Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ምስ ቻይና ዝግበር ዘሎ ናይ ወርቂ ዕደና ስምምዓት ዳርጋ ንሃብቲ ናይ ኤርትራ ብነጻ ቻይና ክትወስዶ ዘፍቅደላ ውዕላት ይኸውን ምህላዉ ተሓቢሩ። 

By   /  April 17, 2017  /  Comments Off on ምስ ቻይና ዝግበር ዘሎ ናይ ወርቂ ዕደና ስምምዓት ዳርጋ ንሃብቲ ናይ ኤርትራ ብነጻ ቻይና ክትወስዶ ዘፍቅደላ ውዕላት ይኸውን ምህላዉ ተሓቢሩ። 

    Print       Email

ብመሰረት እቲ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ፤ ዘይከምቲ ምስ ካናዳዊ ኩባንያ ነቭሰን ዝተገበረ  ናይ ቢሻ ስምምዕ ፤ እዚ ምስ ቻይና ዝተገበረ ውዕል ዳርጋ 80 ሚእታዊት ናይቲ ናይ ዛራ ወርቂ ኣታዊ ንቻይና ዘረክብ ውዕል ሙኻኑ ተገሊጹ። ኣምሳያ ናይዚ ቻይና ኣብ ባንክታት ብስም ዝተፈላለዩ ሕሳባት ናይ ስድራቤት ፕረዚደንት ኢሳያስ ሚልዮናት ዶላር ተቐምጥ ኣላ።

እዚ ማዕድናት ጸጋታትን ሃገር ንባዕዳዊት ሃገር ዘረክብ ምስ ቻይና ዝተገበረ ውዕል፤ ቻይና ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ እትገብሮ ምዝመዛ ጸጋታት ኤርትራ ዘፍቅድ ኮይኑ ስለዘሎ፤ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ትግሕጥ ምህላዋ ተሓቢሩ። እቲ ስምምዕ ንቻይና ክንድዚ ሓለፋ ክህብ ዝተወሰነሉ ካልኣይ ምኽንያት፤ ቻይና ኣብ መጋበኣያታት ዓለም ንመንግስቲ ኤርትራ ጎድኒ ክትኮኖ ብዝኣተወቶ መብጸዓ ኢዩ።

ቻይና ንመራሕቲን ሰበስልጣንን ሃገራት ኣበላሺካ ማዕድነት ሃገራት ምግፋጥ ሓደ ካብቲ ልሙድ እትሰርሓሉ ኣገባብ ኢዩ። በዚ መሰረት ንመራሕቲ ኤርትራ እውን ኣብ ባንክታት ቻይና ሕሳባት ከፊታ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ተቐምጠሎም ምህላዋ እቶም ምንጭታት ገሊጾም። ቻይና ንናይ ሴራልዮን ፕረዚደንት ኣብ ዓዱ ገዚፍ ትምህርቲ ብምስራሕ፤ ንናይ ኮንጎ ፕረዚስደንት ጆሴፍ ካቢላ ኣብ ምርጫ ንኽዕወት ቢልዮናት ዶላር ብምፍሳስ፤ ኣምሳይኡ ናይተን ሃገራት ገዘፍቲ ናይ ዕደናን ኢንዳስትሪን ፕሮጀክትን ከምእተቐበለት ከም ኣብነት ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፤ ንናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ እውን ክሳብ 23 ሚልዮን ዶላር ብብላዕ ድሕሪ ምሃብ ኩሉ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ወፍርታት ኣብ ኣእዳዋ ምእታዋ አዘኻኺሮም። እዚ ኣብ ኤርትራ እትረኽቦ ዘላ ዘይፍትሓዊ ውዕላት ውን ውጽኢት ናይቲ መራሕቲ ኤርትራ እትገብሮ ዘላ ብልሽውና ሙኻኑ ይግለጽ።

በዚ መሰረት ኣብ ክልተ ክፍለሃገራት ቻይና ብስም ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ናይ ስድራቤት ፕረዚደንት ተባሂሉ ዝግመት  ክሳብ 300 ሚልዮን ዶላር ተቐሚጡ ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ።ምስዚ ብዝተኣሳሰር ብርክት ዝበለ ሚልዮናት ዶላር ብስም ሓንቲ ምስ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ኣዚዩ ጥቡቕ ርክብ ዘለዋ ቻይናዊት ጓለንስተይቲ ተቐሚጡ ምህላዉ ይግለጽ።  ብዘይካ እዚ ቀንዲ ስርሑ ምዕቃብ ረብሓታት ሰበስልጣንን ምስግጋር ገንዘብን ኮይኑ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቻይና ኣቶ ጸጋይ ተስፋጽዮን ብኣዚዩ ከቢድ ሕማም ድሕሪ ምጥቕዑ እቲ ብስሙ ዝጸንሐ ሕሳባት ክሰጋገር መምርሒ ሓሊፉ ኣሎ። በዓልቲ ቤቱ ንኣቶ ጸጋይ ተስፋጽዮን እውን ብዓቕማ ኣብ ዱበይን ቻይናን ኣብ ዝርከብ ሕሳባት ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣቐሚጣ ምህላዋ ይግለጽ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና ኣብቲ ብቻይናውያን ተወሲዱ ዘሎ ዕደና ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ቻይናውያንን ናይ ኣፓርታይድ ዝመስል ዓሌታዊ ምሕደራ ተኣታቲዩ ምህላዉ ተገሊጹ። እቶም ኤርትራውያን ብቻይናውያን ኣመሓደርቲን ተቖጻጸርትን  ብዝወርዶም ታህዲድ ኣብ ትሕቲ ፍርህን ጸቕጥን ከምዝነብሩ፥ መመገቢ ቦተኦም ዝተፈለየ ኮይኑ ምሕደረኦም ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ እዋን ኣፓርታይድ ስርዓት ከምዝመስል እቶም ምንጭታት ገሊጾም ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኣብነት እቶም ቻይናውያን  ነቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ኤርትራውያን ኣኪቦም፥ ምስጢራት ናይዚ ዕደና ንደገ ተውጽኡ ኣለኹም፥ ብዛዕባ ዕደና ሓበሬታ ንተቓወምቲ ኤርትራ ተመሓላልፉ ኣለኹም፤ እዚ ሕጂ ንህበኩም ዘሎና ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ኢዩ ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ዕደና ወላ ንስድራቤቱ ዝተዛረበ ሰብ ብቐጥታ ናብ ማእሰርቲ ክለኣኽ ኢዩ ክብሉ እቶም  ቻይናውያን መራሕቲ ነቶም ኤርትራውያን ከምዘጎባዐዑሎም ተፈሊጡ።

 

 

 

 

    Print       Email

You might also like...

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንተጋዳላይን ክብርታቱን!

Read More →