Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሓርነት እምበር ሓይሊ ንዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከብል ዓቕሚ የብሉን

By   /  May 5, 2017  /  Comments Off on ሓርነት እምበር ሓይሊ ንዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከብል ዓቕሚ የብሉን

    Print       Email

ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ 2017 ኤውሮጳዊ ሕብረት ብውክልና ፍሉያት ልኡኻት መንግስቲ ሽወደን ናብ ኤርትራን ኣዲስ ኣበባን ብምምልላስ:  ብዛዕባ ትግብኣረ ምምልካት ዶብ  ተዘራሪቦም ኣለዉ። ኣብቲ ርክብ ክልቲኦም መንግስትታት ማለት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ምምልካት ዶብ ብኸመይ ኣብ ዝብል ጉዳይ  ነናቶም ዝብልዎ መርገጺ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ንትሕዝቶ ናይቲ  ርክባትን ውጽኢቱን መሕለፍያ ዘለዎም ምንጭታት ከምዝገለጽዎ፤ እቲ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ፕረዚደንት ኢሳያስ ንምርኻቦም ፍቓደኛ ከምዘይነበረ ይሕብሩ። በዚ መሰረት ልኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት  ነቲ ምስ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብን፤ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገረመስቀልን ዘካየዶ ርክብን ውጽኢቱን  ከም ወግዓዊ መርገጺ  መግስቲ ኤርትራ ክወስድዎ ከምዘጸግሞም ገሊጾም ኣለዉ። ልኡኻት ኤርዎጳዊ ሕብረት ምኽንያት ናይዚ ክገልጹ ከለዉ፤ ቅድሚ ሕጂ ምስዞም ሰበስልጣን ዝግበር ርክባት ትርጉም ዘለዎን ውሳነ ክህቡ ዝኽእሉን ይመስሎም ከምዝነበረ፤ ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ከምዘረጋገጽዎ ግን ንሶም እቶም ናይ ኤርትራ ሰበስልጣን እውን እንተኾነ፥ ፕረዚደንት ኢሳያስ እንታይ ክብል ከምዝኽእል ንምግማቱ ከምዘጸግሞም ክቅብ ዝተፈላለዩ ምልክታትን ጭብጥታትን ከረጋግጹ ምኽኣሎም የውክኡ።  ከምኡ ስለዝኾነ ኣብ ኤርትራ ዝሕሰብ መደባት ይኹን ዝፍጸም ውሳነታት ኣብ ትሕቲ ፍጹም ዋንነት ፕረዚደንት ኢሳያስ ጥራይ ስለዝኾነ፤ እቲ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝገበርዎ ርክብ እቶም ዝረኸብዎም ሰበስልጣን እውን እንተኾኑ ክሰምዕዎን ክምልስዎን ዝፍቀደሎም ውሱን ምንባሩ ሓቢሮም። 

በዚ ኾነ በቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት እዚ ተበግሶ ዝወስደሉ ዘሎ ምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዘሎ ኩነታት ብኣሉታ ይጸልዎ ብምህላዉ ሙኻኑ፤ ካብ ምንጭታት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ተበግሶ ዘንቅሎም ዘሎ ምኽንያት ካብ ኤርትራን ኢትዮጶያን ዝመጹ ስደተኛታት ንምዕጋት ሙኻኑ እውን፤ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ። ብመሰረት እቲ ዝወጸ ሓበሬታ፤ልኡኻት እውሮጳዊ ሕብረት፤ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ዘለዉ ስደተኛታት ንፖለቲካዊ ቅርጻ መሬት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብኣሉታ ይጸልዉ ምህላዎም፤ ብሰንኪ እቲ ዋሕዚ፤ ኣብ ኤውሮጳ ዝስዕርር ዘሎ  ጽልኣት ወጻእተኛታትን ዓሌትነትን (Xenophobia & racism) ኣዚዩ ይውስኽ ምህላዉ፤ ነዚ ዝምዝምዙ ናይ ጥሩፍ የማን ሰልፍታት ( ከም ናይ ፈረንሳ ሕጽይቲ ሃገራዊ ግንባር ሚስ ማኺ ለፐን፤ ናይ ሆላንድ ስዑር ሕጹይ ጊርት ዊልደር)  ድማ ኣብ ስልጣን ናይ ምምጻእን ምብትታን ኤሮጳዊ ሕብረት ኣብ ምቅልጣፍን ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ምህላዉ ይእምቱ (ብቕሉዕ ኣይበልዎን)። ብሓጺር ኣበሃህላ ከምቲ ልኡኻት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝገለጽዎ፤ ኣታ ኣህጉር ተሻራኺት (stakeholder) ናይቲ ኣብ ኢትዮጲያን ኤርትራን ዘሎ ዘይተፈትሐ ጸገማት ኮይና ኣላ ዝብል ኢዩ። 

ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ትንታነ ሓቅነት ዘለዎ ኢዩ፤ የግዳስ ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ክግበር ዘለዎ ብመጀመርያ ምእንቲ ሰላምን ብልጽግናን ምንብባርን ክልቲአን ሃገራት እምበር ኤውሮጳዊ ሕብረት መታን ክሕሾ ካብ ዝብል ድርኺት ዝብገስ ኪኸውን ኣይግባእን። ኤውሮጳዊ ሕብረት ብመንገዲ ሰነተር ሬናቶ ሴሪ ክታሙ ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘነበረ ኣውሓሲ ዞባዊ ውድብ ኢዩ፤ ንሱ ዘሰክሞ ሕጋውን ሞራላዊን ሓላፍነት እውን ኣለዎ።  ካብ ኤርትራ  ይኹን ካልእ ሃገራት ዝውሕዙ ዘለዉ ብዝሒ ስደተኛታት ደው ዝብል፤ ብሓርነት ኣህዛብ እምበር ብናይ ሓይሊ ኣስገዳድ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ናብቶም ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ዝጽበዮዎም ሻርክታት ማእከላይ ባሕሪ ዝጎዓዙ ዘለዉ፤ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ሻርክ ካብቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘለዉ ሻርክ ታት ዝያዳ ስለዝጭክን ኢዩ። 

ንስደትን ስደተኛታትን ናይ ምግታእ ስትራተጂን ብዝምልከት ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኑዩዮርክ ቤትጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት  ዋዕላታት ተጋቢኡ ነይሩ። ምምሕዳር ኣሜሪካ እውን 6 ሃገራት ዝዓደመ ንዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት ኣኼባ ኣካይዱ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብቲ ቀዳማይ ዋዕላ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ምስ ኤውሮጳ ዝገበሮ ስደተኛታት ብሓይሊ ናይ ምምላስ ምጉት ሒዙ ቀሪቡ ነይሩ። 

ንሙኻኑ ስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ዝስደድ ዘሎ። እዚ ድሕሪ ዋዕላ ቫሌታን ካርቱም ኣረንጅመንትን ዝተራእየ ሓድሽ ምዕባሌታት ብኸመይ መጺኡ፥ ኣብ ዞባዊን ዓለማውን ኩነታት እንታይ ተቐይሩ፥ ደፋእትን ሰሓብትን ረቛሒታት ዋሕዚ ኤርትራውያን እንታይ እዮም፥ ብወገን ግዳያት ክግበር ዝግበኦ ነገራት እንታይ እዩ ኣብዚ ዓንቀጽ ንምድህሳሶም ክፍትን ኢዩ።

ጠንቂ ዋሕዚ ኤርትራውያን

  • ደፋኢ ረቓሒታት

ህጻናት ከይተረፉ ዝርከብዎም መንእሰያት፥ ኣረጋውያን፥ ማእከላይ ዕድመ፥ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ኤርትራውያን በእላፍ ናብ ስደት ዘውሕዞም ዘሎ ሓደ ንጹር ምኽንያት እዩ ንሱ ድማ ሰብኣዊ ክብረትን ሓርነትን ስለዝሰኣኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዋና ነብሱ ኮይኑ ብምርጫታት ሓርነቱ ክነብር ክሳብ ዘይተፈቐደሉ ድማ እዚ ዋሕዚ እዚ ብዝበርተዐ መልክዑ ክቕጽል ሙኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ከምዚ ሎሚ ብዛዕባ ምትግባሩ ዝሕበር ዘሎ ‘ምውሳኽ ደሞዝ’ ይኹን ካልእ መሬትን ሰማይን ዘላግቡ ‘ብስራታት ኣዋጃት’ ውን እንተመጹ ድማ ደው ከብሎ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ብገንዘብ ዝግዛእ ሓርነት፥ ብኣዋጅ ዝድበስ ዓመጽ ስለዘየለ።

  • ሰሓቢ ረቓሒታት

ሽሕኳ እቲ ደፋኢ ረቋሒ ንጹር፥ ሰሓብቲ ረቋሒታት ድማ ሳዕቤን ናይቲ ቀንዲ ደፋኢ ረቛሒ ሙኻኑ ንጹር ይኹን፤ ንኤርትራዊ ዋሕዚ ኣብ ምዕጋት ዘይሓገዙ ሰሓብቲ ረቛሒታት ግን ኣይተሳእኑን፥ ክልተ ካብዞም ረቛሒታት  1) ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቶም ፓስፖርት ዘለዎም ዜጋታት ቪዛ ዝህብ ዘይሙኻኑ ብኣንጻሩ ብባሕሪ ምስኣተዉ መንበሪ ዝህብ ሙኻኑ 2) እቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ዝገበሮ ዘይተጸንዐ ዘይክውንነታዊ ጽምዶ ንምጥቃስ ይከኣል።

ምሱላኽ ደቂ ሰባት

ከምዚ ኣብ መእተዊ ጽሑፍ ዝተገለጸ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዚቢ ህይወቱ ‘ጥሜት ብዘይ ሓርነት’ ምስኮኖ፤ እታ ሓንሳብ ዝነብራ ህይወቱ ከይተወደአት ምንባር ንኽነብር ናብቲ ሕሰም ሙኻኑ ውን ዝፈልጦ ‘ጥሜት ምስ ሓርነት’ ክወፍር ይቕሰብ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ናብ ደለኻዮ ሃገር ምጋሽ እረ ፓስፖርት ምሓዝ እውን ዘይፍቀድ ስለዝኾነ ድማ ናብቲ ብዘይፓስፖርት ዝኽየድ መንገዲ ክጓዓዝ ይግደድ።

እዚ ኩነታት ምቹእ ዕድል ዝፈጠረሎም፤ ሰባት ናይ ሙስላኽ ዕድል ዘለዎም ሰብ ዓቕሚ፤ ብፍላይ ድማ ገለ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብኣሽሓት ዶላራት እንዳወሰዱ ሰባት ከስሉኹ ጀሚሮም። ጸኒሑ እቲ ናይ ዶላር ሕጽረት ዝነበሮ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ሙስላኽ ሰባት ክንድኡ ኣታዊ ዝርከቦ ሙኻኑ ምስተገንዘበ ብደረጃ መንግስቲ ክኣትዎን ካብ ሙስላኽ ሰባት ናብ ንግዲ ደቂሰባት ከዕርጎን ተራእዩ።

ንግዲ ደቂ ሰባት

ስደተኛታት ብመንገዲ ኣስሎኽቲ ካብ ኤርትራ ምስወጹ ናብ ሱዳን ወይ ኢትዮጲያ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ጉዕዞኦም ካብ ምስ ኣስሎኽቲ ሰባት ናብ ምስ ነጋዶ ደቂሰብ ይሰጋገር። ፓስፖርት ስለዘይውንኑ፥ ፓስፖርት እንተለዎም ድማ ብግቡእ ቪዛ ስለዘይወሃቡ፥ ናብቲ ጉዕዞ ምስ ዝወስድዎም ኣስገርቲ ክጽምዱ ይጅምሩ። እቲ ጉዕዞ ዘይሕጋዊ፤ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ዓንኬል ድማ ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ስርቂ፤ ምሻጥ፤ ዖታዊ ዓመጽ፤ ጅሆ ሒዝካ ገንዘብ ምጥላብ፤ መሸጣ ናውቲ ወዘተ ካልእ ገጽ ናይቲ ንግዲ ደቂ ሰብ ይኸውን። ኣብዚ ሰንሰለታዊ ንግዲ ደቂሰባት ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ናይ ኤርትራውያን ልዑል ተራ ምህላዉ ኣብዛ ንክልተ ዓመት መመላእታ ዝጠፍአት መርከብን ኣብኣ ዝተሳቐዩ ኤርትራውያንን ተጋሂዱ ኣሎ።

ኣሉታዊ ተራ ሃገራት ኤውሮጳ

ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ሃገረን ዝኣትዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን (ብሕጋዊ ኣብሃህላ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኢልካ ምጽወዖም ንባዕሉ ዘይሕጋዊ እዩ) ኣብ ኣፍደገ ባሕርታተን ዝቕዘፉ ስደተኛታትን ምስ በዝሑ እቲ ዋሕዚ ካብ ምንጩ ምድራቕ ዝብል ፖሊሲ ኣጽዲቐን።

እቲ ውሳነ መበገሲ ሓሳቡ ቅኑዕ እኳ እንተነበረ እቲ “ብኸመይ?” ዝብል ናይ ትግባረ መሪሕ ክፋሉ ግን ብኣዚዩ ጉጉይ ቅማረ ዝተበጽሐ ኣዕናዊ ፖሊሲ ተኸቲሉ እዩ ንምትግባሩ ነቒሉ።

እቲ ፖሊሲ ብሓጺሩ ከምዚ ዝስዕብ ይጠቓለል ይከኣል። መበገሲ ናይዚ ዝለዓለ ዋሕዚ ኮይነን ዘለዋ ሃገራት ሶርያን ኤርትራን ኢየን፤ ስለዚ ናይ ኤርትራ ስደተኛታት ምስ ኤርትራ፤ ሊብያን ሱዳንን ጽምዶ ብምግባርን ሓገዝ ብምሃብን ነቶም ስደተኛታት ካብ ምብጋሶም ደው ምባል ይከኣል እዩ ዝብል እዩ ጽማቕ ፍረ ነገሩ።

ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ጠንቂ ሽግርን ባዕሉ ሽግርን ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ከም ኣካል ፍታሕ ምቕማጠን፥ ንሃገራዊ ድሕነተን ክብላ ድማ ነቲ ኣብ መቕሎ ዓመጽ ዝጥበስ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ መፍትሒ ናይ እቲ መሰረታዊ ሽግሩ ከይተዛረባ ግዳይ ኮይኑ ክቕጽል ስለዝወሰና ድማ እቲ ፖሊሲ ከይተወለደ ከምዝመዉት ኮይኑ።

ኣሉታዊ ተራ መንግስቲ ኤርትራ

ከምዝተገለጸ ጠንቂ ናይቲ ሽግር ፖሊሲታትን ኣካይዳን ናይ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብዘይቅዋም ዝምራሕ፤ ልዕልና ሕጊ ዝቐተለ፥ ብናይ ባዕሉ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተስገደደ፤ ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባራቱ ንምርጋእ ድማ ብሓይሊ ፖሊስን ጸጥታን ምፍርራህን ራዕድን ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት እዩ። ነቲ ኣንጻር እዚ ፖሊሲ ክለዓል ዝኽእል መንእሰይ ጅሆ ንምሓዙ ድማ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣዊጁ ይቕጽሎ ኣሎ።

ኣብ ባይቶታት ሃገራት ኤውሮጳ ነናይ ባዕለን ሽግር ንምእላይ፤ ‘ምልካዊን ዘይሕጋውን ውን ሙኻኑ እንዳፈለጥና ስደተኛታት ደው ንምባል ምዝርራብ ንጀምር ምኽንያቱ ንሕና ናይ ዓለም ፖሊስ ስለዘይኮና ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝገብሮ እንታይ ይምልከተና’ ዝብል ሓሳብ ምስዓብለለ ንመንግስቲ ኤርትራ ስደተኛታት ደው ንምባል ክጸምዱ ኣምሳያ ናቱ ድማ 200 ሚልዮን ዶላር ክህብዎ ወሲኖም።

ንመንግስቲ ኤርትራ እዚ ጽምዶ እዚ ካብቲ ጎቢእዎ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ንምድሓን በቲ ሓደ ወገን፤ እቲ ዝርከብ ኤውሮ ንምኽሳብ ድማ በቲ ካልእ ተዘይኮይኑ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ከምዘየሎ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ምኽንያቱ ስደት ደው ዝብል ህዝቢ ሓርነቱ ምስዝረክብ እዩ፤ህዝቢ ሓርነቱ ዝረክብ ድማ እቲ ሓርነቱ መንዚዕዎ ዘሎ ስርዓት ምስዝእለ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ድማ ካብ ስልጣን ክእለ ከምዘይኮነ ኤርትራ ብዘይ ብኡኡ ክትህሉ ኢሉ ዝሓስብ እንተሎ ናብ ወርሒ ክግዕዝ ብዕሊኣዊጁዎ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብዘይሓርነቱ ኪቐውም ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ነቲ ብኣእዳዉ ኣብ ሳናዱቕ ምርጫ ከድምጾ ዝተኾነኖ ድምጺ ብጉዕዞ ኣእጋሩ ጌሩ ክነግሮ ካብ ዝውስን ዓመታት ቆጺሩ እሎ።

ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ዘሎ ተመዓዳዊ ጉዕዞ ናይ ኤውሮጳ ፖለቲከኛታት ዘይፈለጥዎ ነገር እንተነይሩ 1) መንግስቲ ኤርትራ እንተደለየ አውን ስደተኛታት ደው ከብሉ ዓቕሚ ከምዘይብሉ 2) ሕሉፍ ባህርያት ናይቲ ስርዓት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዝተሰለዓሉ ገንዘብ ውን እንዳወሰደ ኣብቲ ባዕሉ ዘካይዶ ንግዲ ደቂሰባት ክዋሳእ ድሕር ከምዘይብል 3) ዋና እቲ ጉዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱን ብመንገዲ ወከልቱ፤ ሲቪካዊ ማሕበራትን ውድባት ተቓውሞን ብዉሑዱ ናይ ምምኽኻር መስርሕ ክገብሩ ምንባሮምን እዩ።

ህዝቢ ምኽሪ እንተዝሕተት ድማ ብርግጽ እዚ ዝስዕብ ምኾነ መልሱ። ንኤርትራውያን ስደተኛታት ሓርነት እምበር ሓይሊ ካብ ስደት ክዓግቶም ዝከኣል ኣይኮነን ። እዚ ሓቂ እዚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ጥራይ ዘይኮነስ መንግስቲ ኤርትራ ውን ኢዩ ዘይፈለጦ ዘሎ። ሓይሊ ንስደት ደው ዘብል እንተዝኸውን ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዶባት ተጸሚዱ ዘሎ ነቶግቲ፤ ኣብ ዶባት ዝግበር ቶኪስካ ቅተል ዝብል መምርሒ ንጉዕዞ ስደት ደው መበሎ፤ የግዳስ ካብ ኤርትራ ሕጂ ውን ክሳብ 3 ሽሕ ሰብ ወርሓዊ ይወጽእ ኣሎ፤ ስለምንታይ? መልሱ ንጹር ኢዩ፥ ፍትሒ እምበር ሓይሊን ጠበንጃን ንባህጊ ሰባት ደው ከብል ዝከኣል ኣይኮነን። 

ኣሉታዊ ተራ መንግስቲ ሱዳን

መንግስቲ ሱዳንን ኣሉታዊ ተርኡን ልክዕ በቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ባህርያት ክግለጽ ዝከኣል እዩ። ስርዓት ጀነራል ኣልበሽር ካብ ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ቁሪ ንሙሟቕ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረትን መንግስቲ ኤርትራን ከም መዋገዩ እዩ ወሲድዎ ዘሎ። ማዕረ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ፕሮጀክት ክሳብ 200 ሚልዮን ዶላር ደገፍ ስለዝረኸበ ናይ ኤውሮጳ ተምሳጥ ንምምራኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግፋ ከካይድ ንምፍጋዶም ሓሊኑ ፤ ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ይመልሶም ኣሎ።

ብወገን ኤርትራውያን ስደተኛታት እንታይ ክግበር ይግባእ።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰኣን ፍላጥ ዝገብርዎ ዝዓበየ ጌጋ ከም ስደተኛ ዘይምምዝጋብ እዩ። ዝኾነ ኤርትራዊ ይጠቀመሉ ኣይጠቀመሉ፥ የድልዮ ኣየድልዮ ብዘየገድስ ናብ ሱዳን ይኹን ኢትዮጲያ ምስኣተወ ሻቡ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ብምኻድ ክምዝገብ ይግባእ።

እዚ ብምግባር ኣብ ልዕሊኡ ንዝመጽእ ዝኾነ ናይ ግፋ ወይ ካልእ ተግባራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ክጣበቐሉን ኪከላኸለሉን የኽእሎ ማለት እዩ። ብዘይካ እዚ ኣብ ሱዳን ውሑስ መዕቆቢ ዝህባ ገለ ትካላት ስለዘለዋ ክሳብ ድሕነቶም ዝረጋገጽ ምስዘን ትካላት እዚኤን ንምርኻብ ምጽዓር ክድፈኣሉ ዘለዎ እዩ።

እተን ትካላት፤ ብሰራዊት ወይ ፖሊስ ሱዳን ዝግበር ዓመጻት ስለዘቓልዓ መንግስቲ ሱዳን ክህልዋ ስለዘየፍቅድን፤ ህላወአን ስለዘይፈትዎን ብወግዒ ምስራሕ የጸግመን እዩ። ዕድል ኣብ ዝሃለወን እዋን ግን ምስ ዝተወጽዑ ስደተኛታት ስለዝተሓጋገዛ ነዘን ኣካላት ንምርኻብ ምጽዓር ውሕስነት ዘውህብ እዩ።

ጻውዒት ንኤውሮጳዊ ሕብረት

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሃገራቶም ንዘሎ ዋሕዚ ንምግታእ ካብ ዝብል ብሓደ ኩርናዕ ጥራይ ዝርኢ ኣመለካኽታ፤ ንምልኪ ዘጽንዕ ንውጽዓት ድማ ግዳይ ዝገብር ጉጉይ ፖሊሲ ይኽተል ኣሎ። እዚ ፖሊሲ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ብሳልኡ ድማ ሓደ ስደተኛ ውን ደው ዝብል ክህሉ ከምዘይኮነ ግዜ ይምስክሮ ዘሎ ሓቂ እዩ።

ሰባት ሓርነት ደልዮም ኣብ ዝነቕሉሉ እዋን ደው ዘብሎም ሓይሊ የለን።ደው ዘብሎም ሓይሊ ሓርነት ጥራይ ኢዩ። ስለዝኾነ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓይልን ገንዘባዊ ጸጋን ምልኪ ደው ንምባልን ሓርነት ህዝቢ ንክረጋገጽን ደኣምበር ህዝቢ ክርገጽ መሳለጢ ኪኸውን የብሉን።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር ዝፍታሕ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ቆይሙ ብልዕልና ሕጊ ተገዚኡ ሓርነት ሰባት ምስ ዝረጋገጽ ጥራይ እዩ። እዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ብኤርትራውያን ጥራይ እዪ ዝፍጸም።ይንዋሕ ይሕጸር ከኣ ሓርነት ኤርትራውያን ክረጋገጽ እዩ።ሽዑ ጥራይ እዩ ድማ ህብዚ ኤርትራ ንስደት ዘየማዕዱ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት እንተኾነ ቆላሕትኡ ናብ ምግታእ ምልካውነት እምበር ምግታእ ስደተኛታት ከተኩር ኣይግባእን። እቲ ቀዳማይ እንተተገይሩ እቲ ዳሕረዋይ ክስዕብ ሙኻኑ ርግጽ እዩ፤ ምኽንያቱ ሓርነት እምበር ገንዘብ ንዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከብል ዓቕሚ የብሉን።

    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ብሰደድ (Export) ዝልእኮ ሓደ ነገር ጥራይ ኢዮ – ስደተኛታትን ሕሰሞምን።

Read More →