Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ብፍርቂ ልቢ ክብሪ ጀጋኑ ነጉድል ከይንህሉ!

By   /  April 4, 2017  /  Comments Off on ብፍርቂ ልቢ ክብሪ ጀጋኑ ነጉድል ከይንህሉ!

    Print       Email

Document13 copyኤርትራ ብጀጋኑ ዝተዓደለት ሃገር ኢያ። ኣብቲ ነዊሕ ናይ ሙኻን ታሪኻ ብዙሓት ብድሆታት፤ ኣመና መረርቲ መድረኻት ስለዝሓለፈት፤ ኣብ ውሽጢቲ ታሪኽ ብሓዊ ዝተፈተኑ፤ ኣርሒቖም ዝሓስቡ፥ ጀጋኑ ተፈጢሮም ኢዮም። ራእሲ ባህታ ሓጎስ፤ ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን፤ ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም፤ ሼኽ ዓብዱልቃድር ከቢረ፤ ራእሲ ወልደንክኤል ሰለሙን፤ ሼኽ ዑመር ሃኪቶ ወዘተ ውሑዳት ካብቶ ብዙሓት ሃገራውያን ሓርበኛታት ኢዮም።

ብዙሕ እዋን ዝተፈላለዩ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ፤ ማለት ብሄራት፤ ከባቢታት፤ ቀቢላታት ዓድታት ናይ ኤርትራውያን ጀጋኑ ብፍርቂ ልቢ ወይ ውን ብግርህነት፤ ዋንነት እቶም ጀጋኑ ናቶም ናይ ብሕቶም፤ መስዋእትን ቃልሲን እቶም ጀጋኑ ድማ ስለኦም ጥራይ ስለዝመስሎም ወይ ውን ብዉሑድ ከምኡ ኮይኑ ስለዝስመዖም፤ ብቕንዕና ዝተሓስበ ግን ከኣ ነቶም ጀጋኑ ዝግባእ ክብረት ዘይህብ ጽንብላት ከካይዱ፤ ኣዋጃት ከውጽኡ፤ ዋንነት ክብሕቱ ይረኣዩ ኢዮም።

እዚ ዓይነት ተበግሶ ነቶም ጀጋኑ ክብረቶም ዝንኪ፤ ንዝተቓለሱሉ ሰፊሕ ዕላማ ዘጽብብ፤ ንዝወደቁሉ በሪኽ ራእይ ዘንቆልቁል ስለዝኾነ፤ ብምቕሉል ምብህሃል ክእረም ዝግበኦ ኢዩ።እቶም ጀጋኑ ቅድምን ልዕልን ኩሉ ናይ ኤርትራ ኢዮም፤ ስለዚ ድማ ብደረጃ ሃገር ክረኣዩን ኪኽበሩን ይግባእ። ዝወደቑሉ ቅዱስ ዕላማ ድማ ብዓይኒ ሉዓላዊት ኤርትራ ተራእዩ መስመሪ እምበር መፈላለዩ ረቛሒ ኪኸውን ኣይግባእን።

ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም፤ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ንምውሳን ኣብ ዝመጹሉ እዋን ‘ንሕና ኤርትራውያን ምሕደራ ሽዋ ኣብ ልዕሌና ካብ ዝጸዓን፤ ኣብ ቀይሕ ባሕርና ጥሒልና ህይወትና ክትሓልፍ ንመርጽ’፤ ኢሎም ብትረት እቲ ኮሚሽን መልሲ ተልእኹኡ ሒዙ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኪምለስ ተኾይኑ፤ ካብ ናጽነት ዝትሕት ዝኾነ ዋጋዕ ዳጋ ብዓይኒ ኤርትራውያን ተቐባልነት ከምዘይብሉ ክነግሩ ከምዝግባእ ገሊጾም ኢዮም ኣፋንዮሞ። ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም፤ ናጽነት ኤርትራ ወይ ሞት ኢሎም ድምጺ ከስምዑ ከለዉ፤ ድምጾም ስለ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፤ ስለ ናጽነት ሃገር፤ ስለ ክብረትን ሉዓላውነትን ኢዩ ነይሩ። ነዚ ረዚን ዕላማ ናብ ሓደ ጸቢብ ከባቢ፤ ውሱን ራእይ ምሕጻሩ ድማ ንቕዱስ ስም ራእሲ ተሰማ ምንእኣስ ኢዩ።

ሽኽ ዓብዱልቃድር ከቢረ ኣብ ሰነ 1946 ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣኪቦም ‘ኣብዚ መደረይ ናጽነትን ሓርነትን ኢለ ይደጋግም ኣለኹ፥ ናጽነትን ሓርነትን ኢለ ጥራይ ዝሓልፎ ዘለኹ ወይ ውን ክብደቱ ዘይዘርዘርኩሉ ምኽንያት ድማ እቲ ትርጉሙ ኣብ ትምህርቲ ከምዝርከብ ርዱእ ስለዝኾነ ኢዩ፤ ናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ዝፈጥር ትምህርቲ ኢዩ’ ኢሎም ንናጽነትን ሓርነትን ኢዮም ጸዊዖም። ስለዚ ነዚ ናይ ኤርትራ ሓርነትን ናጽነትን ዝጽውዕ ስም ጅግና ሸኽ ዓብዱልቃድር ከቢረ፤ ምስ ሓደ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ ጥራይ ኣተኣሳሲርካ፤ ዋንነቱ ንምብሓት ዝግበር ጻዕሪ፤ ንስፍሓት ዕላማ ናይቲ ጅግና ናብ ሓደ ጸቢብ ምትእኽኻብ ምውሳድ፤ ንርዝነት ሓርነትን ናጽነትን ድማ ናብ ድሩት ትርጉም ዘለዎ ዝተጀለሐ ሓሳብ ከም ምቕያር ኢዩ ዝኸውን።

ብሓይሎምን ብርተዐኦምን ሓለንጋይ ቆመንኦምን ‘ኣባ ጥመር’ ዝብል ቅጽል ዘጥረዩ፤ ኣብ ሓላይ ንመግዛእቲ ጥልያን ፊተፊት ገጢሞም ዝሰዓሩ ደግያት ባህታ ሓጎስ፤ ካብ ብንእስነቶም ዝኣተውዎ ቃልሲ ንራህዋ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ነይሩ። በቲ በሊሕ ናይ ውግእ ስትራተጂኦም፤ ኣብ ምዕቡል ሰውራታት ጥራይ ዝተራእየ ስልትታት ምጥቓዕን ምዝላቕን ተጠቒሞም፤ ጽኑዕ ዕርዲ መዕቆቢ ደጀን ንምርካብ፡ ናብ ሓባብ/ሳሕል ዘዝለቑ፡ ብዝነበሮም ናይ ውግኣት ቅያን ጅግንነትን ድማ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ናይ ሰራዊት ከንቲባ ሓምድ ዝኾኑ ኣባ ጥመር፤ ቃልሶም ንኤርትራዊ ናጽነት ኢዩ ነይሩ።  ብኸምዚ ዝበለ ሓርበኛዊ ጉዕዞ ኣንጻር ወራሪ ጣልያን ን20 ዓመታት ንዝተቓለሱ፤ ንመግዛእቲ ጣልያን ‘ባቤነ ባህታ’ ማለት እሺ ኢሎም ስዩም ዘበሉ ጅግና፤ ስፍሓቶም ናብ ጸቢብ ከባቢ፤ ዕላምኦም ንውሱን ዓንኬል ጌርካ ምጽንባሉን ምብዓሉን ነቶም ጅግና ከይተፈለጠካ ሙግዳእ ኢዩ። ኣባ ጥመር ባህታ ሓጎስ ልዕሊ እዚ ጽበት ዝሰፍሑ ክንዮ እዚ ሓጺር ጠመተ ዝበረኹ ሃገራዊ ጅግና ኢዮም።

ካብ መጋቢት 1952 ኣትሒዞም ኣብ ባይቶ ኤርትራ ብሙኻን ንሙሉእ ሃገራዊ ናጽነት ዝተቓለሱ፤ ሸኽ ዑመር ሃኪቶ እውን ናይ ኤርትራውያን ናይ ናጽነት ባህጊ ኣርማ ኢዮም። መንግስቲ ሃይለስላሰ ናይ ኤርትራ ጎበጣ ብውዲትን እንክሔራን ክኣልም ከሎ ካብቶም ቀዳሞት ዝነቕሑን ናይ ኤርትራ ድሌት ካብ ምሉእ ናጽነት ወላ ሓንቲ ስድሪ ከምዘይወርድ ዝተማጎቱን ሓርበና ዑመር ሃኪቶ፤ ድሕሪ ናጽነት እውን ናይ ባዕዳውያን መግዛእቲ ዘይተቐበልኩ ናይ ህግደፍ መግዛእቲ ኣይቅበልን ኢሎም ብኣግኡ ንድሕነት ኤርትራ እንዳተቓለሱ ኣብ ስደት ዝተሰውኡ ጅግና ኢዮም። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ርሒብ ዕላማ ናይ ሓደ ከባቢ፤ ናይ ውሱን ክፋል ወይ ብሄር ዋንነት ምግባሩን ምጽንባሉን ድማ ንኽብረት ናይቶም ጅግና ኣቦ ሙግዳእ ኢዩ።

ብተመሳሳሊ ናይ ጅግና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ታሪኽ፤ ናይ ራእሲ ወልደንክኤል ሰለሙን ቃልሲ፤ ወዘተ ብኣዚዩ ጸቢብ ዓንኬል ክትርእዮ ምፍታን ነቲ ረዚን መንነት ናይቶም ናይ ኤርትራ ኣርማ ዝኾኑ ጀጋኑ ምንእኣስ ኢዩ።

ልክዕ ኢዩ ናይ ጀጋኑ ቅያታት እንዳዘከርካ፤ ታሪኽ ጀጋኑ ንምኽባርን ምዝካርን ተባሂሉ፤ ብፍርቂ ልቢ፤ ብገለ ክፋላት ናይ ሕብረተሰብ ዝግበር ዘሎ ተበግሶ ንሰናይ ዝነቐለ ኢዩ። ይኹን ግን መንገዲ ገሃነም በቶም ዝበለጹ ባህግታት ዝተሃነጹ ኢዮም ከምዝበሃል፤ እዚ ነዞም ጀጋኑ ብዘይፍላጥ ስፍሓት ዕላመኦም ዘጽብብ፤ ርዝነቶም ዘጉድል፥ ብራኸኦም ዘውርድ ዘሎ ናተይ ‘ናይ ብሄረይ’ ‘ከባቢየይ’ ‘ዓደይ’ ጥራይ ኢዮም ዝብል ግሩህ ስምዒታት ጉድኣቱ ከይዓዝዝ ከነስተብህለሎም ይግባእ።

ክብርን መጎስን ንኹሎም ሓርበኛታት ኤርትራ

 

 

    Print       Email

You might also like...

ሽሕ ኪሎ ሜተር ባሕሪ ዝውንን ግን ከኣ ዓሳ በሊዑ ዘይፈልጥ ህዝቢ!

Read More →