Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ኤርትራ ካብዚ ቀረባ እዋን ጀሚሮም ሓይልታት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ኤርትራ ናይ ማእሰርቲ ሜለኦም ቀይሮም ምህላዎም ተገሊጹ።

By   /  April 17, 2017  /  Comments Off on ኣብ ኤርትራ ካብዚ ቀረባ እዋን ጀሚሮም ሓይልታት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ኤርትራ ናይ ማእሰርቲ ሜለኦም ቀይሮም ምህላዎም ተገሊጹ።

    Print       Email
ኣብ ኤርትራ ካብዚ ቀረባ እዋን ጀሚሮም ሓይልታት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ኤርትራ ናይ ማእሰርቲ ሜለኦም ቀይሮም ምህላዎም ተገሊጹ። እቶም ምንጭታት ናብ ሬድዮ መድረኽ ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከምዝሓበርዎ፤ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዝሒ ዝእሰሩ ሰባት ዓሰርተታት ኣሽሓት ስለዝሓለፈ፤ ሰባት ምእሳር ዝያዳ ንኩነኔ የቃለዓና ኣሎ ስለዚ ኣሰንቢድናን ኣፈራሪህናን ንልቀቆም ዝብል ሜላ ንፈትን ዝብል ስጉምቲ ወሲዶም ምህላዎም ተሓቢሩ። 
 
በዚ መሰረት ዝኾነ ኣንጻር መንግስቲ ዝተዛረበ ሰብ ወይ ውን ባህ ዘይብሎም ነገራት ዝረኣዩሉ ዜጋ፤ ሃገራዊ ድሕነት ጨውዮም ብምውሳድ ከቢድ ምቕጥቓጥን ኣእምሮኣዊ ነውጺ ዝገድፍ ኣተሓሕዛን ብምውራድ፤ ኣብ ሓጺር እዋን ይፍንዎም ምህላዎም ተፈሊጡ። እዚ ሜላ እዚ እቶም ዝፍነዉ ሰባት ንኻልኦት ሰባት እቲ ዘሰክሕ ተመኩሮኦም ብምንጋር ከሰንብዱ፤ በቲ ካልእ ድማ እቲ መዓልታዊ ተርእዮ ኮይኑ ዘሎ ማእሰርቲ ማእከሎትን ላዕለዎትን ሓለፍቲ ዝነከየ ንምምሳል ሙኻኑ ተፈሊጡ። 
 
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኣስሩ ኩሎም ኣብ ልዕሊኦም ከቢድ ምቕጥቓጥን የፍግዶም ኢዩ ዝበሃል ስነኣእሙራኣዊ መግረፍቲን ከምዝወረዶም ዘሎ እቲ እቶም ምንጭታት ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ይሕበር። በዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተኣታቲዩ ዘሎ ሜላ፤ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ከምኡ ውን ፍሉይ ሓይልታት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፤ ንሰባት ድሕሪ ምጭዋይ ድሕሪ ሕጂ ከምዚ ዝገበርካዮ ትደግም ወይ ዝተዛረብካዮ ትደግም ሕጻን ውላድካ ክንቀትለልካ ኢና፥ ኣዴኻ ክንቀትላ ኢና፤ ትካልካ ክንዘምቶ ኢና ዝብል ኣእምሮ ሰባት ዘናውጽ ተግባራት ፈጺሞም ይፍንዎም ምህላዎም ተገሊጹ። 
 
ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ዘጋጠሞም ምቕጥቃጥን ምንጻልን ብዙሓት እሱራት ስነኣእሙራኣዊ ምንዋጽ ወሪድዎም ምህላዉ ዝሕበር ኮይኑ፤ ሰባት ካብ ማእሰርቲ ክወጹ ከለዉ ሓንጎሎም ስሒቶም ሰኪሖም ከምዝወጹ ምግባር ብመሰረት መምርሒ ፕረዚደንት ኤርትራ ሜላ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ ኣሎ። 
    Print       Email

You might also like...

referndum

ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ናይ ሕልና ረፈረንዱም ብምክያድ፡ እወ ንሓቐና ናጽነት፡ ኣይፋል ነቲ መልክዑ ቀይሩ ዝመጸ ባርነት ኢሉ ከድምጽ ይግባእ።

Read More →