Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ወርሒ ግንቦት ነፈርቲ ኩናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓንቲ ናይ ተወላዶ ብሄረ ዓፋር (ዕዲ) ጃልባ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ደብዲበን ኣቃጺለን – ሓደ ሰብ ሞይቱ 3 ብኸቢድ ቆሲሎም።

By   /  May 12, 2017  /  Comments Off on ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ወርሒ ግንቦት ነፈርቲ ኩናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓንቲ ናይ ተወላዶ ብሄረ ዓፋር (ዕዲ) ጃልባ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ደብዲበን ኣቃጺለን – ሓደ ሰብ ሞይቱ 3 ብኸቢድ ቆሲሎም።

    Print       Email

ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ወርሒ ግንቦት ነፈርቲ ኩናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓንቲ ናይ ተወላዶ ዕዲ ብሄረ ዓፋር ኤርትራ  ጃልባ ኣብ ቀይሕባሕሪ ደብዲበን ኣቃጺለን። ብሰንኪ እቲ ብነፈርቲ ኩናት ኢማራት ኣብ ልዕሊ ብኤርትራውያን ዜጋታት እትውነን  ጃልባ እተገበረ ደብዳብ ሓደ ተወላዲ ዓፈር ሽኡ ንሽዑ ክመውት ከሎ ሰለስተ ካልኦት ብኣዚዩ ከቢድ ደረጃ ተጎዲኦም ምህላዎም ተሓቢሩ። እቶም ብኸቢድ ዝተጎድኡ ሳላ ቅልጡፍ ሓገዝ ናይቶም ደቂ ከባቢ ናብ መሬት ክበጽሑ ከምዝኸኣሉን ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ምህላዉን ተሓቢሩ። 

 
ህዝቢ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ናብ ባሕሪ ከይወፍርን ዝኾነ ናይ ዓሳ ምግፋፍ ይኹን ናይ መዓልታዊ ህይወቱ ምንቅስቓስ ኣብ ገማምግም ከይገብርን ተኣጊዶም ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ እዚ ብነፈርቲ ኩናት ሕቡራት  ኢማራት ዓረብ ዝተገበረ ደብዳብ ህዝቢ ዓፋር ብዘይ ፍቓድ ኢማራት ኣብ ገዛእ ባሕርታቱ ስለዝተንቀሳቐሰ ዝተገበረ መቕጻዕቲ ኢዩ። 
 
ምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ህዝቢ ዓፈር ካብ ከባቢ ዕዲ ክሳብ በርዓሶለ ከምኡ ውን ከባቢታት ዓሰብ ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ዝኾነ ምንቅስቓስ ከይገብር ብወግዒ ንህዝቢ ከምዝገለጸ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፤ብሰንኩ  ህዝቢ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣዚዩ ከቢድ ጥሜት ኣጥቂዕዎ ምህላዉ ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ካብቲ ዝርካቡ መሬት ኣታዊ ዘይገበረ ህዝቢ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ምስ የመን ዝነበሮ ንግዳዊ ምምልላስ ስለዝተኣገደ፥ መዓልታዊ ህይወቱ ኣዚዩ ከቢድ ከምዘሎ እውን ዘርዚሮም። 
 
ህዝቢ ዓፋር ካብ ባሕሪ ዓሳ እንዳገፈፈ ናይ መግቢ ጠለባቱ ከየማልእ ብምኽልካሉ ብሰንኪ እቲ ንሕቡራት ኢማራት ዝተሸጠ ባሕርታቱ ኣብ ከቢድ ደርቂ ከምዘሎ ዝገለጹ ምንጭታት ባዕዳዊ ሓይሊ ንዋና ባሕሪ ብሓይሊ ሓዊ ደብዲቡ ኪቐትሎ ምርኣይ ኣዚዩ ዘሕዝን ተርእዮ ሙኻኑ ገሊጾም። 
 
ቅድሚ ሕጂ እውን መንግስቲ ኤርትራ ብምስጢር ዝሓዞ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፈር ኣጋጢሙ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ጥሪ 2016 ኣብ ፊት ወደብ ዓሰብ ኣብ ዘላ ደሴት ቴንዳ ተኺሎም ዓሳ ዝገፉ ኣብ ልዕሊ  ዝነበሩ 40 ዝኾኑ ተወላዶ ብሄረ ዓፋር ብናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሄሊኮፕተራት ከምዝተደብደቡ ዝቲ ዜና ኣዘኻኺሩ። ወከልቲ ህዝቢኢ ዓፈር ናብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከይዶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘጋጠመ ደብዳብ እኳ እነተገለጹ፤ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብኣንጻሩ ነቶም ህዝቢ ስለምንታይ ኣብ ዝተኸልከለ ቦታ ትንቀሳቐሱ ኢሎም ከምዘጓጠጡሎም ተሓቢሩ። 
 
ኣብዚ እዋን እዚ ብወግዒ ካብ ከባቢ ዕዲ፤ በርዓሶለ ክሳብ ሓርሲለ ዘሎ ባሕርታት ብወግዒ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝተዋህበን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ  ይኹን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ከይተረፉ ናብቲ ከባቢታት ክንቀሳቐሱ ፍቓድ ከምዘይብሎምን ተሓቢሩ። ኣብዚ ዝተጠቐሰ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ዝኾነ ሰብ ቶኪሶም ኪቐትሉ ሓይልታት ኢማራት ዓረብ ምሉእ ስልጣን ዘለዎም ኮይኑ፤ ብሰንኪ እዚ እምሪ ስልጣንን ገንዘባዊ ሃብቲን ሓደ ስድራ ንምሕላዉ ዝተገበረ ውዕል  ተደጋጋሚ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ዓፈር ኢዩ።
 
መሬትን ባሕርን ህዝቡ ሸይጡ ገዛእ ዜጋታቱ ብባዕዳውያን ክቕተሉ ዝገድፍ መንግስቲ፤ መርኣያ ናይቲ ካብ ሉዓላዊ ክብረትን ሃገራዊ ሕልናን ዝረሓቐ መንነት ናይቲ ስርዓትን ናይ መወዳእታ መድረኽ ዕምሩን ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። 
    Print       Email

You might also like...

ኩሎም ናይ ጣዕሳ ወረቐትን 2%ን ከፊሎም ዝመላለሱ ዝነበሩ ዜጋታት ክወሃቦም ዝጸንሐ ሓለፋታት ካብ 7 መስከረም 2017ጀሚሩ ከምዝተሰረዘ ተሓቢሩ። 

Read More →