Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ : ኣብ ቅድሚ ወከልቲ ምምሕዳርን ሽማግለ ዞባ ደቡብን 4 ሰባት ረሺኑ!

By   /  May 7, 2017  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ : ኣብ ቅድሚ ወከልቲ ምምሕዳርን ሽማግለ ዞባ ደቡብን 4 ሰባት ረሺኑ!

    Print       Email

እዚ ናይ ምርሻን ስጉምቲ ዝተወሰደ ብዕለት 28 ሚያዝያ 2017 ሙኻኑ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተረሸኑ  ሰባት ዝተነበበ ‘ክሲ’ ምስ ስግረ ዶብን ምስ ጸላኢ ምትሕብባርን’ ዝተኣሳሰረ ምንባሩ ሓቢሮም።

እቶም ብጥይት ዝተረሸኑ ሰባት ኣስማቶም  1) ማዓሾ ገረላሰ  2 ኢብራሂም መንሱር  3) ያቆብ ኣረጋዊ  4) ተስፋልደት ገብረክርስቶስ ዝተባህሉ ኢዮም። ኣብቲ ዕለተ ምርሻን  በቶም ዝረሸንዎም ኣካላት መንግስቲ ዝተነበበ ዝርዝር  ክሲ ‘እዞም ሕጂ ዝርሸኑ ሰባት፤ ኣብ ከባቢታት ሰንዓፈን መረብን ብብዝሒ ሰባት የስግሩ ዝነበሩ ኮይኖም፤ ብዙሓት ደሃዮም ዘይተረኸበ ቆልዑ ዝሸጡን ካልእ ሃገራዊ ክሕደት ዝፈጸሙን ኢዮም’  ዝብል ይርከቦ።

ኣብ እዋን ምርሻን ብወግዒ ጻውዒት ዝተገበረሎም ወከልቲ ምምሕዳር ዞባን ሽማግለ ዓዲን ተረኺቦም ምንባሮም ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ድሕሪ ምርሻን ናይ 1) ማዓሾ ገረላሰ  2 ኢብራሂም መንሱር  3) ያቆብ ኣረጋዊ  4) ተስፋልደት ገብረክርስቶስ ፤እቶም ወከልቲ ህዝቢ ተባሂሎም ዝቐረቡ ሰባት ዝኾነ ሕቶ ወይ ርእይቶ ከምዘይሃቡን ክህቡ እውን ከምዘይተፈቐደሎምን  ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ገሊጾም።

እቲ ምርሻን ብሓሙሽተ ገጾም ተሸፊኖም ዝመጹ ሰባት ዝተፈጸመ ምንባሩ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ድሕሪ እቲ ምርሻን ካብ ስለያ ማእከላይ እዝ ዝመጸ ሓላፊ ‘ነዞም ናብ ኢትዮጲያ ዜጋታት ዘስግሩ ዘለዉ ሰባት ብሕጂ ዝጽበዮም ዕጫ እዚ ዝረኣኽሞ ምርሻን ኢዩ’ ክብል ከምዝገለጸ ሓቢሮም።

ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ሕጊ ስለዘየሎ፤ መንግስቲ ባዕሉ ከሳሲ፤ ባዕሉ ፈራዲ፤ ባዕሉ ኣሳሪ፤ ባዕሉ ‘ኣኽባር’ ሕጊ፤ ባዕሉ ቀታሊ ኢዩ፤  ስለዝኾነ፤ ግዳያት ነብሶም ንምክልኻል ይኹን ናይ ጠበቓ መሰል ስለዘይግበረሎም፤ እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ተገሊጹ ብመንግስቲ ኤርትራ ብሓይሊ ብረት ተወሲዱ ዘሎ ተግባራት፤ ፍትሓዊን ሕጋዊን መስርሕ ዘይተኸተለ ስለዝኾነ ሓደገኛ ተግባር ሙኻኑ ናይ ሕጊ ክኢላታት ይገልጹ።

ዝኾነ ሰብ ገበኘኛ ዝበሃል ግሉጽነት ኣብ ዘለዎ ፍርዳዊ መስርሕ ተዳኒዩ ብዓንቀጻት ብዝጥቀስ ሕግታት ተሓታቲ ምስዝኸውን ጥራይ ሙኻኑ ዝገለጹ  እቶም ክኢላታት፤ መፍትሒ ናይ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር ብቕዋም እትመሓደር ሃገር ብምምስራት ልዕልና ሕጊ ምንጋስ ጥራይ ሙኻኑ ገሊጾም።

ስግረ ዶብ ብዝምልከት ናይ መንግስቲ ኢድ ከምዘለዎ ዘረጋግጹ ብዙሓት ጭብጥታትን ሓበሬታን ከምዘለዉ ብምጥቃስ፤ እቶም ብመካይን ዘስግሩን ናይ ወረቐት ኣሳልጦ ዝህቡን፤ እቶም ንዝሰግሩ ሰባት ምስተታሕዙ ኣብ ሳልስቲ ነጻ ዝለቁን ኣካላት ጸጥታ ተረኦም ብኸመይ ክግለጽ ይከኣል ቁንቁንኡ ንምርዳእ ዘሸግር ሕልኽላኽ ነገር ሙኻኑ እቶም ናይ ሕጊ ክኢላታት ንምንጭታትና ሓቢሮም።

    Print       Email

You might also like...

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት መደብ ከምዘለዎ ይሕበር ኣሎ፡ ዛጊት እንታይ ተገይሩ ኣሎ፤ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ናበይ ገጹ ኪቐንዕ ይኽእል።(1ይ ክፋል)

Read More →