Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

እቲ ኣብ ልዕሌኻ ክፍጸም ዘይትደልዮ በደል ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣይትፈጽሞ/እዳተፈጸመ ትም ኢልካ ኣይትርኣዮ። Do not do unto others as you would that they should do unto you

By   /  April 20, 2017  /  Comments Off on እቲ ኣብ ልዕሌኻ ክፍጸም ዘይትደልዮ በደል ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣይትፈጽሞ/እዳተፈጸመ ትም ኢልካ ኣይትርኣዮ። Do not do unto others as you would that they should do unto you

    Print       Email

moral-compassኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ነዘርላንድስ ንምክያድ ዋዕላ መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራሲን ፍትሕን፡ከምኡ ውን ሰላማዊ ሰልፊ ቀጽሪ ተቓውሞን፤ ውሳነ ምምሕዳር ከባቢታት ኣይንድሆፈንን ከተማ ፊልድሆፈንን ዝምልከት ክስተታት ክምዕብሉ ጸኒሖም ኣለዉ።

እቲ ዝነበረ ፍጻመታት፡ውዳበን ኣካይዳን ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ፡ፍርዳዊ መስርሕን ውሳነን፥ቅሬታ መንግስቲ ኤርትራን መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራሲን ፍትሕን ብዝምልከት እንታይ ክግበር ነይርዎ፤ ኣየናይ ውሳነ ኢዩ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ንምባል መዝነት ይኹን ምሉእ ሓበሬታ ስለዘይብልና፤ ዕላማ ናይዚ ጽሑፍ ንዕኡ ዝምልከት ፍርዲ ንምሃብ ኣይኮነን።

እዚ ዓንቀጽ ነቲ ድሕሪ ውሳነ ዝተዋህበ መግለጺታትን ዝተራእየ መልሰተግባርን ዝምልከት ኢዩ ኪኸውን።

መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራሲን ፍትሕን ኣብ ዝኣምኑሉ ዕላማ ክወዳደቡ፤ምእንቲ ሃገሮም ኤርትራ ዓቕሞም ከበርክቱ ምርኣይ ጽቡቕ ኢዩ። ኣብ ስደት ዘሎ መንእሰይ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ ምስ ሃገሩ ዘለዎ ምትእስሳር ከትርር፤ ባህሉን መንነቱን ክዕቅብ፤ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገሩ ሱታፌ ክህልዎ እውን ክተባባዕ ዝግባኦ ምንቅስቓስ ኢዩ። ኣብ ወጻኢ ብዘየቋርጽ መንገዲ ንተኻታታሊ ዓመታት ምትእኽኻባቶም ምቕጻሎም ድማ ክምስገኑ ይግባእ።

ንሃገር ምግልጋል ማለት ግን ንሃገር ምግልጋል ማለትዩ። ሃገር ማለት ድማ ልዕሊ ኩሉ ንህዝቢ ዘቐደመ ሉዓላዊ መሬትን ባሕርን ኣየርን፤ ኣብ ትሕቲ ቅዋማዊ ግዝኣት ዘጽለለ ብሓጋጊ፤ ፈራዲ፤ ፈጻሚ ኣካል ዝቖመ ንህዝቢ ዘገልግል ስርዓትን ማለት’ዩ። ሃገር ማለት ሓደ ብዘይ ቅዋማዊ ሕጊ፤ ብሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተጻዒኑ ዘሎ ጉጅለ፥ ወይ ውን ሓደ ምስ ህዝቡ ኩናት ኣዊጁ ዘሎ ፕረዚደንት ማለት ኣይኮነን። ሃገር ማለት መዓልታዊ ዝበታተን ህዝቢ፤ ሓደ ክፋል ናይ ቀዳማይ ደረጃ ዜግነት እቲ ካልእ ናይ ባርነት ደረጃ ዜግነት ዘለዎ ሕብረተሰብ ዝሓቖፈ ህላወ ማለት ኣይኮነን። ሃገር ማለት ነዓይ እትኾነኒ ንኻልኦት ዝደለየት ትኹን ዝበሃል ኣቃውማ ዘለዋ ኣይኮነን። ሃገር ዘይናይ ሓባር፤ሓላፍ ዘላፍ መሰላት፤ ደቂ ማእከልን ወሰንን፤ ሓደ ጥራይ ዝኩዕተላ እቲ ካልእ ድማ ጥራይ ፍሬኣ ዝበልዓላ  ኣይኮነትን። ሃገር ማለት እቲ ሓደ ካብ በዓል 5 ጽሩራ ኮኾብ ስለዝወጸ ዘማርረላ፤ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ ዘሎ ወገኑ ድማ ስለምንታይ ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ ሰፊረ ኢሉ የማርር ኢሉ ዘማርረላ ኣይኮነትን። ሃገር ማለት እቲ ኣብ ዶብ ኮይኑ ዝብጆ ዘሎ ‘እቲ ኣገልግሎት’ ተባሂሉ ዝጽወዓላ፤ እቲ ኣብ ወጻኢ ዋዕላ ጌሩ ዝሳዕሰዐ ድማ ‘ድምጺ ዘይብሉ ጅግና’ ተባሂሉ ዝጽወዓላ ኣይኮነትን። ጅግና?

ሃገር ከም ንቡር ማይ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝውሕዘላ ኢያ። ኣብ ኤርትራ ግን ልዕልና ግዝኣትን ማዕርነትን ሓርነትን ህዝብታት ኣፍሪሶም ማይ ንዓቐብ ዘውሕዙ ግንጢ ኣካይዳ ክበዝሑ ካብ ዝጅምሩ እዋን ኣቑጺሮም ኣለዉ።

ከም ኣብነት እቲ ንሃገሩ ወላሓንቲ ዘይገበረ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘሎ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ኣስተምህሮ ክህቦ ይረአ። እቶም ብልዕልና ኣበርክተኦም ድሕሪ ስዉኣት ዝበረኸ ቦታ ተዋሂቦም ብኽብረት ክተሓዙ ዝግባእ ኣካለ ስንኩላን፤ ኣብ ዝተረቀዐ ዚንጎ እንዳነበሩ እቶም ንኤርትራ ንኣዋርሕ ዝበጽሕዋ ኣብ ደገ ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ ፊት እቶም ስንኩላን ቤተመንግስቲ ዝመስል ህንጻታትን መሬትን ይወሃቡ። እቲ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቡ ሓንቲ መዓልቲ ኢሂን ሚሂን ተባሃሂሉ ዘይፈልጥ ጉጅለ፤ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ በብናቶም ምኽንያት (ገለ ንስለቲ ኣብ ዓዲ ዝርከብ መረባዕ፤ ገለ ስድራ ንምብጻሕ ንምምልላስ፤ ገለ ጂሆ ስለዝተታሕዙ፤ ገለ ብሰንኪ ድኹም ሰብነቶም፤ ዝበዝሑ ድማ ሰኣን ዝተሓተ ንቕሓቶም) ንዝድግፉ ሰባት ወግሐ ጸብሐ ሰሚናር ሳዕስዒት ምክያዱ ገለ ካብቶም ዝገርሙ ተርእዮ ኢዮም።

እቲ ድሕሪ ምስራዝ ዋዕላ ዘጋጠመ ዝገርም ነገር ድማ መቐጸልታ ናይዚ ስግንጢር ባህርያት ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ቅዋም ዓምጺጹን ረጊጹን ንዘሎ ስርዓት ዝድግፉ ሰባት ኣበየናይ ሕጋዊን ሞራላዊን ባይታ ኮይኖም ኢዮም ቅዋም ናይ ነዘርላንድስ እንዳጠቐሱ ክማጎቱ ዝፍትኑ? ይትረፍ ናይ ኣማኢት ውዳበን ምትእኽኻብን፤ ሕብረት ንጽል ስድራቤታትን ምርኻብ ደቂ ሓንቲ ኣደ ዝኾኑ ኣሕዋትን ከልኪሉ ንዘሎ ስርዓት ብምድጋፍ ‘ሕራይ ገበርካዮም’ ክብሉ ዝውዕሉ ሰዓብቲ፤ በየናይ መለክዒ ኢዮም ድምጾም ከስምዑ ዝፍትኑ ዘለዉ? ኩሉ ኣነ ገበኘኛ ዝበልክዎ ገበኘኛ ኢዩ፤ ሕጊ ይኹን ፍርዳዊ መስርሕ ኣየድልየንን ኢዩ፤ ባዕለይ ሕጊ፤ ባዕለይ ዓንቐጽ፡ ባዕለይ ዳኛ ንዝብል ጉጅለ ዝድግፉ ሰባት በየናይ ሕልና ኢዮም ዓንቀጻት 143፡ 144፡ 145፡ ገበናዊ ሕግታት ነዘርላንድስ እንዳጠቐሱ ክሟገቱ ዝፍትኑ።

እዞም ሰባት እዘን ዝስዕባ ሓቅታት ይፈልጡወን ዶ። ኣብ ኤርትራ ይትረፍ ከምዚ ናቶም ‘ምትእኽኻብ’፡ ብዓቢኡ ሃገራዊ ባይቶ ዝበሃል ሓደ ዓንዲ ካብቶም ሰለስተ የዕኑድ መንግስቲ፤ በቲ ዝድግፍዎ ስርዓት ከምዝፈረሰን ን15 ዓመታት ከምዘየሎን ይግንዘቡ ዶ። ሃገራዊ ባይቶ ማለት ምትእኽኻብ ወከልቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ማለት ኢዩ። ስለዚ ሓደ ጉጅለ ዘይኮነ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምውካል መባእታዊ መሰሉ ተገፊፉ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ገለ መንእሰያት፤ ንሶም እዞም ሕጂ ዝእከቡ ዘለዉ ክውለዱ ከለዉ ጀሚሮም (መብዛሕተኦም እቶም ተሳተፍቲ ደቂ 18 20 ኢዮም) ን20 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዘይውዳእን ዘይክፈልን ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ዝበሃል ኣስገዳዲ ምደባ ከምዘለዉ ይፈልጡዶ።

እቶም ኣኸበኛታት በቲ ናይ እቲ ከንቲባ ውሳነ ስለዘይተሓጎሱ ነቲ ከንቲባ ናብ ቤት ፍርዲ ከሲሶም ኣቕሪቦሞስ፤ ሕጋዊ መስርሕን ዳንነትን ውሳነን ብፍርዳዊ ኣካል ተዋሂቡ። ድሕሪ እቲ ውሳነ ዘይዓገቡ ደገፍቲ ስርዓት ነቲ ከንቲባ ከም ናዚ ሂትለር፤ ነቲ ተግባራት ድማ ዓሌትነት ኢሎም ኣብ ሚድያ ገሊጾሞ።

ኣብ ኤርትራ ብውሳነ መንግስቲ ዘይዓገበ ናብ ቤት ፍርዲ ኪኸይድ ይኽእልዶ? ቤት ፍርዲ ዝበሃል ከ ኣሎዶ? እቲ ፈራዲ ሓጋጊ ከሳስኪ ባዕሉ ሓደ ሰብ ሙኻኑ ይዝኩሩዶ? ኣብ ኤርትራ ይትረፍ ከምቲ ንሶም ዝገበርዎ ኣብ ሚድያ ወጺእካ ክትጻረፍ፤ ኣብ ገዛኻ ኮንካ መንግስቲ መታን ከይትሓሚ እቲ ዝድግፍዎ ስርዓት ኣብ ነብሲ ወከፍ ገዛ ሃሱሳት ከምዘዋፍር ይፈልጡዶ። ኣብ ኤርትራ ብግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተኸሰሰ ዝተፈረደ ነብሱ ብጠበቓ ኪከላኸል ዝተፈቐዶ ሰብ ከምዘየሎ ይፈልጡዶ? ይትረፍ ዕድመኦም ዝኣኸሉ፤ ትሕቲ ናቶም ዕድመ ዝኾኑ ህጻናት ብዘይ ፍርዲ፤ ብዘይ ሕጊ፤ ብዊንታ ናይ ሓደ ሰብ ኣብ ጎዳጉዲን ጸልማትን ከምዝድርበዩ ይፈልጡዶ? እንታይ ይስመዖም? ካብ ሓደ በዓል 5 ኮኽብ ሆቴል ተሶጊግና ኢሎም ከንጸርጹሩ ከለዉ ብዛዕባቶም ኣብ ጎዳጉዲ ዓሰብ፤ ኣደርሰር፡ ኣስመራ፡ ዘለዉ ሕጻናት እሱራት ሕልነኦም እንታይ ይብሎም?

እሞ ነዚ ዝድግፍዎ ስርዓትን ነዚ ሕጂ ኣብ ነብስና ኣጋጢሙ ዝብልዎን ኩነት ብኸመይ የነጻጽርዎ።

ዝኾነ ወገን ነቲ ዝኣምነሉ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ ክድግፍ ዘይንቕነቕ መሰሉ ኢዩ። ወላ እቶም ብሰንኪ ዓመጽ መንግስቲ ኤርትራ እዚ ሰብኣዊ መሰሎም እተመንጠሉ እውን ከይተረፈ ንመሰሎም እንዳተቓለሱ፤ ንናይ ካልኦት መሰል ( እንተላይ ናይ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ) ዝደለይዎ ሓሳብ ክድግፉ፤ ንመንግስቲ ኤርትራ ክጣበቑ መሰሎም ክሕሎ ክጽዕቱ ይግባእ።

እቶም ደገፍቲ ስርዓት ግን እቲ ዝድግፍዎ ስነ ሓሳብን ተግባራትን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ከጋጥም ኣብ ልዕሊኦም ግን ከይፍጸም ዝብል ኣካይዳ ክሕዙ ኣይግባእን። ከምኡ ምግባር ማለት ምስሉይነት ኢዩ። ስሰዐ ኢዩ፥ ደም ምሻጥ ኢዩ።

ሰባት ናይ ምእካብ ምንባር መሰሎም ንዝሓረመ ስርዓትን ሓሳቡን ዝድግፉ እንተኾይኖም፤ ኣብ ካልኦት ክትፍጽሞ ሓላል ኢዩ ኣባና ግን ሓራም ኢዩ ዝብል ኣካይዳ ኪኽተሉ ኣይግባእን። ከምኡ ምግባር በለጸኛ ሙኻን ኢዩ። መንእሰያት ኣብ ዘይውዳእ ኣገልግሎት ከርተት ይበሉ ንዝብል ሓሳብ ዝድግፉ ሰባት እቲ ከርተት ምባል ብኻልኦት ክሳብ ዝኾነ ንድግፍ ንሕና ግን ከጋጥመና የብሉን ክብሉ ኣይግባእን፤ ከምኡ ምባል እሞ ምስሉዩነት ኢዩ። ስንኩላን ኣብ ዚንጎታት ቃኘው ንዝደርበየ ስርዓት ዝድግፉ ሰባት ፈቖዶ ሰሚናራት መጸ ናይ ቦንድ ገዛውትና ኣበይ በጺሑ ኢሎም ዝሓቱ ተኾይኖም ንቡር ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ከምኡ ምግባር ሕልናኻ ሓይኽካ ምውሓጥ ኢዩ።

እቲ ኣብ ልዕሌኻ ክፍጸም ዘይትደልዮ በደል ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣይትፈጽሞ ዝብል ቃል ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፤ ኣብ ፍልስፍናን ስነሓሳባትን ህይወት ብምድግጋም ዝወሃብ ምሕጽንታ ኢዩ። ትእዛዛት ሙሴ፤ ከምኡ ውን ማቲዎስ 7፡12 ከምኡውን ሉቃስ 6፡31 ከም ወርቃዊ ሕጊ ሰባት ከኽብርዎ ይግባእ ኢዮም ዝብሉ።

ዳንተ ኣብታ እንፌርኖ እትብል መለኮታዊ ድራማኡ፤ ብእምነቱ ገሃነብ እሳት 9 ዓንኬላት ከምዘለዋ ይገልጽ። እታ ኣብ ማእከል ዘላ ክፍሊ እታ ዝመረረትን በቲ ዝለዓለ ባርዕ ንሰባት ብገበናቶም እትጠብስን ኢያ። ኣብዛ ማእከለይቲ ሰፈር ዝለኣኹ እቶም ዝበደሉ ዘይኮኑስ እቶም ሰባት እንዳተበደሉ ስቕ ኢሎም ዝርእዩ ኢዮም ይብል።

ማርቲን ሉተር ኪንግ ‘ኣብ መወዳእታ ቃላት ናይ በደልትና ዘይኮነስ ስቕታ ናይቶም እንዳተበደልና ስቕ ኢሎም ዝረኣዩ ኢና ክንዝክር’ ምባሉ ተራ ናይቶም በደልቲ ዘይኮነስ ደበልቲ ኣብ እዋን ዓመጽ ዋግኡ እንታይ ኪኸውን ሙኻኑ ዝነግር ኢዩ።

እወ እቲ ኣብ ልዕሌኻ ክፍጸም ዘይትደልዮ በደል ኣብ ልዕሊ ካልኦት እዳተፈጸመ ትም ኢልካ ኣይትርኣዮ።

እወ እቲ ኣብ ልዕሌኺ ክፍጸም ዘይትደልይዮ በደል ኣብ ልዕሊ ካልኦት እዳተፈጸመ ትም ኢልኪ ኣይትርኣይዮ።

    Print       Email

You might also like...

Dust whirlwind twister during summer drought on farm, Waikato, North Island, New Zealand, Pacific

ቀጽሪ ፍትሒ፥ ደድሕሪ ንፋስ ዘምጸኦም ዘረባታት ካብ ሙግያይ ክድሕን መታን፥ ናይ ባዕሉ መዛረቢ ኣርእስታት ክህልዎ ይግባእ።

Read More →