Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ብዕለት 28 መጋቢት 2017 ኣብ ከባቢታት ጸሮና ኣብ መንጎ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ሞርታራትን ፎኪስ ብረትን ዘሳተፈ ረጽሚ ተኻይዱ

By   /  April 2, 2017  /  Comments Off on ብዕለት 28 መጋቢት 2017 ኣብ ከባቢታት ጸሮና ኣብ መንጎ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ሞርታራትን ፎኪስ ብረትን ዘሳተፈ ረጽሚ ተኻይዱ

    Print       Email
ብዕለት 28 መጋቢት 2017 ኣብ ከባቢታት ጸሮና ኣብ መንጎ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ሞርታራትን ፎኪስ ብረትን ዘሳተፈ ረጽሚ ተኻይዱ። እቲ ረጽሚ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ዝጀመረ ኮይኑ፤ ክሳብ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ከምዝቐጸለ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም። 
 
እቶም ምንጭታት ናብ ሬድዮ መድረኽ ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ፤ ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዜናታት መርበብ መድረኽ ዝተጠቕሰ፤ ብኽልቲኡ ወገን፤ ማለት ብወገን ኤርትራን ኢትዮጲያን ድፋዓት ናይ ምድልዳልን ጥቡቕ ሓለዋ  ምክያድን ሕጂውን ቀጺሉ ምህላዉ ተሓቢሩ። 
 
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብወገን ኤርትራ ኩሎም ብሕማምን ካልእ ምኽንያታትን ተጣይሶምን ተፋንዮምን ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ህላወኦም ክረጋገጽ መምርሒ ተመሓላሊፉ ምህላዉ ተሓቢሩ። 
 
ብኻልእ ወገን ኣብ ዞባ ጋሽባርካ ከባቢታት ቡሹካ፤ 13 ዕጡቓት ጉጅለ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝተማረኹ ተፈሊጡ። እዞም ዕጡቓት ገለ ካብኦም ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ፤ ገለ ካብኦም ድማ ተዛረብቲ ቋንቋ ኩናማ ሙኻኖም እንተዘይኮይኑ፤ ንመንነቶምን ኣመጻጸኦምን ብዝምልከት  ካልእ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይተረኸበ እቶም ምንጭታት ገሊጾም
    Print       Email

You might also like...

ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥቓ ቤተ ክርስትያን እንዳስላሰ ዝጸንሐ ዕዳጋ ኣሕምልቲን ሽጉርቲ ኮሚደረን ብኣባላት ጸጥታን ወተሃደራት ከተማን ከምዝድምሰስ ጌሩ

Read More →