Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሓርበኛ ተጋዳሊት ምሕረት ኢዮብ ተኽሉ ( በዓልቲ ቤት ናይቲ ኣብ ማእሰርቲ ዔራዒሮ ዝርከብ ሚኒስተር በራኺ ገብረስላሰ) ርእሰ ቅትለት ፈጺማ ተሰዊኣ

By   /  April 15, 2017  /  Comments Off on ሓርበኛ ተጋዳሊት ምሕረት ኢዮብ ተኽሉ ( በዓልቲ ቤት ናይቲ ኣብ ማእሰርቲ ዔራዒሮ ዝርከብ ሚኒስተር በራኺ ገብረስላሰ) ርእሰ ቅትለት ፈጺማ ተሰዊኣ

    Print       Email

download (29)ሓርበኛ ተጋዳሊት ምሕረት ኢዮብ ተኽሉ ( በዓልቲ ቤት ናይቲ ኣብ ትሕቲ ዓመጽ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝርከብ ሚኒስተር በራኺ ገብረስላሰ) ርእሰ ቅትለት ፈጺማ ተሰዊኣ። ሓርበኛ ሕረት ኢዮብ ብዕለት 13 ሚያዝያ ሰዓታት ረፋድ፤ ካብቲ ህንጻ ናይቲ ትሰርሓሉ ቦታ፤ ማለት ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናብ መሬት ብምዝላል ርእሰ ቅትለት ፈጺማ ከምዝዓረፈት ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ገሊጾም።

ተጋዳሊት ምሕረት ኢዮብ   ብ12 ሚያዝያ ማለት  ኣብ ድሮ ናይታ ርእሰ ቅትለት ዝፈጸመትላ ዕለት ንዕረፍቲ ኢሉ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ዝመጸ ወዳ ሰመረ በራኺ፤ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣጋጢሙ ዘሎ ዘይውዳእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምኡ ውን ዘይፍትሓዊ ምእሳር ናይቶም በዓልቤታ ዝርከቦም መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣመልኪታ ከተዕልል ከምዝሓደረት እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ብ13 ሚያዝያ ንግሆ  ሰዓት 7፡27 ሓርበኛ ምሕረት ኢዮብ ተኽሉ ናብ ገዛኣ ንዝነበሩ ወላዲታን ክልተ ደቃን ተፋኒያ ናብ ስራሕ ድሕሪ ምኻድ ካብ ህንጻ ናይቲ ትሰርሓሉ ቦታ ሚኒስትሪ ትምህርቲ  ዘሊላ ርእሰ ቅትለት ፈጺማ ከምዝተሰወአት ተሓቢሩ።

እቶም እዋን ምሳሕ ንኽትመጾም ዝጽበዩ ዝነበሩ ስድራቤታ ማለት ወላዲታን ክልተ ደቃን ፤ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ኣብ ክንዲ ኣዲኦም መሪር መርድእ ናይ ኣዲኦም ወላዲቶም  ከምዝተቐበሉ ዝሓበሩ ምንጭታት መድረኽ፤ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ናብ መንበሪ ገዛ ሓርበኛ ምሕረት ብምምጻእ፤ ንኹሎም ኣባላት ስድራቤት ምኽንያት ሞት ተጋዳሊት ምሕረት ኣብ ዝሕተቱሉ እዋን ብሕማም ምኽንያት ሙኻኑ ክገልጹ መምርሒ ሂቦሞም። ሻቡ ድማ መንበሪ ቤት ተጋዳሊት ምሕረት ማእለያ ብዘይብሎም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ሓለፍቲ መንግስቲን ግንባርን ከምዝመልአ ተሓቢሩ።

መርድእ ዜና ተጋዳሊት ምሕረት ‘ብድንገታዊ ምኽንያት’ ብዝብል ተዳሊዩ እኳ እንተነበረ፤ ብትእዛዝ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ማዕከናት ዜና ኤርትራ ‘ተጋዳሊት ምሕረት ብዝሓደራ ሕማም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክትሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 65 ዕድመኣ ተሰዊኣ’ ዝብል ኮይኑ ኪቐርብ መምርሒ ተዋሂቡ።

ሓርበኛ ተጋዳሊት ምሕረት ብሰንኪ ኣሳቓዩ ኩነቱ ዝቐተላ መንግስቲ ኤርትራ፤ ደጊሙ ብመራኸቢ ብዙሃኑ ጌሩ ‘ብምኽንያት ሕማም ተሰዊኣ’ ምባሉ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ተጋዳሊት ምሕረት ዝፈረዶ ካልኣይ ሞት ሙኻኑ መጋድልታ ገሊጾም። መንግስቲ ኤርትራ  ነቲ ኣብ  ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ኣብ ጨው ቀትሪ ዘጋጠመ ርእሰ ቕትለት ‘ብሕማም ምኽንያት’ ምባሉ ንሞራላዊ ምጥስጣስ ናይ ቲ ስርዓትን በቲ ሓደ ወገን፤ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ኣብ ዝለዓለ ጫፉ በጺሑ ምህላዉ ድማ በቲ ካልእ ወገን ዘርኢ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። ከም ልሙድ መራኸቢ ቡዙሃን ኤርትራ ብኣንጻር እዚ ዘሕዝን መስዋእቲ ኣብ ሳዕስዒትን ዳንኬራን ክፍኑ ኪቕኒ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ገሊጾም።

መስመራት ቴሌፎን መንበሪ ቤት ተጋዳሊት ምሕረት ኢዮም ኣብ ትሕቲ ጠለፋ ሃገራዊ ድሕነት ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት መድረኽ፤ ጽንዓት ይሃብኩም ንምባል ዝድውሉ ፈተውቲ ንስድራቤት ኣብ ሓደጋ ከየእትዉ ጥንቃቐ ከርእዩ ኣዘኻኺሮም።

ሓርበኛ ምሕረት ብህድኣታ፤ ውርዙይነታ፤ ዓቕማን ትዕግስታን እትልለ ኣደ ኮይና፤ ኣብ ዝሓለፉ እዋን ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፤ ኣብ ልዕሊ በዓል ቤታ ዝኾነ ሚኒስተር በራኺ ዝርከቦም ገዳይም መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝተፈጸመ ዓመጽ ኣዚዩ የጉህያ ምንባሩን ኣብ ከቢድ ጭንቀት ምንባራን ይግለጽ። ብዘይካ እዚ ሓርበኛ ምሕረት ኢዮም ንሕክምና ናብ ዓዲ ጥልያን ከይዳ ምንባራ እውን ይሕበር።

    Print       Email

You might also like...

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንተጋዳላይን ክብርታቱን!

Read More →