Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ናይ ሕልና ረፈረንዱም ብምክያድ፡ እወ ንሓቐና ናጽነት፡ ኣይፋል ነቲ መልክዑ ቀይሩ ዝመጸ ባርነት ኢሉ ከድምጽ ይግባእ።

By   /  April 26, 2017  /  Comments Off on ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ናይ ሕልና ረፈረንዱም ብምክያድ፡ እወ ንሓቐና ናጽነት፡ ኣይፋል ነቲ መልክዑ ቀይሩ ዝመጸ ባርነት ኢሉ ከድምጽ ይግባእ።

    Print       Email

ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ኣስታት 26 ዓመታት ኣብዚ ቅንያትእዚ ማለት ካብ 23 ክሳብ 25 ሚያዝያ ረፈረንዱም ኣካይዱስ ብ98.805% ኣኽሪሩ ንናጽነት ኣድሚጹ። ኣብተን ሰለስተ መዓልታት እወ እትብል ሰማያዊት ካርድ ኣብ ሳንዱቕ ብምኽታት ባህጉ ምሉእ ሓርነት ሙኻኑ ብሓደ ድምጺ ኣረጋጊጹ። ኣይፋል እትብል ቀያሕ ካርድ ናብ እንዳ ጎሓፍ ብምኽታት ድማ እቲ እታ ካርድ እትውክሎ ባርነትን ሕሰምን ተሓግሒጉ ክእለ ዘለዎ ክቱር ድሌት ገሊጹ።

ህዝቢ ኤርትራ ብደሙን ድምጹን ኢዩ ናጽነት ኣድሚጹ። ኣቐዲሙ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ብሓይሉ ዘውዲ ናጽነቱ ደፊኡ። ብሓይሊ ጥራይ ዝረጋገጽ ሓርነትን ክብረትን ከምዘየሎ ብኣግኡ ስለዝተገንዘበ፤ ንሉዓላዊነቱ ብኣህጉራዊ ሕግታትን ተዛመድቲ ውዕላትን ሕጋዊ ዋሕስ ንኺገብረሉ ረፈረንዱም ኣካይዱስ ብ27 ሚያዝያ 1993 ኤርትራ ካብታ ዕለት ጀሚራ ሉዓላውነታ ዘረጋገጸት ነጻ ሃገር ሙኻና ኣዊጁ።

እወ ንናጽነት ዘድመጸ ግን ከምዚ ሕጂ ኮይንዎ ዘሎ ባዕዳዊ ግዝኣት ብዘቤታዊ  ግዝኣት ንምትካእ ኣይነበረን። ኣይፋል ንባርነት ዝበለ መንግስቱ ሃይለማርያም ዝበሃል ካብ ሸዋ ዝመጸ ፋሺሽታዊ ዓማጺ ጸሊም ሰብ ብምእላይ፤ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝበሃል ካብ ከርሱ ዝመጸ ዓማጺ ፋሺሽታዊ ቀይሕ ሰብኣይ ንምቕማጥ ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ እወ ንናጽነት ዝበለ ኢሰፓ ዝበሃል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተስገደደ ሰልፊ ኣልዩ፤ ህግደፍ ዝበሃል ናይ ውሑዳት ሰባት ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ንምጽዓን እውን ኣይነበረን።

referndumህዝቢ ኤርትራ ኣይፋል ኢሉ ዘድመጸ፡ ነቲ ኣብ ማርያም ግንቢ፤ ኣለም በቃኝ፡ ካርቸሊን ሓዝሓዝን ዘጋጠሞ ማእሰርትን ምቕጥቃጥን ዳግም ንኸይርኢ ስለዝበሃገ እምበር፡ ማርያም ግንቢ ዝነበረ ብዓዲ ኣቤቶ፤ ኣለም በቃን ዝነበረ ብኣደርሰር ተተኪኡ እቲ ስቅያት ብኣሕዋቱን ደቁን ናብ ኣሕዋቱን ደቁን ንኽቕጽል ኣይነበረን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣይፋል ንባርነት ኢሉ ዘድመጸ፤ ጀነራል ረጋሳ ጂማ ዝተባህለ ደቁ ዝሓርደሉን ዝቐትለሉን ዝነበረ ጨካን ወተሃደር ኣሊዩ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ብዝተባህለ ደቁ ዝሓርደሉን ዝቐትለሉን ኣረሜን ወተሃደር ንምትካእ ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ኣይፋል ዘድመጸ፤ ሻምበል ዘለቀ ማሞ ዝተባህለ ብስልኪን ሓጺንን ዝቕጥቕጥ መርማሪ ኣሊዩ፡ ካፕተይን ወዲ ከበደ ዝበሃል ካብኡ ዝጨከነ ብሓጺንን ናይ ኤሌክትሪክ ስልኪን ዝቕጥቕጥ ግፍዐኛ ንምምጻእ ኣይነበረን።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ብሄራዊ ውትህድርና እንዳበለ ደቁ ዝወስደሉ ዝነበረ ስርዓት ደርግ ኣይፋል ኢሉ እንዳጎሓፍ ዘእተዎ፤ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ስም መወዳእታ ዘይብሉ ባርነት ንኽህሉ ኢሉ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ እወ ንናጽነት ዝበለ ማይ ብሪጋ ክሰቲ፤ ኣብ ጸልማት ብዘይመብራህቲ ክነብር፥ ጽዒሩ ዝኣከቦ ገንዘቡ ክህገር፥ ብብልሽዋትን ዘይብቑዓትን ሰባት ክመሓደር ኢሉ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ እወ ንናጽነት ዘድመጸ፡ ብናጽነት ክገይሽን ክንቀሳቐስን እምበር፤ ናይ ደርግ ኬላታት ብናይ ህግደፍ ኬላታት ተተኪኦም ናይ ምንቅስቓስን ምጋሽን ሓርነቱ ንኺኸልእዎ ኢሉ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ሰማእታቱ ከፊሉ መሬቱ ሓራ ዝገበረ፤ መሬቱን ጸጋታቱን መጻእቲ ወለዶታት ብራህዋን ሃብትን ክነብሩሉ እምበር፤ ስድራቤት ፕረዚደንት ኢሳያስን ከም ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ዝኣመሰሉ ብብልሽውና ዝተቖማጥዑ ሰባትን መሬቱን ባሕሩን ብሚልዮናት ዶላር ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸይጦም ኣብ ቻይናን ቀጠርን ዱበይን ኣብ ዝርከብ ሕሳባቶም ገንዘቦም ንኸቐመጡ ኣይኮነን።

ደቀንስትዮ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ወሳኒ ግደ ተጻዊተን ተዋጊአንን ወዲቐንን ናጽነት ዘምጸኣ፤ ካብ ድርብ ወጽዓ ኣግእዞአን ከረጋግጻ፤ ኣብ ሓራ ኤርትራ ድማ ዝግባአን መሰል ክረኽባ ኢለን እምበር፤ ደቀን ግዳይ ምግሳስ ኪኾና፤ ትሕቲ ዕድመ ውሉደን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክማስና፤ ዝተረፋ ድማ መጻወቲ ዳዕሽ ኪኾና ኣይኮነን። ደቀንስትዮ ልዕሊ ኩሉ መስዋእቲ ዝኸፈላ ኤርትራ ናይ ኩለን ደቅንስትዮ ንኺትከውን እምበር፡ ኤርትራን ሃብታን ዋንነት በዓልቲ ቤቱ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ክትከውን ኣይኮነን።

ኣዴታት ኤርትራ ሃገረይ ስልማተይ ኢለን እተን ዝርካበን ክልተ ሓባ ኩትሻ ወርቀን ካብ የእዛነን ቀንጢጠን ንሃገር ዘበርከታ ፤ከም ወይዘሮ ጽገሬዳ ዝኣመሰላ ምስ ጀነራል ፍሊጶስ ብልሹው ንግዳዊ ምትእስሳር ዘለወን ሰባት ወርቂ ኤርትራ ንዱበይ እንዳመላለሳ ደምን ዓጽምን ሃገር ንኽመጽያ ክፍቀደለን ኢለን ኣይኮናን።

ህዝቢ ኤርትራ እወ ንናጽነት ኢሉ ንረፈረንድም ብዓብላሊ ቁጽሪ ዘድመጸሉ ምኽንያት፡ ቅዋማዊት ሃገር ተኺሉ፤ ራህዋን ሰላምን ዘስተማቕረላ፤ መጻኢኡ ዝመሓየሸላ ናይ ኩሉ ዜጋ ሃገር ንኽትህልዎ ኢዩ። ሎሚ ግን ብኣንጻር እቲ ህዝቢ ዝተተምነዮ፡ ኤርትራ ሕሰማ ብኢሱ እምበር ኣይተመሓየሸን። ኣእላፍ ሰባት ብዘይፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብስቓይ ይሕቁ ኣለዉ። ህጻናትን ኣረግቶትን ከይተረፉ ንሳዲስታዊ ባህርያት ፕረዚደንት ኢሳያስ ንምዕጋብ ተባሂሉ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተሳቕዮም ይሞቱ ወይ ውን ሓንጎሎም ይስሕቱ ኣለዉ።

ኤርትራዊ እፎይ ኢሉ ዝነብረላ ዓዲ ስለዝሰኣነ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ንኽስደድ ብኣሽሓት ይወጽእ ኣሎ። ኤርትራ ናይቲ ዝወደቐላ ዘይኮነትሲ ናይቲ ዘውደኽደኸላ ኮይና ኣላ።ባንዴራ ኤርትራ እቲ ተነጺፍዋ ዝተሰወአ ዘይኮነስ፡ እቲ ተወንዚፍዋ ዝሳዕሰዐ ዝያዳ ዝኽበረላ ኮይና ኣላ። ወዲ ግዳም ንወዲ ገዛ የሳድዶ ኣሎ። ስንኩላን ብዚንጎን ክሻን ኣብ ዝተረቀዐ ሾጓሹግ እንዳነበሩ፤ መጣቓዕቲ ድማ ኣብ ዜገጸ ህንጻታት ይነብሩ ኣለዉ። ሃብቲ ሃገር ብስርቂን ምጥፍፍኣን ኣብ ውልቃዊ ሕሳባት ብልሹዋት መራሕቲ ይሰጋገር ኣሎ። ብኣንጻሩ እቶም ኣብ ድፈዓት ዘለዉ ጀጋኑ ዋርሳይ ብ600 ናቕፋ ብዘይ እኹል መግቢ ኣብ ሕሰም ይነብሩ ኣለዉ። ናብራ ዝጸበቦም ስድራቤቶም ድማ ጸልማት ተጎልቢቦም ይልምኑ ኣለዉ።

ናይ ፕረዚደንት መንግስቱ ሃይለማርያም ዓመጽን ግዝኣትን ሓራም፤ ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዓመጽን ግዝኣትን ሓላል ዝበለ ህዝቢ የሎን። ሁለተኛ ኣብዮታዊ ሰራዊት ዝበሃል ኣገልጋሊ ግዝኣት ዝፈጸሞ ቅትለትን ማእሰርትን፤ ተወርዋሪ እዚ ብዝበሃል ኣገልጋሊ ናይዚ ዘሎ ስርዓት ክደግሞ ክፍቀዶ ኣይግባእን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚኡ ሓደ ፍታሕ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። ከምቲ ንግዝኣት ባዕዳዊ ባርነት ኣይፋል ኢሉ ዝጎሓፎ፤ ነዚ ናይ ውሽጢ ግዝኣት ባርነት ኣይፋል ኢሉ ክሕግሕጎ ኣለዎ። ናይ ሕልና ረፈረንዱም ብምክያድ፡ እወ ንሓቀና ናጽነት፡ ኣይፋል ነቲ መልክዑ ቀይሩ ዝመጸ ባርነት ኢሉ ከድምጽ ኣለዎ። እዚ ምርጫ እዚ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኢዩ ዝመርጾ፤ ብደገ ዝመጽእ ለውጢ፤ ብግዳም ዝመጽእ ጥዕና የሎን።

 

    Print       Email

You might also like...

130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም።

Read More →