Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገራት ወጻኢ ናብ ኤርትራ ንዝጥረዙ መንእሰያት ልዑል ክንክን ከምዝገብር ንምርኣይ ዝዓለመ ምስሩሕ (staged) ኣኼባታት ኣብ ቅድሚ ወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት የካይድ።

By   /  April 1, 2017  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገራት ወጻኢ ናብ ኤርትራ ንዝጥረዙ መንእሰያት ልዑል ክንክን ከምዝገብር ንምርኣይ ዝዓለመ ምስሩሕ (staged) ኣኼባታት ኣብ ቅድሚ ወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት የካይድ።

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገራት ወጻኢ ናብ ኤርትራ ንዝጥረዙ መንእሰያት ልዑል ክንክን ከምዝገብር ንምርኣይ ዝዓለመ ምስሩሕ (staged) ኣኼባታት ኣብ ቅድሚ ወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት የካይድ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኤርትራ ንዝጥረዙ መንእሰያትናብ ዓዶም ምስኣተዉ መንግስቲ ኤርትራ ቀይሕ መንጸፍ ዘርጊሑ ከምዝቕበሎም ዘርኢ ኣኼባታት ኣብ ኣስመራ ኤክስፖ  ኣደራሽ  ቁጽሪ ክልተ ተወዲቡን ተኻይዱን። እዚ ድሕሪ ናይ ምልልማድ (rehearsal) ቅንያት ብዕለት 24/03/2017 ዝተኻየደ ኣኼባ፤ ብፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ጨንፈር ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኑ ዘሎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን ኢዩ ተወዲቡ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ ሱዳንን እስራኤልን ዝመጹ (ገለ ስድራ ንምብጻሕ ኢዮም) ፤ 15 ደቅንስትዮ ዝርከብዎም 45 ካብ ሱዳን እቶም 13 ድማ ካብ እስራኤል  ተረኺቦም ነይሮም።

እዚ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ንምክትታል ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ብድምር 60 ‘ተመለስቲ’ ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኤርትራን፤ ቆንስላት ግብጽን ሱዳንን ነቲ ናይ ኤርትራውያን ‘ ሓጎስ’ ንኽሰምዑ ተዓዲሞም ነይሮም። እቶም መንእሰያት ኣብቲ ብሓላፊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ክብሉዎ ዝግበኦምን ቃላን ክምልስዎ ዝግበኦም ሓሳባትን ኣቐዲሙ  ከምእተሓበሮም ተገሊጹ።

እቶም መንእሰያት ኣቐድም ኣቢሉ ብስም ፖለቲካዊ ትምህርትን ሃገራዊ ጎስጓስን እቲ ክብልዎ ዝግበኦም ብዝርዝር ክወሃቦም ከምዝቐነየ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሽሕኳ ጽዑቕ ልምምድ እንተተገበረሎም፤ ነቲ ብወከልቲ ስዊዝን ጀርመንን ኣብቲ ኣኼባ ዝተሓተተ ኣዋጣሪ ሕቶታት ከምቲ ዝተባሃልዎ ክምልስዎ ዘይምኽኣሎምን መንግስቲ ክብልዎ ዘይደልዮም ነገራት ከምዝበሉን ተሓቢሩ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ እቲ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንመጣየሲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ ንመንግስቲ ኤርትራ ክወሃብ ተሓቲቱ ዘሎ 200 ሚልዮን ብዘይካ እቲ ናብ ተተካኢ ጸዓት ዝውዕል መጠኑ እቲ ዝተረፈ ክፋሉ ናብ ካዝና መንግስቲ ኤርትራ (ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ናይ ውልቀሰባት ሕሳብ) ንምእታው ኢዩ።

እዚ ድራማታት እውን እንዳተገበረ መንግስቲ ኤርትራ ክሽፍኖ ዘይክእል ናይ ኣሽሓት መንእሰያት ዋሕዚ ናብ ሱዳንን ኢትዮጲያን ምህላዉ ሰበስልጣን ሱዳንን ጋዜጠኛታትን ማዕከናት ዜና ኣልጀዚራን ቢቢሲን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ተጋሂዱ ኣሎ።

በዚ መሰረት ናብ ኢትዮጲያ ዘሎ ዋሕዚ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን ሲቪላዊ ህዝቢን ቁጽሩ ዘሰንብድ ሙኻኑ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ሕቡራት ሃገራት ኣይሪን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።

ጀይምስ ጀፍሪ ካብ እንዳስላሰ ኢትዮጲያ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ፤ ንሱ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብርክት ዝበለ ዋሕዚ ኤርትራውያን ከምዝረኣየ መስኪሩ።

እቲ ጋዜጠና ኣብኡ እንከሎ ካብ ዝመጹ ሰባት ኣዘራሪቡ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፤እቶም መንእሰያት  ኩሉ ዝኸኣለ ካብ ኤርትራ ይወጽእ ምህላዉ ከምዝሓበርዎ ገሊጹ።

ምስ ወኪል ኤሪን ቃለመጠይቕ ዝገበረ ወዲ ሳላሳን ሓደን ዓመት ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝሓበሮ፤ ካብ ኣስመራ ናብ ኢትዮጲያ ንምእታው 4 መዓልቲ ከምዝወሰደሎም ገሊጹ። ንሱ ምስኡ 3 ሰብኡት፤ ሰለስተ ኣንስቲ፤ 6 ኣዋልድ፥ ኣርባዕተ ድማ ኣወዳት ብጠቕላላ ኣብ ጉጅልኡ 17 ሰባት ከምዝነበሩ፤ እቲ ዘስገሮም ነጋዳይ ደቂ ሰብ ድማ ብድምር 42500 ዶላር ከምዘኽፈሎም ገሊጹ።

ኣብዚ ቅንያት እዚ ብሓንቲ ሆላንዳዊት ተማራማሪት ዝወጸ መጽሓፍ ከምዘቃለዖ፤ እዞም ዘስግሩ መብዛሕተኦም ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ወይ ብቐንዱ ምስቲ መንግስቲ ዝበሃል ምትእስሳር ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብ ሓደ ጉዕዞ 43 ሽሕ ዶላር ብካሽ ዝወስዱ እንተኾይኖም ብዝሒ ዝኣቱ ዘሎ ገንዘብ ንምግማቱ ኣሸጋሪ ኣይከውንን።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ጥራይ 3367 ኤርትራውያን ናብ መዓስከራት ትግራይ ከምዝእኣተዉ እቲ ጋዜጠና ዝጠቐሰ እኳ እንተኾነ ፤ እዚ ቑጽሪ እዚ ብነጻ ኣካል ዘይተረጋገጸ ካብ ሰበስልጣን ኢትዮጲያ ዝተወሰደ ኢዩ።

ካብቶም ኣብቲ ወርሒ ዝኣተዉ ኣሽሓት ገለ ወተሃደራት ሙኻኖም ዝገለጸ ጋዜጠና ኤሪን፤ እቶም ዘዘራረቦም ዶብ ምስጋር ሓደገኛ እኳ እንተኾነ ናብ ኤርትራ ምንባር ካብኡ ንላዕሊ ሓደገኛ ሙኻኑ ከምዝገለጹሉ ሓቢሩ። ዝበዝሑ ካብኦም ን20 ዓመታት ብዘይክፍሊት ኣብ መወዳእታ ኣልቦ ኣገልግሎት ከምዝነበሩን ኣረዲኦም።

ስድራኹም እንታይ ኢሎም ተባሂሎም ኣብ ዝተሓተቱሉ እዋን እቶም ወተሃደራት፤ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮንናን ኣብ ኢትዮጲያ ሰጊርናን ንኣንስትና ፍልልይ የብሉን ምኽንያቱ ኣይርእያናን ኢየን ኩሉ ወዮ ኢዩ ከምዝበልዎ ብምግላጽ እቲ ን20 ዓመታት ብኣስገዳድ ኣብ ኣገልግሎት ዝከርተተ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣብነት ብምጥቃስ ገሊጹ።

ክልተ ደቂንስትዮ ብወገነን ሰብኡተን ኣብ ቤትማእሰርቲ ከምዘለዉ፤ ናብራ ከቢድወን ንስደት ከምዝነቐላ ክሕብራ ከለዋ፤ እተን ካልኦት ክልተ ድማ፤ እቶም ዘስግሩ ክንደይ ከምዝተኸፈሉ ኣይንፈልጥን ኢና እቶም ኣስገርቲ ናብ ባረንቱ ምጹ ኢሎምና ብድሕሪኡ ናብ ኢትዮጲያ ኣቲና፤ ኩሉ ብደገደገ ኢዩ ዝግበር ክብላ እቲ ምስጋር ዶብ ውን ብመንግስቲ ብዝውደቡ ኣካላት ከምዝፍጸም ኣተንቢሀን።

ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን ተመሳሳሊ መግለጺ ሂቦም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ። ኣብ ከባቢታት ከሰላ ኣብ ወርሒ ብዉሑዱ 23 ኤርትራውያን ናብታ መዓስከር ከምዝመጹ ሓላፊ መዓስከር ወዲሸሪፈይ ኣሰይድ ዓብዴን ሱለይማን ንመርበብ ሳተላይት ኣልጀዚራ ኣብዚ ቅንያት ምሕባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ ሰማንያ ሚእታዊት ናይቶም ናብቲ መዓስከር ዝመጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኣሰጋገርቲ ከምዝመጹ ገሊጹ። ራህዋ ኣማኑኤል እተባህለት መንእሰይ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣቦኣን ኣዲኣን ስራሕ ስኢኖም ንሳ ሰሪሓ ኣሕዋታን ስድራቤታን ክትኣልዮም ትምህርቲ ከምዝገደፈት ይኹን ግን ትምህርቲ ምስገደፈቶ ናብ ሳዋ ክትግፈፍ ምስተደለየት ናብ ሱዳን ከምዝመጸት ሓቢራ።

ምስኣ ዝመጸት ዮሃና እተባህለት እውን ኣብ መንገዲ ናይቲ ጉዕዞ ብኣሰጋገርቲ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ጾታዊ ዓመጽ ከምዘጋጠመን ገሊጻ። ንሳ እቶም ኣሰጋገርቲ ይኹኑ ሓለውቲ ኣብልዕሊ ደቅንስትዮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ቀጻሊን ከቢድን ምንባሩ ሓቢራ።

ካብ ዓመጽ ናይ ኤርትራ ይኹን ኣሰገጋርቲ ሃዲመን ናብ ካናዳ ኪኸዳ ሕልሚ ከምዘለወን ዝገለጻ እተን ክልተ መንእሰያት ከምአን ኣሽሓት መንእሰያት መዓልታዊ ይውሕዙ ምህላዎም እቲ ዋሕዚ ድማ ደው ናይ ምባል ኣንፈት ከምዘይብሉ ሓቢረን።

ኣብዚ ቅንያት እዚ ዝወጸ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከምዝሕብሮ መንግስቲ ኤርትራ ባዕሉ ሰፊሕ ናይ ስግረዶብ መርበብ ከምዘለዎ ካብ ስግረዶብ ዝረኽቦ ገንዘብ ብሚልዮናት ዶላር ከምዝቑጸር ይሕበር።

    Print       Email

You might also like...

ብፕረዚደንት ኢሳያስን ስድራቤቱን ዝውነን ኣብ ቀጠር ዝርከብ ገንዘብን ጥረ ወርቅን  ናብ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ንምግዓዙ ሃቐነ ይካየድ ኣሎ።

Read More →