Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ፕረዚደንት ኢሳያስ ከም ኩሎም ናይ ኣፍሪቃ ምልካውያን ስርዓታት፤ እምነቱ ናብ ጸቢብ ትሕተ – ሃገራዊን ስድራቤታዊን ምትእኽኻብ የቕነዖ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  April 8, 2017  /  Comments Off on ፕረዚደንት ኢሳያስ ከም ኩሎም ናይ ኣፍሪቃ ምልካውያን ስርዓታት፤ እምነቱ ናብ ጸቢብ ትሕተ – ሃገራዊን ስድራቤታዊን ምትእኽኻብ የቕነዖ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email

ፕረዚደንት ኢሳያስ ከም ኩሎም ናይ ኣፍሪቃ ምልካውያን ስርዓታት እምነቱ ናብ ጸቢብ ትሕተ – ሃገራዊን ስድራቤታዊን ምትእኽኻብ የቕነዖ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት፤ እንተላይ እቶም ንነዊሕ እዋን ብዘይ ስራሕ ደስኪሎም ዝነበሩ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ኣብ ምጽንጻን ከምኡውን ናይ ስለያን ጸጥታን ስረሓት ተዋፊሮም ምህላዎም ሓቢሮም።

ብዘይካ እዚ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንወዱ ኣቶ ኣብረሃም ኢሳያስ፤ ኣብቲ ብስም ስድራቤት ዝእከብ ዘሎ ዝበሃል ሚልዮናት ፋይናንሳዊ ምንቅስቓስ ብንጥፈት ከምዝዋሳእ ይገብሮ ምህላዉ፤ ምስ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ብቐረባ ይሰርሕ ምህላዉን ተሓቢሩ። ኣቶ ኣብረሃም ኣብቲ ምስ ኢማራት ዓረብ ዝግበር ስምምዓትን  ርክባትን፤  ብፍላይ ድማ ኣብቲ ካብ ኢማራት ዓረብ ዝወሃብ ዘሎ ገንዘብ ልዑል ተሳትፎ ከምዘለዎ ይሕበር።

ኩሎም መለኽቲ ኣብ መወዳእታ መድረኽ ናይ ዕምሮምን ዕምሪ ስልጣኖምን ንኹሉ ሰብን ትካላት መንግስቲን ኣብ ምጥርጣር ስለዘእትዉ፤ ናብ ጸቢብነትን ትሕተ ሃገራዊነትን ከምዘምርሑ ታሪኽ የረጋግጽ። ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ኣመት ድማ ናይዚ ኣዚዩ ጸቢብ ምትእምማን ዘጥፈአ ትሕተ ሃገራዊ ተርኢዮ ምስክር ኢዩ።

ጎኒ ጎኒ እዚ ተርእዮ፤ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ዕለታዊ ስረሓት ተገሊሉ ኣብ ዓዲሃሎ ከምዝውዕል፤ ብዘይካ እቲ መብዛሕትኡ ዘይሳለጥ ናይ ኣባይቲን መሬትን ጥርዓናት ዝሓዘ ወረቓቕቲ ሒዙ ዝመላለስ ኣቶ ኤደን ፋሲል፤ ካልእ ብዙሕ ዝረኽቦ ሰብ ዘይምህላዉ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ። ብመንገዲ ክልተ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ኣባይትን መሬትን ጉዳያት ከምዝከታተል ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፤ ንባዕሉ እቲ ፕረዚደንት እውን እንተኾነ ነታ ሃገር ዝቐበጻ ሙኻኑ ዝእምት ብዙሕ ባህርያት የርኢ ምህላዉ ገሊጾም።

እቶም ምንጭታት ‘ድሕሪ ዝገበርናዮ ደቂቕ መጽናዕቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ፤ ድሕሪ ካብ ስልጣን ምእላዩ እትበታተን ኤርትራ ንምርግጋጽ፤ ብመደብ ንምብትታን ሃገር ማለት  (Disintegration by design)  ይዓዩ ምህላዉ ከነረጋግጽ ክኢልና ኣሎና ክብሉ ሓቢሮም።

 

    Print       Email

You might also like...

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንተጋዳላይን ክብርታቱን!

Read More →