Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ግብጺ ኣብ ከባቢታት ዳህላክ እትርከብ ደሴት ኖራ ንወተሃደራዊ መዓስከር ሂቡ

By   /  April 13, 2017  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ግብጺ ኣብ ከባቢታት ዳህላክ እትርከብ ደሴት ኖራ ንወተሃደራዊ መዓስከር ሂቡ

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዕምሩ ንምንዋሕ ዝገብሮ ዘሎ ሉዓላዊ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ናይ ምሻጥ ተግባራት፤ ሕጂ ውን  ንመንግስቲ ግብጺ ኖራ እተባህለት ኣብ ከባቢ ዳህላክ እትርከብ  ደሴት ንሓይሊ ባሕሪ ግብጺ ከምዘረከበ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ማለት ብዕለት 5 ሚያዝያ 2017 ብጀነራል ሓምዲ ባዲም ዝምራሕ ልኡኽ ግብጺ ናብ ኤርትራ ከምዝበጽሐ ይፍለጥ። ብሰንኪ ምህናጽ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጲያን: ኣጠቓቕማ ኣህጉራዊ ማያት ኒልን ኣብ መንጎ መንግስታት ግብጺን ኢትዮጲያን ዘሎ ምፍጣጥ ነተን 9 ኣባላት ፍሰት ኒል (Nile riparian states)  ብዝተፈላለዩ መንገዲ ጸልይወን ምህላዉ ይፍለጥ። በዚ መሰረት ገለ ሃገራት ንመርገጺ ግብጺ ክድግፋ ከለዋ ገለ ሃገራት ድማ ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ወጊነን ምህላወን ይፍለጥ።

ናይ ሱዳን ፕረዚደንት ጀነራል ዑመር በሽር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጲያ ብምኻድ ‘ዝኾነ ናይ ኢትዮጲያ ጸላኢ ናትና ጸላኢ ውን እዩ’ ዝብል መግለጺ ምሃቡ ኣብ እዚ መቓን ኣትዩ ዝረአ ሙኻኑ እቶም ተዓዘብቲ ሓቢሮም።

ብዙሓት ክኢላታት እዚ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጲያን ተፈጢሩ ዘሎ ምፍጣጥ መወዳእትኡ ብቴክኒካውያን ክኢላታት ማያዊ ሕግታትን፤ ዲፕሎማስያዊ መስመራትን ምዕላቡ ዘይተርፍ ብሙኻኑ፤  መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ናይቲ  ሴናርዮታት ብኽሳራ ክወጽእዩ ዝብል ገምጋም ዓቢ ተኽእሎ ዘለዎ ሙኻኑ ገሊጾም። እቶም ክኢላታት ኣብ እዋናዊ ክስተታት ሃልክን ዝሙርኮስ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ወጻኢን ሃገራዊ ድሕነትን ስትራተጂ ንነዊሕ እዋን ዝጠመተን ትሕጃታቱ ዘዋደደን  ስለዘይኮነ፥ ግብጺ ንኤርትራ ከም መጋበርያ ጥራይ ክትጥቀመላ ትጽዕር ምህላዋ ብምግንዛብ  መንግስቲ ኤርትራ ፖሊሲታቱ ድሕነት ኤርትራውያን ዘውሕስ ንምግባሩ ምስትኽኻል ዘድልዮ ሙኻኑ ይገልጹ።

    Print       Email

You might also like...

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት መደብ ከምዘለዎ ይሕበር ኣሎ፡ ዛጊት እንታይ ተገይሩ ኣሎ፤ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ናበይ ገጹ ኪቐንዕ ይኽእል።(1ይ ክፋል)

Read More →