Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ገለ ክፋል ናይ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ኣብ ክልተ እብረ ኮይኑ።

By   /  March 29, 2017  /  Comments Off on ገለ ክፋል ናይ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ኣብ ክልተ እብረ ኮይኑ።

    Print       Email
ኣብያተ ማእሰርታት  ኤርትራ ብፍላይ ድማ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ እሱራት ስለዝበዝሑ ማእሰርቲ ኣብ ክልተ እብረ (ሺፍት) ኮይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ። ገለ ክፋል ናይ ዓዲ ኣቤቶ ካብቲ ክሕዞ ዝኽእል ዓቕሚ እሱራት ዕጽፊ ስለዝሓዘ፤ እሱራት ገሊኦም 3 መዓልቲ ብዋሕስ ነጻ ወጺኦም ንምሕዳር ጥራይ ናብ ቤትማእሰርቲ ከምዝምለሱ፤ እቶም ካልእ ዕብረ ድማ ኣብቲ ካልእ ሰለስተ መዓልቲ ወጺኦም ኣብ ራብዓይ መዓልቶም ናብ ማእሰርቲ ከምዝምለሱ ይግበር ምህላዉ ተሓቢሩ።
ብዙሓት ሃገራት ፋብሪካታት በብእብረ ሰራሕተኛታት ብምስራሕ ቁጠባዊ ዕብየት የመዝግባሉ ኣብ ዘለዋ እዋን፤መንግስቲ ኤርትራ ድማ ብእብረ ሰባት ምእሳሩ ኣብ ታሪኽ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ዘገርም ተርእዮ ሙኻኑ እቶም ነቲ ሓበሬታ ዝለኣኹ ምንጭታት ሓቢሮም።
ብኻልእ ወገን ቀዳምይ ርብዒ ዓመት 2017 ኣዚዩ ብርክት ዝበለ ብዝሒ ማእሰርቲ ዜጋታት ዝተራእየላ ምንባራ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮምም። እቶም ምንጭታት ብዙሓት ማእከሎት ሓለፍቲን ኣባላትን ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ፖሊስን ምክልኻልን ናብ ደገ ዝርከቡ ተቓወምቲ ምስጢራት ተመሓላልፉ ኣለኹም፥ ዘይንጹር ምትእኽኻባትን ውሽጣዊ ውደባታትን ተካይዱ ኣለኹም ተባሂሎም ከም ዝተኣስሩ ተፈሊጡ።
    Print       Email

You might also like...

130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም።

Read More →