Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ንግዳዊ ትካላት ሓለፍቲ

By   /  April 9, 2017  /  Comments Off on ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ንግዳዊ ትካላት ሓለፍቲ

    Print       Email

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሰብ ተኣሲሩ ተሰዊሩ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት መጺኦም ዝብል ብህሎ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ኣባላት ጸጥታ ካብ ቤትጽሕፈቱ፥ መንበሪኡ ወሲዶሞ ወሲዶማ ዝብል ዜና ዳርጋ ልሙድ ኮይኑስ ህዝቢ እውን ከም መዓልታዊ ህይወቱ ወሲድዎ ኣሎ። ህዝቢ ከም ልሙድ ተርእዮ ምውሳዱ ድማ ማዕረ እቲ ማእሰርቲ ዘሕዝን ኢዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ዜጋ ብፍላይ ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘሎ ተኣሲርካ ትፍፈጥዶ ዘይኮነስ ክንደይ ግዜ ተኣሲርካ ነርካ ኢዩ ዝሕተት ዘሎ። ሕጊ ንባዕሉ ካብ ዝእሰር ዓመታት ስለዝሓለፈ ድማ እቲ ማእሰርቲ ሕጋውነት፤ ፍርዲ፤ መስርሕ ዝበሃል የብሉን። ብዘይ ሕጊ ብዘይከሳሲ ብዘይጉዳይ ምእሳር ልሙድ ኮይኑስ ንሱ እውን ዳርጋ ማዓልታዊ ህይወት ህዝቢ ኮይኑ ተወሲዱ ኣሎ። ህዝቢ ንዘይሕጋውነት ከም ልሙድ ተርእዮ ምውሳዱ ድማ ማዕረ እቲ ቡኩራት ሕጊ ዘሕዝን ኢዩ።

ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ምስናይ ዘሕዝኑ ሙኻኖም ህዝቢ ንቡር ወሲድዎም ክንብል ጸኒሕና ኣሎና። ሓደ ህዝቢ ሕጂ ዝርእዮ ዘሎ ዘይንቡር ሓድሽ ተርእዮ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ኣሎ። ንሱ ድማ ምቕያር ኣብያተ ማእሰርቲ ናብ ንግዳዊ ትካል ኢዩ። እወ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ናብ ዲቕ ዝበላ ንግዳዊ ትካላት ሓላፍነተን ዝተወሰነ ብሕታዊ ማሕበር ንግዲ ተቐይረን ኣለዋ። ብኸመይን መዓስን ዝቕጽል ጽሑፍ ክርእዮ ኢዩ።

ምእሳር ንገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ገዚፍ ንግዳዊ ስራሕ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ሓለፍቲ ገንዘብን ንብረትን ኣለዎም ኢሎም ንዝገመትዎም ሰባት ብብዝሒ ይኣስሩ እሞ ነቶም ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕን ምኽንያትን ዝኣሰርዎም ሰባት ብመንገዲ ናይ ኣብያተማእሰርቲ መርመርቲ ጌሮም ይኽትክትዎም ኣለዉ። እቶም እሱራት ድሕሪ ብዙሕ ጸቕጢ ክወጹ ተኾይኖም ገንዘብ ኪኸፍሉ ከምዘለዎም ይሕተቱ። ዝተዳለወ ገንዘብ እንተዘይብሉ ድማ እቶም ነጋዶ ቤትማእሰርቲን እሱራትን ኮይኖም ዘለዉ ሓለፍቲ ነቲ ኣቐዲሞም መጽናዕቲ ዘካየዱሉ ዘለዎ ንብረትን ሃብትን ብዝርዝር ነጊሮም ንዕኡ ሸይጡ ኪኸፍል ይእዝዝዎ።

እቲ ንብረቱ ኪሸይጥ ዝተገደደ እሱር ባዕሎም እቶም ሓለፍቲ ብዝወደብዎ መንገድን ኣገባብን ከምዝሽየጥ ይገብሩ እሞ ገዛእቲ ድማ ባዕሎም ንሶም ይኾኑ። ብኸምዚ ኣገባብ ገዝኡ ዝሸጠ ንብረቱ ዝሸጠ ኣዚዩ ብዙሕ ኢዩ።

በዚ መንገዲ ገዚፍ ሃብቲ ዘኻዕበቱ ዘለዉ ሓለፍቲ ብመጀመርያ ዝስራዕ ጀነራል ፍሊጶስ ኢዩ። ጀነራል ፍሊጶስ ነዚ ተግባራት እዚ ብመንገዲ ወዲከበደ ዝበሃል ቀጥቃጢ ዘሳልጦ ኮይኑ ካብ እሱራት ኣኻዕቢትዎ ዘሎ ገንዘብ ንብረት ከምኡውን ናይ ሕርሻታት ከይተረፈ መሬት ኣዚዩ ብዙሕ ሙኻኑ ይሕበር።

እዚ ንኣብያተማእሰርቲ ከም ንግዳዊ ትካል ቀይርካ ገንዘቡ ክትምንዝዖ ዝደለኻ ሰብ ምእሳር ካብ መወዳእታ 2016 ዝያዳ ድማ 2017 ብጻዕቂ ይረአ ምህላዉ ይፍለጥ። ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ገንዘቦም ንምዝማት ጥራይ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምድርባዮም፥ ንብረቶምን ገንዘቦምን ክህቡ፤ተገዲዶም ገንዘቦምን ንብረቶምን ተዘሚቱ ኣብ ከቢድ ሰለሎን ሕማምን ኮይኖም ዝርከቡ ሃብታማት ከምኡውን ሰብ ንብረትን ብዙሓት ኢዮም።

ከምቲ ዝተገለጸ ጀነራል ፍሊጶስ ዝመራሒኦም ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብዚ ተግባራት ዝሳተፉ ዘለዉ ኢዮም። ካብ ኣካላት መንግስትን ግንባርን  ኣብዚ ሰባት ኣእሲርካ ዝግበር ዘሎ ንግዲ  ዝስርዑ ኮለነል ተስፋልደት ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት፤ ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ካሳን ስምኦን ገብረድንግልን ካብ ሃገራዊ ድሕነት ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ካብ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ኢዮም። ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ንግዲ ማእሰርቲ፤ ከነፍተሓልካ ንብረትካ ሽጥ ኣዚዩ ብዙሕ ኣታዊታት ጌሮም ዝሃብተሙ ሰባት ኮይኖም ምህላዎም ይግለጽ።

ብዘይካ እዚ እቶም ሃብታማት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣብ ዘለዉሉ እዋን እዞም ሓለፍቲ ናብ ስድራቤት እሱራት ሰባት እንዳለኣኹ ኣቦኹም ዓይኑ ክዓውር ደሊዩ 200 ሽሕ ኣምጽኡ ሓቢእና ከነሐክሞ፥ ጓልኩም ሕማም ጌራ ኣላ ጽባሕ ሞይታ ኢልኩም ከይትጠዓሱ ሕጂ 100 ሽሕ ኣምጽኡ ዝገበርና ጌርና ከነሐክማ እንዳበሉ ብዙሕ ገንዘብ ካብ ዝጨነቖ ሰብ ይወስዱ ምህላዎም ተገሊጹ።

ብፍላይ ኮለነል ተስፋልደትን ብሪጋደር ጀነራል ስምኦንን ብትሕተ ሃገራዊ መስመር ንዝቐርብዎም ሰባት ካብ ኩሉ መሰናኽላት ሓራ እንዳገበሩ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ካብ ማእሰርቲ ምውጻእን ናብ ወጻኢ ምስዳድን ብብዝሒ የዘውትሩ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

ብዘይካ እዚ ወዲ ከበደ ዝበሃል ናይ ዓዲ ኣበይቶ መርማሪ ካብ ሓደ እሱር ክሳብ 80 ሽሕ ብላዕ ከምዝወስድ ካብዚ ዝተጠቐሰ ገንዘብ ንታሕቲ ንዘምጸአ ግን ‘ተሒሹካስ እሱርካ ኣብዚ ንመዋእሉ ክበሊ ኢዩ’ ኢሉ ፈኪሩ ከምዘፋኑ ተገሊጹ። ምእሳር ናብ ንግዲ ስለዝተቐየረ ድማ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ጥራይ ኣብ ሓደ ክሳብ 180 ሰባት ጥራይ ክሕዝ ዝግበኦ ንእሽቶ ሰፈር ክሳብ 2 ሽሕ እሱራት ምህላዎም፥ካብዚ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ እቲ ማእሰርቲ ብእብረ ማለት ብሺፍት ማለት ሓሙስ ወጺኦም ሰንበት ምሸት ዝምለሱ፤ ሰንበት ወጺኦም ድማ ሮቡዕ ዝምለሱ እሱራት ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣዲ ኣቤቶ ብዙሕ እዋን ናይ እሱራት ምልዕዓል እኳ ተወዲቡ እንተነበረ፤ ጀነራል ፍሊጶስ ኣዚዮም ብዙሓት እሱራት ተመሲሎም ዝስልዩ ሰለይቲ ኣብ መንጎ እሱራት ዘሪኡ ስለዘሎ ኣርባዕተ ግዜ እቲ ዝተሓስበ ምልዕዓል ከይተበገሰ ከምዝበርዓነ ተገሊጹ።

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ካብዚ ቀረባ እዋን ማለት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ገንዘብ ካብዝረኸበሉ እዋን ብዝያዳ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትካላት መንግስቲ ሚኒስትሪታት ኣካላት ህግደፍ ምምሕዳር ዞባታት ኣዚዮም ብዙሓት ሰለይቲ ኣዋፊሩ ምህላዉ ተገሊጹ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ሓደ ሓደ እዋን ክሳብ ኣብ መንጎ ስድራቤታት ምትእምማን ከምዘየሎ ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ ሚኒስትሪታትን ትካላት መንግስትን ብዉሑዱ ን10 ሰባት ሓደ ሰላዩ ተመዲቡ ምህላዉ፤ ኣብ ጎደናታት ብዘይካ እቶም ሓሲምዎም ዝሽቕጡ ብዙሓት ካልኦት ናይ ጎደና ሸቐጥቲ መሲሎም ስለያዊ ተግባራት ከካይዱ ዝተዋፈሩ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብዘይካ እዚ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ሃገራዊ ድሕነትን ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ንዝኣተዉ መንእሰያት ናይ ፓስፖርቶም ሹምን ቁጽርን ብምውሳድ ንኻልኦት ከውጽእዎም ዝደለዩ ሰባት ብምሃብ ብመንገዲ ኤርፖርት ሰባቶም የውጽኡ ምህላዎም እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።ኣብዚ እዋን እዚ ነጋዶ ደቂ ሰብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ናብ ሱዳን ካርቱም ብ 7000 ዶላር ክፍሊ ኢሚግረሽንን ዜግነትን ጸጥታን ድማ ብኤርፖርት ፓስፖርት ጌሮም ናብ ዱበይ ንምውጻእ 15000 ኣብ ዱበይ ይቕበሉ ምህላዎም ይፍለጥ።እቲ ናይ ገንዘብ ምቅብባል ዝባኑ ዝቐልዐ ቤትጽሕፈት ዘለዎ ኮይኑ፤ ዕርቡን ቅድሚ ፓስፖርት ምውሃብ 5 ሽሕ እቲ ሰብ ብኤርፖርት ናብ ዱበይ ምስበጽሀ ድማ 10 ሽህ ዝቕበሉ ወከልቲ ብልሹዋት ሓለፍቲ ኢሚግረሽን  ኢዮም። መንግስቲ እዚ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ኢሚግረሽንን ዝፍጸም ብልሽውና  ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሕ ምህላዉ ዝፈልጦ ኳ ተኾነ፤ ነቶም ቀንዲ ሰረቕቲን ትሕተሓገራውይና ዘይኮነስ ነቶም ብኻልእ ሕሳባት ዝደልዮም ሰባት ብልሽውና እንዳኣመኽነየ ከምዝስውር ይፍለጥ። እቲ ዘገርም  እቶም ብሃገራውነት ዝወራዘዩን ንዜጋታት ብብልሽውናን ዘይሓርበኝነትን ዘነኣእሱ ሰባት ኩሉ ሕድርታት ጥሒሶም ህይወት ኤርትራዊ  ብዶላር ናብ ዝሽየጥ ኣቐሓ መሸጣ ቀይሮሞ ምህላዎም ኢዩ። ።  ዘሕዝን ሞት ኤርትራዊ ባንዴራን ዜግነትን ክብረትን ዝእውጅ ዘሎ ተግባር።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

    Print       Email

You might also like...

ምስ ቻይና ዝግበር ዘሎ ናይ ወርቂ ዕደና ስምምዓት ዳርጋ ንሃብቲ ናይ ኤርትራ ብነጻ ቻይና ክትወስዶ ዘፍቅደላ ውዕላት ይኸውን ምህላዉ ተሓቢሩ። 

Read More →