Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

13 ኣባላት ማእከላይ መራኸቢታት ሚንስትሪ ምክልኻል፤ ሃገራዊ ድሕነትን፤ ቤ/ጽ ሕፈት ፕረዝደንትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

By   /  April 11, 2017  /  Comments Off on 13 ኣባላት ማእከላይ መራኸቢታት ሚንስትሪ ምክልኻል፤ ሃገራዊ ድሕነትን፤ ቤ/ጽ ሕፈት ፕረዝደንትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

    Print       Email

13 ኣባላት ማእከላይ መራኸቢታት ሚንስትሪ ምክልኻል፤ ሃገራዊ ድሕነትን፤  ቤ/ጽ ሕፈት ፕረዝደንትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

እቶም ካብ ዕለት 2 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 9 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ  ኣብ ትሕቲ ቀይዲ  ዝኣተዉ 13 ኣባላት መራኸቢታት፤ ከም ኦፐረይተራት ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ኢዮም። እዞም ብትእዛዝ ኮለነል ተስፋልደት ዝተኣስሩ ኦፐረይተራት ካብ ደንጎሎ ታሕታይ ብዝመጹ ኣባላት ፍሉያት ሓይልታት ከካብ ዝነበርዎ ተቐይዶም ከምዝተወስዱ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም እሱራት ከካብ ዝነበርዎ ድሕሪ ምቕያዶም ናብ ዶንጎሎ ከምዝተወሰዱ ተሓቢሩ ኣሎ። እዞም  ኣባላት ማእከላይ መራኸቢታት ሚንስትሪ ምክልኻል፤ ሃገራዊ ድሕነትን ቤ/ጽ ሕፈት ፕረዝደንትን ዝኾኑ ኦፐረይተራት፤ ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ዝተላእከ ሚስጢራዊ መልእኽትታት ናብ ጸላኢ ልኢኽኩም፥ ኮዳት ሰሪቅኩም ንጸላኢ ሂብኩም፥ ድራር ለይቲ ኮዳት ናብ ጸላኢ ኣመሓላሊፍኩም ዝብል ክሲ ኢዩ ወሪድዎም ዘሎ። እቶም 13 ኦፐረይተራት ናብ ደንጎሎ ድሕሪ ምውሳዶም ክሳብ እዚ ዜና ዝተላእከሉ እዋን ብትእዛዝ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፤ ከቢድ መርመራ ይካየደሎም ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

5 ካብቶም  ዝተኣስሩ ኦፐረይተራት፤ ስድራቤቶም እውን ድሒሮም ከምዝተኣስሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቶም ስድራቤታት ኣብ ጥቓ ፊንላንድ ሚስዮን ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ተኣሲሮም መርመራ ይግበረሎም ምህላዉ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ መዓልታዊ ምስዋርን ምእሳርን ዜጋታት ሎሚ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ተሰዊሩ ዝብሉ ፍጻመታት ዳርጋ መዓልታዊ ህይወት ዜጋታት ተቐይሩ ኣሎ።

    Print       Email

You might also like...

ኩሎም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ታዕሊም ዘይወረዱ መማህራን ናብ ታዕሊም ክወርዱ ሚኒስትሪ ምክልኻል ትእዛዝ ሂቡ። 

Read More →