪ ናጽነት ህግደፍ ብዝብል ስም ዝቘመ ጉጅለ፡ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይነቱ ዘይፍለጥ ሃገር ኣብ ምህናጽ ምእንቲ ኸሳትፍዎ፡ ብዘይመግለጺ ነቲ ዳግመ ህንጻ ዝብል ቓል ይደጋግምዎ ኔሮም።

ናጽነቱ ብውልዱኣ፡ እታ መንግስቲ ኤርትራ ዝሃነጻ ሃገር እንታይ ከምትመስል ንህዝቢ ብወግዒ ስለዘርኣዮ ግን ናይ መንግስቲ ኤርትራ ‘ህንጸት’ እቲ ህዝቢ ብወፈራን ባህልን ዝፈልጦ ቀርዐ ዘለዎ ህንጸት ዘይሙኻኑ ብኣግኡ ክርእዮ ክኢሉ ኢዩ።  ሃገር ፍትሕን ሕግን ዘይብላ፡ ኣረጊትን ለባምን ዘይከብረላ፡ ሃይማኖት ዝነዓቐላ፡ ትጉህ ሰራሕተኛ ዝሳጐጐላ፡ ክመሃር ዝደለየ ዝድንቍረላ፡ ዝሰርሓ ዓስቡ ዝኽልኣላ፡ ዘዀለሰ ዝጠምየላ፡ ዝሓገዘ ዝቕጽዓላ ሃገር ሙኻና በቲ ዕንደራ ክጅምር ከሎ ዘርኣዮ ናይ መወዳእታ 90ታት ባህሪኡ ኣወጀ። ህንጸት እንዳበለ ፋብሪካታት ዘዕኑ ህንጸት እንዳበለ ባህሊን ልምድን ዘፍርስ ጥዑይ ስርዓት ስለዘየለ ህዝቢ ባህጉን መንግስቲ ኤርትራ ሕቖን ከብድን ሙኻኖም ክርኢ ጀመረ።

ይኹን ግን ዳግመ ህንጸት ዝትብል ቃል ን26 ዓመታት ካብ ምድግጋም ኣይዓረፈትን። ኣብ ኤርትራ ግን ዝዓነወ እምበር ዝተሃንጸ ነገር የልቦን። ዝተሃንጸ ነገር እንተሎ እቲ ምስ ምምጻእ ናጽነት ዓንዩ ዝነበረ ዕንወት ኢዩ።

ዓሚ ኣብ መበል 25 ዓመት ናጽነት ብመራሒት’ቲ መንግስቲ ዝቐረበ መደረ መስርሕ ህንጸት ቀጻሊ ምዃኑ ይገልጽ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ህንጸት እንታይ ምዃኑ ኣይገልጽን። እንታይ ማለቱ ምኻኑ ከይገለጸ ብኣንጻሩ ኣብ ህንጸት ሃገር ብዙሕ ዓወታት ከምዝተራእየ ይገልጽ።ማዕከናት ዜና ሃገር እውን ን25 ዓመታት ህንጸት ክብላ ኸለዋ፡ ብዙሕ እዋን  ነቲ ህንጸት ዝብል ናይ ህግደፍ ኣምር፤ ኣባይቲ ብምህናጽ ብምውካል፡ ኩሉ ስሚንቶ ዝተንከፎ ዘበለ ስራሕ ከም ምስክርነት ህንጸት የቕርቡ።እንተዀነ፡ ህንጸትን መንደቕን በበይኖም ሓሳባት’ዮም። ህንጸት ማለት ህንጸት ሓርነትን ቅዋምን ኢዩ፥ ስሚንቶን ሑጻን ሕግን ልዕልና ሕግን ኢዩ ዝፈጥሮ።መንደቕ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝብርኽን ዝፈርስን ግኡዝ ኢዩ።

ከምቲ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ዝሕብርኦ ዝኣክል መንደቕ እንተዝንደቕ’ውን ኣይምተጸልአን።መንግስቲ ኤርትራ ግና ኣብ መላእ ሃገር እናዞረ መንበሪ ኣባይቲ ከፍርስ እምበር፡ ህንጸት መንበሪ ኸተባብዕ፡ እንተወሓደውን ንዓቕሚ ዘለዎም ክሃንጹ ከፍቅድኣይተራእየን።

ኣብቲ ንዕኡ ዝዓጦ ህንጸት እሞ ኣሓመቐን። ኣብ ራኢ ናይቲ ንምብትታን ኤርትራ ብመደብ ዘንቀደ ጉጅለ ዝነበረት ሕልሙ እዛ ሕጂ እንርእያ ዘሎና  ናይ ሎሚ ህዝባ እናገደፋ እትባድም ዘላ ሃገር እያ። ዕላማ’ቲ ጉጅለ ነዛ ሎሚ ዘላ ኤርትራ ንምግሃድ ስለዝነበረ፡ ን25 ዓመታት ዘዝከኣሎ እናፍረሰ ሎሚ ክትዕረ ተስፋ ዘይብላ ክሳብ እትመስል ኣዕንይዋ ኣሎ።

እታ ወነንቲ ህግደፍ ዝሃነጽዋ ሃገር ኣዝያ ስለዝተዓወተት ብደገ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዓመጽ ያዕ ዝበሉ ከም ጸላእቲ ህንጸትን ምዕባለን ኤርትራ ተገሊጾም።ብርግጽ እቶም ነቲ ዓመጻት ዝተቓወሙ ወገናት ናይታ ንህዝባ ገሃነም ክትኰኖም ክትህነጽ ዝጸንሐት ሃገር ጸላእቲ ስለዝዀነ፡ ናብ ልቕሶን ውጹእ ጸርፍን ዝቐርብ ሓተታ እናተጻሕፈሎም ይዝንጠሉን ይዋረዱን ኣለዉ። ነታ ተመንዮም ዝሃንጽዋ ዘለዉ ገሃነም ብምዕጋት፡ ነገራት ከመሓይሽ ዝደለየ ንፍረ ጻዕሮም ስለዘፍርሶ ብኽድዓትን ብኻልእ ኩሉ ኽጥቀስ ዝኽእል ሓጢኣትን እናኸሰሱ ይዳጕንዎን ይቐትልዎን።

እቲ ፍልልይ ሓሶት ናይ መንግስቲ ኤርትራን፡ ሓቅነት ናይቶም ግዳይ ዓመጻቱ ዝኾኑ ብዱላትን ኣይኰነን። እቲ ሓቀኛ ፍልልይ፡ ኣብ መንጎ እታ ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑኡን ዝደልይዋ  ናጻን ርህውትን ኤርትራን፡ እታ ሎሚ ተሰሪሓ ዘላ ብኹልንትነኣ ዝዓነወት ህዝባ እትበልዕ ኤርትራን ኢዩ።

እቶም ዓሚጾም ዝገዝኡ ዘለዉ ጉጅለ፡ ክሃንጽዋ ዝተመነይዋ ኤርትራ ሰባት ከም ገላዩ ንብረት ውሑዳት ዝዀኑላ፡ ካብ ናብ መጻኢ ናብ ዘመነ እኒእኒ ኽትጕዓዝ ዝቐላ ሃገር’ያ። ገጠርን ከተማታትን ማዕረ ክንገብሮ ኢና ዝብል ቃል መንግስቲ ኤርትራ፡ሎሚ ብሓቂ ብግብሪ ተተርጉሙ ኣሎ። ከምቲ ማዕረ ክንገብረን ኢና ዝበሎ ድማ ገጠራት ዘይኮናስ ናብ ከተማታት ማዕቢለን ከተማታት ኢየን ናብ ገጠር ተመሊሰን። ኮይኑ ድማ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ጽርግያታተን ናብ ሓመድ፡ ቡንባታተን ናብ ዒላታት፤ ሉቸታተን ናብ ፔትሮማክስ፤ ህንጻታተን ናብ ዚንጎን ክሻን፤ ማርካቶአን ናብ ቤላሮባ ጽርግያ፤  ቀይረን ብዘይ ማይ፤ ብዘይ መብራህቲ፤ ብዘይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተሪፈን ኣለዋ።

ዕላማ ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑኡን ናጻን ርህውትን፡ ውሕስትን ልኡላዊትን፡ ንህዝባ እትኸውን ሃገር ምህናጽ’ዩ ነይሩን ዘሎን። ነዛ ሃገር’ዚኣ ንምህናጽ፡ ሎሚ ነቲ ዓመጽ ዘፈልፍል ዘሎ ኣቃውማ ምፍራስ የድሊ። ኣብዚ ዝሓለፉ 26 ዓመታት እናገርገረ ዝመጸ፡ ብውሕልነት ዝተሃንጸ ነቲ ጸጽቡቑ እናቐተለ፡ ነቲ ኽፉእ ዘባዝሕ ቕርጺ ዓመጽ ብምእላይ፡ ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ክነብረሉ ዝመርጾ ኣቃውማ ሃገር ምህናጽ የድሊ ኣሎ። እታ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃንጻ ሃገር፡ ሕጊ ዝኸብረላ፡ናጽነት ዜጋታት ከም ቀዳምነት ዝቝጸረላ፡ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ዜጋታት ዘፍርሕ ንሰባት ካብ ራዕዲ ዝከላኸለሎም ዝዀነላ፡ ሰባት ዝጨውዩን ዝርሽኑን ዓመጽቲ ከካብ ዘለውዎ ተሃዲኖም ኣብ ፍርዲ ዝቐርቡላ ሃገር’ያ።

ባህጊ ሃገር በቲ ዝድለ ኣገባብ ክህነጸሉ ዝነበሮ ግዜ ከም ዝተኸስረ ዕድል ጥራይ ዘይኮነስ ከም ብድሆ ተበግሶ ተራእዩ  ሕጂ’ውን ሕውየት ክእውጀሉ ዘይክእል  ምኽንያት የልቦን።

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →